ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ መሰል ዋንነት ጣፍ ክሲ ንምምስራት ምድላዋት ትገብር ኣላ

ምንጪ ስእሊ, ullstein bild Dtl.
ኣምባሳደር ፍፁም ኣረጋ፡ ትማሊ ኣብ ትዊተሮም ብዝጠቅዕዎ መልእኽቲ፡ ዘሄግ ዝርከብ ዓለማዊ ሸምጋሊ ቤት ፍርዲ፡ ብበዓል ዋናነት ጣፍ ተመዝጊቡ ናይ ዝፀንሐ ሓደ ትካል ፍቓዱ ከም ዝሰረዘ ብምሕባር ንህዝቢ ኢትዮጵያ መልእኽቲ እንኳዕ ሓጎሰካ ኣሕሊፎም ነይሮም።
ኣብቲ ናይ ትዊተር ገፅ፡ ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ኣተሓሒዞም'ኳ እንተቕረብዎ፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኢትዮጵያ ግን ዝተጋገየ መረዳእታ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብ ኣፍሪቃ ኣማኻሪት ዓለማዊ ሽምግልና ልዩ ታምሩ ብወገና፡ እቲ ጉዳይ ምስ ኢትዮጵያ ፈፂሙ ከም ዘይራኸብን፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ኩባንያታት ሆላንድ ዝተገበረ ናይ ረብሓ ክትዕ ከም ዝኾነን ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ኣብታ ሃገር መሰል ዋንነት ምድላው ሓርጭ (ሕሩጭ) ጣፍ ረኺቡ ዝተመዝገበ ኤንሺየንት ግሬይንስ ዝተበሃለ ኩባንያ፡ 'ንዓይ ዘየፍቀደ መሰል ዋንነተይ ተዳፊኡ' ንዝበሎ ኣብ ምፍራይ ካብ ጣፍ ዝዳለዉ ባንታትን 'ኩኪስን' ዝሰርሕ ኩባንያ ቤክልስ እዩ ከሲሱ።
'ንመሰል ዋንነተይ ('ሎያሊቲ') ክኸፍለኒ ይግባእ፡ ንፈጠራይ ገንዘብ ይወሃበኒ' ዝብል ክሲ ስለዘቕረበ፡ ኩባንያ ቤክልስ ድማ 'መሰል ዋንነት ክወሃቦ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ሓድሽ ዝወሰኾ ፈጠራ ስለዘየለ ዋንነቱ ክሕደግ ኣለዎ' ዝብል መካትዒ ሒዙ ቀሪቡ እዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኤንሺየንት ግሬይንስ ዝወሰኾ ሓድሽ ነገር ስለዘየለ፡ መሰል ዋንነት ክሕደግ ውሳነ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ፡ ቤክልስ ንዘውፅኦም ወፃእታት ምሉእ ብምሉእ ክኽሕስ ብይን ኣሕሊፉ።
ልዩ ታምሩ፡ እቲ ጉዳይ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽቦ ነገር'ኳ እንተዘይሃለወ ንኢትዮጵያ ፅቡቕ ኩነታት ዝፈጥርን ኣብ መፃኢ ንእተቕርቦ ክሲ መሰረት ክኸውን ከም ዝኽእልን ኣረዲኣ።
ንጉዳይ ኢትዮጵያን ጣፍን ዝሓዘ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል እዩ። ዓቃቢ ሕጊ ኣይተ ብርሃኑ ፀጋዬ አብ ትዊተሮም፡ እቲ ንጣፍ ብዝምልከት ዝተዘርግሐ መረዳእታ ዝተጋገየ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ሞንጎ ክልተ ኩባንያታት ዝተፈጠረ ከም ዝኾነን ኢትዮጵያ ኣብ መሰል ዋንነት ጣፍ ምስ እተቕርቦ ሕቶ ከም ዘይራኸብን ኣፍሊጦም።
ኢትዮጵያ ክሲ ንምምስራት ምድላዋት ገይራ ከም ዝወደአት'ውን ወሲኾም ገሊፆም።
ዋንነት ጣፍ?
ኢትዮጵያ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመት 'ሄልዝ ኤንድ ፐርፎርማንስ ፉድ ኢንተርናሽናል' ምስ ዝተበሃለ ሆላንዳዊ ትካል፡ ስግግር ቴክኖሎጂ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጣፍ ኣብ ኣውሮፓ ንክፈርይ ስምምዕ ፈፂማ ነይራ።
እቲ ስምምዕ ድማ ኣብ ፍርያት ጣፍ ኦስትሪያ፣ ቤልጂየም፣ እንግሊዝ፣ ጣልያንን ሆላንድን ዝነበራ መሰል ክትስእን ገይርዋ'ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ መሰል ዋንነት መሊስካ ንምርካብ ንነዊሕ ዓመታት ክፅዕር ምፅንሑ ይፍለጥ።
ነቲ ኩነታት ናብ ዝተሓላለኸ ደረጃ ከብፅሖ ዝኸኣለ ከኣ፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈራረመ 'ሄልዝ ኤንድ ፐርፎርማንስ ፉድ ኢንተርናሽናል' ዝተበሃለ ትካል ምፍራሱ እዩ።
ኣብተን ሃገራት በዓል ዋና ጣፍ ኮይኑ ዝተመዝገበ ውልቀ ሰብ ጃንስ ሩዝጀን ዝበሃል ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሓደ ኩባንያ ብዳይሬክተርነት እናሰርሐ ይርከብ። ቢቢሲ ረኺቡ ንከዘራርቦ ዝገበሮ ፃዕሪ ግን ክሰምር ኣይከኣለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







