ምስ ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ ዝምድና ዘለዎ ትካል ክቡር ዕንቍ ከም ዝኸሰረ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ስዊዝ ዝርከብ ምስ ኣፍሪቃዊት ዝሃብተመት ጓል ኣንስተይቲ ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ ዝምድና ዘለዎ ትካል መሸጣ ክቡር ዕንቊ፡ ክሳራ ከም ዘጋጠሞ ኣፍሊጡ።
እቲ 'ደ ግሪስጎኖ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትካል፡ ብመንግስቲ ኣንጎላን በዓልቤት ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ፡ ሲንዲካ ዶኮሎን እዩ ዝውነን።
መንግስቲ ኣንጎላ፡ በቲ ትካል ዝተወስደ ሚልዮናት ዶላር ልቃሕ ኣብ ምኽፋል ተሸሚሙ ከም ዘሎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝለሓዂ ሰነዳት የነጽሩ።
ኢዛቤል፡ ኣቦኣ ፕረዚደንት ኣንጎላ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሃብቲ ከም ዘኻዕበተት ንዝገልጽ ክሲ፡ ነጺጋቶ እያ።
ኣብ 2017 ካብ ስልጣኑ ዝወረደ ሆዜ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ ን38 ዓመታት እዩ ንኣንጎላ መሪሑ። ንሱ ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ስልጣን ቅድሚ ምውራዱ፡ ንበኹሪ ጓሉ፡ ኣካያዲት ስራሕ ብመንግስቲ ዝውነን ትካል ነዳዲ ሶናንጎል ክትከውን ሸይሙ።
ኣብዚ እዋን ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እታ ጓል 46 ዓመት ቢልዮነርን ተሓባበርታን ካብታ ሃገር ዝወሰድዎ ገንዘብ ከም ዝመልሱ ንምግባር ይንቀሳቐሱ ኣለው።
ኩላቶም ግና ነቲ ክሲ ከም ዘይወዓልዎ ብምሕባር፤ ፖለቲካዊ ድርኺት ከም ዘለዎ ይገልጹ።
እቲ ውዕል ንበዓልቤት ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ ክሳዕ ክንደይ ኣርባሒ ምንባሩ፤ ቢቢሲ ፓኖራማን ካልኦት መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ፡ ዝዘርግሕዎ ጸብጻብ የርእይ።
ንኣዝዮም ፍሉጣት ሰባት ስልማት ዘዳልው ትካል ደ ግሪስጎኖ፡ ኣብ 2012 ብዝተገብረ ስምምዕ እዩ ተዓዲጉ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ እቲ ትካል ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣንጎላን ሲንዲካ ዶኮሎን 50-50 ዋንነት እዩ ክህልዎ ዝግባእ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







