ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ፡ ኣፍሪቃዊት ቢልዮነር ብምትላል ተኸሲሳ

Eurobic logo

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ምስታ ብምጥፍፋእ ገንዘብ መንግስቲ ኣንጎላ ተኸሲሳ ዘላ፡ ጓል ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ዶስ ሳንቶስ ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ዝተኸሰ ሰራሕተኛ ባንክ ኣብ ርእሰከተማ ሊዝበን፡ ፖርቱጋል ሞይቱ ተረኺቡ።

እቲ ሪበይሮ ዳ ኩንሃ ዝተባህለ ወዲ 45 ዓመት፡ ኣብ ሓደ 'ዩሮቢክ' ዝተባህለ ንእሽቶ ባንክ፡ ንገንዘብ ናይቲ ኢዛቤል ዶሳ ሳንቶስ ትመርሖ ዝነበረት ትካል ነዳዲ ኣንጎላ፡ ሶናጐል፡ ዘመሓድር ዝነበረ'ዩ።

ንሱ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣንጎላ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ'ታ ዝሃብተመት ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ዝኾነት ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ፡ ወግዓዊ ክሲ ድሕሪ ምምስራቶም ብረቡዕ ከም ዝሞተ ሎሚ ካብታ ከተማ ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እቲ ቀሪቡ ዘሎ ክስታት፡ ሓላፊት ትካል ነዳዲ ሶናንጎል ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ከም ዝተሓሓዝ ዋና ኣኽባር ሕጊ፡ ሄልደር ፒታ ግሮስ ገሊጹ።

እቶም ክሲ ተመስሪትሎም ዘሎ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ፡ ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስን ካልኦት ሓሙሸተ ሰባትን፡ ብኣካል እንተዘይቀሪቦም፡ ዓለምለኻዊ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክመሓላለፍ ከም ዝኽእል እቲ ኣኽባር ሕጊ ተዛሪቡ።

ኢዛቤል ግና፡ ነቲ ንሃገራ ዘሚታታ ዝብል ክስታት ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።

ፒታ ግሮስ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ፡ ሓላፊት ትካል ነዳዲ ሶናንጎል ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ገንዘብ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ካብታ ሃገር ብምውጻእ፡ ምስናዕ ሰነዳትን ብካልእ ቁጠባዊ ገበናት እያ ተኸሲሳ" ኢሉ።

ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንኢዛቤላ ተኪኡ ናብ ሓላፍነት ሶናንጎል ዝመጸ ካርሎስ ሳተርኒኖ ኣብቲ ትካል ብዛዕባ ዝተኻየደ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ንሰበስልጣን ድሕሪ ምሕባሩ'ዩ፤ ናይቲ ንሳ ኣብ ሓላፍነት ዝነበረትሉ 18 ኣዋርሕ መርመራ ክካየድ ዝጀመረ።

እዚ ኣብ ኢዛቤላ ተመስሪቱ ዘሎ ወግዓዊ ክሲ፡ ቢቢሲን ካልኦት ናይ ዜና ትካላትን ብዛዕባ ንግዳዊ ንጥፈታት እታ ቢልዮነር ዝገልጽ 700,000 ዝለሓኾ ሰነዳት ድሕሪ ምጽብጻቦም እዩ።

እቲ ሰነዳት፡ ኢዛቤል ኣቡኣ ፕረዚደንት ኣንጎላ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ከመይ ኣቢላ መሬት፡ ነዳዲ፡ ኣልማዝን ናይ ቴለኮም ስምምዓት ከም ዘካየደት ዘርእይ ምኳኑ ይግለጽ። ንሳ ከባቢ 2.1 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ኣለዋ።

ብዘይካ'ዚ እቲ ሰነዳት፡ ኢዛቤል ገንዘባ ካብ ኣንጎላ ክተውጽእ ከላ፡ ትካላት ምዕራብ ብኸመይ ከም ዝተሓባበርዋ የርእይ'ዩ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን፡ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ትካል ፕራይስዋተርሃውስ ኩፐርስ ምስ ኢዛቤላ ብዝተኣሳሰር ጉዳያት ካብ መዝነቱ ክወርድ ከሎ፤ እቲ ኩባንያ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ርእይቶ ክህብ ከም ዘይደልይን፡ ናቱ መርመራ ከም ዝጀመረን ኣፍሊጡ።