እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
''ሞይቱ ኢሎም'ዮም ገዲፎሙኒ ከይዶም" ግዳይ ዕስለ
ሃይለየሱስ ሙሉ ምስ ክልተ መሳርሕቱ ኣብ ጉዳይ መጠን ሕማም ሓሳኹ ከጽንዕ ናብ ጎጃም ኮለላ ኣብ ዘቕነዐሉ እዋን "ደቅና ክምርዙ'ዮም መጺኦም" ዝብል ግጉይ ሓበሬታ ዝበጽሖም ዕስለ ብእምኒ ቀጥቂጠምዎም። ክልቲኦም መሓዙቱ ሽዑ እንትሞቱ ሃይለየሱስ ግን ሕክምና ተገይርሉ ብህይወት ክተርፍ ክኢሉ ኣሎ።