'ሕልሚ ኣለኒ'፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሳሊኒ ብዛዕባ መለስ ዜናዊ ዝሃቦ ተዘክሮ
እምነ ኩርናዑ ብቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ዝተቐመጠ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዙሕ ብድሆታት ሓሊፉ፡ ድሕሪ 15 ዓመት ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ሳሊኒ (ዊ ብዩልድ) ኢጣልያ ፔትሮ ሳሊኒ፡ ኣብ ምጅማር እቲ ፕሮጀክት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዝገበሮ ፈላማይ ዕላል እንታይ ምንሩ ኣብ ስነስርዓት እቲ ምረቓ ዝኽሩ ኣካፊሉ።
ሳሊኒ፡ እቲ ህንፀት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ነቲ ግድብ ንምህናጽ ዝነበረ ላዕልን ታሕትን፡ ከምኡ’ውን ዝተኸፍለ ብዙሕ ሰብኣውን ንዋታውን ዋጋ'ውን ዘርዚሩ።
"ንዓይን ንሃገርናን ሓደ ሕልሚ ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። ከመይ ገይርና ልዕሊ’ዚ ክንሕበን ንኽእል?" ድማ ይብል።
ነቶም ነዚ ዓወት ጋህዲ ዝገበሩ ሰራሕተኛታት እቲ ግድብ'ውን ዘለዎ ልዑል ምስጋና ኣቕሪቡ።
ንፕሮጀክት ግድብ ህዳሴ፡ “ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ውሑስ ፕሮጀክት” ዝበለ ሳሊኒ፤ ግን ከምቲ ኣብ ዓበይቲ ዓወታት ዘጋጥም፡ ኣብ መስርሕ ህንጸት ሰብኣዊ ዋጋ ከምዝተኸፍለ ኣረዲኡ።
ፔትሮ ሳሊኒ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት፤ 33 ሰራሕተኛታት ብሓደጋ ጽርግያን ካልእ ኩነታትን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተዛሪቡ።
ምስ መስርሕ ህንፀት እቲ ግድብ ተተሓሒዙ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ዝገልጽ ጸብጻባት ከዘራርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ነዚዓወት ህይወቶም ዝሰውኡ ሸቃሎ ዘለዎም ኣኽብሮት ዝገለጸ ሳሊኒ፡ ዝኽሮም ኣይርሳዕን ብምባል ናብ ስድርኦም መልእኽቲ ሰዲዱ።
ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ 10 ሽሕ ሰራሕተኛታት ከምዝተሳተፉ ዝገለጸ እቲ ኢጣልያዊ፡ 250 ሽሕ ሰዓታት ንስልጠና ሰራሕተኛታት ከምዝተዋህበ የመልክት።
ምስቲ እምነ-ኩርናዕ እቲ ግድብ ዘንበረን ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ስሙ ጎሊሑ ዝለዓልን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ፡ ብቐረባ ከምዝሰርሐ ዝገለፀ ሳሊኒ ብዛዕባ ዝገበርዎ ፈላሚ ዕላል እውን ጠቒሱ።
"ነዛ ሃገር ሕልሚ ኣለኒ፤ ብጸዓት ርእስና ክንክእል'የ ዝደሊ። ኣብ ሩባ ኣባይ ፕሮጀክት ክትነድፈለይ ትኽእል ዲኻ? ዓቢ ፕሮጀክት፤ እንተወሓደ ሽዱሽተ ሽሕ ሜጋዋት ከመንጩ እየ ዝደሊ"-ከምዘበሎ ዘኪሩ።
ብምኽንያት እቲ ግድብ ኣቢሉ፡ ምስ ኢትዮጵያ ቤተሰባውን ታሪኻውን ምትእስሳር ከምዝፈጠረ፡ ብስምዒት ዝገልፅ ፔትሮ ሳሊኒ፡ ኢትዮጵያ ብዙሕ ብድሆታት ሓሊፋ ከመይ ገይራ ግድብ ህዳሴ ከምዝሃነፀት ዘርዚሩ'ሎ።