እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 11 በጺሑ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ኮሮና ቫይረስ ንምዕጋት፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ንዝኣትዉ ኩሎም ገየሽቲ ን 14 መዓልታት ኣብ መወሸቢ ማእከል ክጸንሑ ከምዝግበር ውሳነ ዘሕለፈ ኮይኑ፡ እቲ ውሳነ ካብ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ኮሮናቫይረስ ዝምልከቱ ምዕባለታት፡ ኣብዚ ቀጥታዊ ጸብጻብ ተኸታተሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. መድሓኒት ኮሮናቫይረስ ኣብ ቀረባ ክርከብ ዶ ይኸውን?

    ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ምርምራት ብሓያል ፍጥነት እዩ ዝካየድ ዘሎ። ዛጊት ልዕሊ 20 ዝኾኑ ክታበታት ኣብ ምምዕባል ይርከቡ ኣለዉ።

    ንኣብነት ሓደ ክታበት ብዘይንቡር መገዲ ኣድማዕነቱን ዘስዕቦ ጎናዊ ሳዕቤናቱን ኣብ እንስሳታት ከይተፈተነ ብቀጥታ ኣብ ሰብ ተፈቲኑ ኣሎ።

    ካልኦት ስነ-ፍልጠታውያን ወይ ከኣ ሊቃውንቲ ዓለምና ኣብ ደረጃ መርመራ ኣብ እንስሳታት ክገብሩ እንከለዉ፡ ኣብ ደቂ ሰባት ናይ ዝግበር ፈተነ ግን ውጽኢቱ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክርከብ ተስፋ ከም ዘለዎ ኣሚቶም።

    ሊቃውንቲ፡ ኣብዚ ዓመት ክታበት ከማዕብሉ ዝብል ዓቢ ተስፋ እኳ እንተለዎም፡ ንኹሉ ዝባጻሕ መድሓኒት ንምፍራይ ግን ዓቢ ስራሕ ይጽበዮም ኣሎ።

    እዚ ማለት ከኣ ብተግባር ክረአ እንከሎ ክሳብ መፋርቕ ናይቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት፡ ኣብ ስራሕ ከይወዓለ ከም ዝጸንሕ ብሩህ እዩ።

  2. ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ 1,000 ዛይዱ

    ኣብ ኣፍሪቃ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 1,198 በጺሑ ከምዘሎ ተገሊጹ።

    ማእከል ምክልኻል ሕማማት ኣፍሪቃ ከምዝበሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃ በቲ ሕማም ተታሒዞም ዝነበሩ 108 ሰባት ድማ ሓውዮም።

    ብደረጃ ዓለም ከኣ፡ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 307 ሽሕ በጺሑ'ሎ።

    ኣብ ዓለም፡ ካብቲ ሕማም ናይ ዝሓወዩ ሰባት ብዝሒ ድማ 92 ሽሕ እዩ።

    ዛጊት፡ ኣብ ዓለምና ልዕሊ 13 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ እዚ ሕማም ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፤ መብዛሕተኦም መወትቲ ከኣ ካብ ጣልያን እዮም።

  3. ኣመንቲ ክርስትና ኣክሱም፡ ተፈናቲቶም ጸሎት ይገብሩ ኣለዉ

    ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል፡ ሰዓብታ ምኽሪ ሰብ ሞያ ጥዕና ክሰምዑን፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ተፈናቲቶም ጸሎት ክገብሩን ምምዓዳ ዝዝከር እዩ።

    ኣመንቲ ክርስትና፡ ኣብ ከተማ ኣክሱም ብኸምዚ ተፈናቲቶም ጸሎት ይገብሩ ምህላዎም፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝርጋሕ ኣሎ።

  4. ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ዋጋ ዝውስኹ ነጋዶ 'ከቢድ ስጉምቲ ክትወስድ እያ'

    ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትርን ኤርትራ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃለኽቲ ነገራት 'ዘይምኽኑይ' ወሰኽ ዋጋ ከምዝተርኣየ ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ኤርትራ ገሊጹ።

    ናይ እኽሊ፣ ጥረታት፣ ዘይትን ሽኮርን ከምኡ ድማ ናይ ጽርየት ሃለኽቲ ነገራት ዋጋ ኣብ ገለ ከባብታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ወሰኽ ከምዘርኣየ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ፡ ነዚ ተርእዮ "ዘይምኽኑይን ሕልና ዝጎደሎን" ክብል ከምዝገለጾ ጸብጻብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኤርትራ የረድእ።

    ንመነባብሮ ህዝቢ ዝጸሉ ብምዃኑ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ካብቲ ንቡር ዋጋ ወሺኾም ዝሸጡን ኣቑሑ ዝሓብኡን ነጋዶ፡ ብመሰረት ሕጊ 'ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ንግዲ' ክሳብ ምውራስ ኣቑሑን ምሕዳግ ፍቓድ ንግድን ዝበጽሕ "ከቢድ" ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።

  5. ኣብ ኣክሱም ብኮሮናቫይረስ ተጠርጢራ ክትትል ክግበረላ ዝጸንሐት ተምሃሪት ናጻ ኮይና

    ኣብ ከተማ ኣክሱም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፋ ከይትኸውን ብዝብል ጥርጣረ ኣብ መወሸቢ ማእከል ክትትል ክግበረላ ዝጸንሐት ተምሃሪት ብዝተገበረላ ምርመራ፡ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ከምዝኾነት ዩንቨርሲቲ ኣክሱም ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።

    ኢትዮጵያ፡ ዝርገሐ ሕማም ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ኣብያተ ትምህርቲ ዝዓጸወት ኮይና፡ ተምሃሮ ዩንቨርስትታት ግን ካብ ዩንቨርስትታቶም ከይወጹን ትምህርቲ ከየቋረጹን ክትትል ክግበረሎም እያ ወሲና።

  6. ወተሃደራት ጣልያን ንጎደናታት ሎምባርዲ ይሕልዉ ኣለዉ

    ኣብ ጣልያን፡ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ግዝኣት ሎምባርዲ፡ ነበርቲ ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ጥቡቕ ስጉምትታት ትወስድ ኣላ።

    ብዘይካ 'ኣድለይቲ ነገራት' ዘቕርቡ፡ ኩሎም ትካላት ንግዲ ተዓጽዮም እዮም።

    ትማሊ ኣብ ዝወጽአ ሓድሽ መምርሒ፡ ነበርቲ ዋላ'ውን ብውልቀ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ኣይፍቀደሎምን።

    ጣልያን፡ ትማሊ ጥራይ ኣስታት 800 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶምዋ።

    ኣብታ ሃገር፡ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ 4825 ዝበጽሐ ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም ብሰንኪ እዚ ሕማም ካብ ዝጋጠመ ሞት እቲ ዝበዝሐ እዩ።

    ካብዚኦም እቶም 3095፡ ኣብታ ብወተሃደራት ትሕሎ ዘላ ግዝኣት ሎምባርዲ እዮም ሞይቶም።

  7. ካብ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ገየሽቲ ክወሸቡ እዮም

    መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ንዝኣትዉ ኩሎም ገየሽቲ ን 14 መዓልታት ኣብ መወሸቢ ማእከል ክጸንሑ ከምዝግበር ውሳነ ኣሕሊፉ እዩ።

    እቲ ውሳነ ድማ፡ ካብ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

    ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ገያሾ ኩሎም ድማ፡ ዋንነቱ ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ሆቴል ስካይ ላይት ወይ ድማ ኣብ ሆቴል ግዮን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ን14 መዓልታት ክውሸቡ ይግደዱ።

    ኩሉ ወጻእታቶም ከኣ ባዕሎም እቶም መገደኛታት እዮም ዝሽፍንዎ።

  8. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 11 በጺሑ

    ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 2 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ ኣላ።

    እቶም ክልተ ሓደሽቲ ዝተረኸቡ ሕሙማት፡ ክልቲኦም ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ገሊጹ።

    እቲ ሓደ ወዲ 28 ዓመት ኮይኑ ካብ ቤልጅየም ዝተመለሰ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ዱባይ ዝተመለሰ ወዲ 34 ዓመት እዩ።

    ክልቲኦም "ኣብ ጽቡቕ ኩነታት" ከምዘለዉ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ'ሎ።

    ብዛዕባ እቶም ኣብ መወሸቢ ማእከል ዝጸንሑ ቀዳሞት ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ብዝምልከት ከኣ፡ እቶም 8 "ኣብ ጽቡቕ ኩነታት" እኳ እንተሃለዉ፡ እተን ጓል 85 ዓመት ተሓካሚት ግን "ኣብ ከቢድ ጥዕናዊ ኩነታት" ከምዘለዋ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

    ዛጊት፡ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ 11 ሰባት ከምዝረኸበት ትገልጽ።