ቢቢሲ፡ ንኣስታት ወርሒ ዝፀንሕ ቢቢሲ፡ ውድድር ግጥሚ ትግርኛ ጀሚሩ

ግጥሚ

ናይ ቢቢሲ ትግርኛ ፈላሚ ተዓዋቲ ውድድር ግጥሚ ክኸውን ንዝደሊ ዓብዪ ብስራት እዩ። ውድድር ግጥሚ ትግርኛ ካብ ሎም መዓልቲ ጀሚሩ ኣሎ።

እዚ ውድድር'ዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ፡ ኩሎም ዕድሚኦም ካብ 18 ንላዕሊ ዝኾኑ ተዛረብቲ ትግርኛ ክፉት እዩ። እዚ ወድድር ካብ 30 ሓምለ ሰኑይ 12፡00 ክፋት ኮይኑ ክሳብ ሓሙስ 26 ነሐሰ፡ ብኣቆጻጽራ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ንፍርቂ ለይቲ ሓደ ደቂቕ ጎደል ሰንበት 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ኢድ ቢቢሲ ትግርኛ ዝበጸሐ ግጥምታት ንወድድር ክቐርብ እዩ።

ብኸመይ ክትወዳደሩ ትኽእሉ?

ቕድሚ ናብ ውድድር ምእታውኩም ክማልኡ ዘለዎም ቅጥዕታትን ውልቃዊ ሐበሬታን ኣብ ወድድር ግጥሚ ቢቢሲ ትግርኛ ዓመተ 2018 ተወከሱ።

ተወዳደርቲ ካብ 30 ሓምለ 2018 ጀሚሮም ግጥምታቶምን ብውልቃዊ ኣድራሽኦም ናብ [email protected]. ክልእክዎ ይኽእሉ።

ተወዳደርቲ ንውድድር ዘቕርቡዎ ግጥሚ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ውድድርን መድረኽ ሚድያን ዘይቀረበን፡ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ኮነ ፈይስ ቡክን ካልእ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝተሓትመ ክኸውን የብሉን። ነዚ ዝስዕብ ቅጥዕኣት ከማልእ ኣሎዎ፡

  • ኩለን ግጥምታት ኣርእስቲ ክህልወን ኣለዎ
  • ምሉእ ስም
  • ቁጽሪ ቴሌፎን (ዋላ ናይ ካልእ ሰብ ቁጽሪ ተለፎን)
  • ኢመይል ኣድራሻ (ናይ ካልእ ክኸውን ይኽእል)
  • ዝቕመጥሉ ቦታን ሃገርን ኣተሓሒዞም ከቕርቡዎ ኣለዎም። እዚ ዝተጠቕሰ ዝርዝራት ዘይብሉ ግጥሚ ንውድድር ብቑዕ ኣይኮነን።

ተወዳደርቲ ግጥምታቶምን፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ውልቃዊ ሓበሬታን ናብ፡ ኢመይልና [email protected] ክሰድዎ ይኽእሉ።

ተወዳደርቲ ግጥምታትኩም ኣብ ኢመይል ጽሒፍኩም፡ ኣታች (attach) ወይ ስካን (scan) ጌርኩም፡ ብኢድ ዝተጻሕፈ እንተኾይኑ ከኣ ብስእሊ (jpeg or pdf) ጌርኩም ብኢመይል ክትሰድዎ ትኽእሉ። ካብዚ ወጻኢ ግን ቅቡል ኣይኮነን።

ንዕውታት ተወዳደርቲ፡ ንቐዳማይ ብልጫ $1000፥ ንካልኣይ ብልጫ $750፥ ንሳልሳይ ብልጫ ከኣ $550 ዶላር ኣመሪካ ሽልማት ኣለዎም።

ተዓዋቲ እዚ ውድድርን፡ ካልኣይን ሳልሳይን ዝወጹን ተወዳደርቲ፡ ግጥሞም ብቪድዮ ንኽልእኹ ብምሕታት፡ ግጥምታቶም ኣብ ሬድዮ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ዌብ ሳይት ቢቢሲ ትግርኛ (bbc.com/Tigrinya) ከምኡ'ውን ኣብ ናይ ቢቢሲ ትግርኛ ናይ ፌስ ቡክ ኣድራሻ (facebook.com/bbcnewstigrinya) ክዝርጋሕ እዩ።

ክማልኡ ዘለዎም ምሉእ ቅጥዕታት መመዘኒን ውልቃዊ ሓበሬታን ኣብ bbc.com/Tigrinya ብግቡእ ኣንብብዎ።

ግጥምታትኩም ክሳብ ሓሙስ 26 ነሐሰ፡ ብኣቆጻጽራ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ንፍርቂ ለይቲ ሓደ ደቂቕ ጎደል ሰንበት 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ኢድ ቢቢሲ ትግርኛ ከምዝበጽ ግበሩ።

ጽቡቅ ዕድል።