ቡርኪና ፋሶ ኣኽረርቲ ሓይልታት ንምውጋእ ንዜጋታት ክተዕጥቕ እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ቡርኪና ፋሶ ኣብቲ ዞባ እናወሰኸ ይመፅእ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣኽረርቲ ሓይልታት ንምግታእ፡ ዜጋታቱ ከምዘዕጥቕ ኣፍሊጡ።
ኣብቶም ዝሓለፉ 30 መዓልታት ጥራሕ፡ ኣኽረርቲ ሓይልታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 50 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ብሚስጥር ኣብ ዝሃብዎ ድምፂ እዮም፡ ኣኽረርቲ ንምውጋእ ዜጋታት እታ ሃገር ከዕጥቑ ዝወሰኑ።
ልዕሊ ሓደ ሚልየን ዜጋታት እታ ሃገር፡ መሻርኽቲ ኣል-ቃዒዳን ኣይኤስን ዝኾኑ ጉጅለታት ካብ ዝፍፅምዎ መጥቃዕቲ ንምህዳም፡ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም።
ኣካል ፀጥታ እታ ሃገር፡ ተዓጢቑ ንዝንቀሳቐስ ኣኽራሪ ሓይሊ ንምግታእ፡ ብቕዓትን ናይ ኣሃዝ ብልጫን የብሉን ዝብሉ ነቐፌታት ይቐርብሉ።
በዚ ድማ ዜጋታት እታ ሃገር ንባዕሎምን ንሃገሮምን ንምክልኻል ቆራፅነት ከምዘርኣዩ ተገሊፁ።
ይኹን'ምበር፡ ብዓሌትን ብመግሃጫ መሬት ይግበኣኒን ንዝጋጮ ማሕበረሰብ ምዕጣቕ፡ ብዙሕ መዘዝ ዝወልድ እዩ ዝብሉ እውን ኣይተስኣኑን።
ዝኾነ ልዕሊ18 ዓመት ዝዕድሚኡ ዜጋ እታ ሃገር ክዕጠቕ ይኽእል እዩ።
ፍቓደኛታት ኮይኖም ሃገራዊ ፍቕሪ ዘለዎምን፡ ኣብ ዝኾነ እዋን መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉዋት ዝኾኑን ዝብል ድማ፡ ንምዕጣቕ ከም ረቛሒ ተቐሚጡ ኣሎ።
ካብ ሓደ መንበሪ ከባቢ ወይ ድማ ቁሸት፡ እንተውሓደ 10 ሰባት ዝምልመሉ እንትኾኑ፤ ድሕሪኡ ድማ ን 14 መዓልትታት ክዕለሙ እዮም።
ኣጠቓቕማ ዕጥቂ፣ መሰረታዊ ሜላታት ውግእ፣ ወታደራዊ ስነ-ምግባርን ትምህርትታት ግብረ-ገብነትን ድማ፡ ኣብቲ ስልጠና ካብ ዝተኻተቱ እዮም።
ተመልሚሎም ዝዕጠቑ ዜጋታት፡ ንዝቕበልዎም ግቡኣት ካብ መንግስቲ ድጋፍ ገንዘብ ከምዝረኽቡን፡ ጉድኣት እንተጋጥሞም ድማ ካሕሳ ከምዝኽፈሎምን ተገሊፁ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







