እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ግድብ ሕዳሰ ብወግዒ ተመሪቑ

ኢትዮጵያ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዲፕሎማስያዊ መድረኽ ንግብጺ ድሕሪ ምብዳሃ፡ እቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ግድባት ዓለም ዝዀነን ኣብቲ ዝነውሓ ሩባ ኣባይ ዝተሃንጸን ግድብ ብወግዒ ተመርቕ ኣላ። እዚ ፍጻመ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ንግብጺ ዘልኣለማዊ ውሕስና ክኸውን ዘጽደቐቶ ሕጊ ግብኣተ-መሬቱ ዘርኢ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ግድብ ህዳሰ ሎሚ ብወግዒ ተመሪቑ
  • ኣብቲ ስነ ስርዓት መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት ተረኺቦም
  • እምነ ኵርናዕ ህንጸት እቲ ግድብ፡ ብ2003 ዓ.ም እዩ ተቐሚጡ
  • ህንጸቱ ንምዝዛም ድማ 14 ዓመታት ወሲዱ
  • ህንጸት ግድብ ህዳሰ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ 233 ቢልዮን ብር ወጻኢ ኰይኑ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. 'ሕልሚ ኣለኒ'፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሳሊኒ ብዛዕባ መለስ ዜናዊ ዝሃቦ ተዘክሮ

    እምነ ኩርናዑ ብቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ዝተቐመጠ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዙሕ ብድሆታት ሓሊፉ፡ ድሕሪ 15 ዓመት ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ።

    ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ሳሊኒ (ዊ ብዩልድ) ኢጣልያ ፔትሮ ሳሊኒ፡ ኣብ ምጅማር እቲ ፕሮጀክት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዝገበሮ ፈላማይ ዕላል እንታይ ምንሩ ኣብ ስነስርዓት እቲ ምረቓ ዝኽሩ ኣካፊሉ።

    ሳሊኒ፡ እቲ ህንፀት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ነቲ ግድብ ንምህናጽ ዝነበረ ላዕልን ታሕትን፡ ከምኡ’ውን ዝተኸፍለ ብዙሕ ሰብኣውን ንዋታውን ዋጋ'ውን ዘርዚሩ።

    "ንዓይን ንሃገርናን ሓደ ሕልሚ ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። ከመይ ገይርና ልዕሊ’ዚ ክንሕበን ንኽእል?" ድማ ይብል።

    ነቶም ነዚ ዓወት ጋህዲ ዝገበሩ ሰራሕተኛታት እቲ ግድብ'ውን ዘለዎ ልዑል ምስጋና ኣቕሪቡ።

    ንፕሮጀክት ግድብ ህዳሴ፡ “ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ውሑስ ፕሮጀክት” ዝበለ ሳሊኒ፤ ግን ከምቲ ኣብ ዓበይቲ ዓወታት ዘጋጥም፡ ኣብ መስርሕ ህንጸት ሰብኣዊ ዋጋ ከምዝተኸፍለ ኣረዲኡ።

    ፔትሮ ሳሊኒ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት፤ 33 ሰራሕተኛታት ብሓደጋ ጽርግያን ካልእ ኩነታትን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተዛሪቡ።

    ምስ መስርሕ ህንፀት እቲ ግድብ ተተሓሒዙ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ዝገልጽ ጸብጻባት ከዘራርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

    ነዚዓወት ህይወቶም ዝሰውኡ ሸቃሎ ዘለዎም ኣኽብሮት ዝገለጸ ሳሊኒ፡ ዝኽሮም ኣይርሳዕን ብምባል ናብ ስድርኦም መልእኽቲ ሰዲዱ።

    ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ 10 ሽሕ ሰራሕተኛታት ከምዝተሳተፉ ዝገለጸ እቲ ኢጣልያዊ፡ 250 ሽሕ ሰዓታት ንስልጠና ሰራሕተኛታት ከምዝተዋህበ የመልክት።

    ምስቲ እምነ-ኩርናዕ እቲ ግድብ ዘንበረን ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ስሙ ጎሊሑ ዝለዓልን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ፡ ብቐረባ ከምዝሰርሐ ዝገለፀ ሳሊኒ ብዛዕባ ዝገበርዎ ፈላሚ ዕላል እውን ጠቒሱ።

    "ነዛ ሃገር ሕልሚ ኣለኒ፤ ብጸዓት ርእስና ክንክእል'የ ዝደሊ። ኣብ ሩባ ኣባይ ፕሮጀክት ክትነድፈለይ ትኽእል ዲኻ? ዓቢ ፕሮጀክት፤ እንተወሓደ ሽዱሽተ ሽሕ ሜጋዋት ከመንጩ እየ ዝደሊ"-ከምዘበሎ ዘኪሩ።

    ብምኽንያት እቲ ግድብ ኣቢሉ፡ ምስ ኢትዮጵያ ቤተሰባውን ታሪኻውን ምትእስሳር ከምዝፈጠረ፡ ብስምዒት ዝገልፅ ፔትሮ ሳሊኒ፡ ኢትዮጵያ ብዙሕ ብድሆታት ሓሊፋ ከመይ ገይራ ግድብ ህዳሴ ከምዝሃነፀት ዘርዚሩ'ሎ።

  2. መራሕቲ ሃገራት ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ እንታይ ኡሎም?

    ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተዓደሙ ገለ መራሕቲ ዓለም፣ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

    ካብቶም ዕዱማት ሓደ ዝዀነ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ “ታሪኻዊ ዓወት” ብምባል፡ ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ናይ ‘እንኳዕ ደስ በለኩም’ ሰናይ ትንቢቱ ኣመሓላሊፉ።

    ሩቶ ወሲኹ፡ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ሕልሚ ምህንድስና ዝተዓወተሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ 'ኣፍሪቃ ባዕላ ዕድላ ክትውስን ከም እትኽእል ንጹር መርአያ' ኢሉዎ።

    “ሎሚ እዚ ዓቢ ዓወት ኣብ እንፅምብለሉ እዋን፡ ምሕዝነት፣ ምትሕብባርን ሓባራዊ ራእይን ንዘላቒ መጻኢ ዘለና ምትእስሳር ደጊምና ነረጋግፀሉ እዩ” ኢሉ እቲ ፕረዚደንት፤

    ግድብ ህዳሰ፡ ብፍላይ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ዘራኽብ፡ ብሓፈሻን ድማ ብሰፊሕ ነቲ ዞባ እቲ ተፋሰስስ፡ ዘተኣሰሳር ድልድል ምዃኑ ኣረዲኡ።

    ከምኡ’ውን፡ ሃገሩ ኬንያ ምስ ጎረቤታ ኢትዮጵያ ተቐራሪባ ንምስራሕ ተወፋይነት ከምዘለዋ ኣረጋጊጹ።

    ፕረዚደንትደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፡ ብወገኑ፡ ካብቶም ዝተዓደሙ መራሕቲ ሓደ ዀይኑ፡ ንሱ'ውን ሃገሩ ከም ኬንያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምርካብ ስምምዕ ክትፍርም ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጡ።

    ፕረዚደንት ሳልቫኪር፡ እቲ ግድብ ኪኖ ኢትዮጵያ ንካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ ዝጠቅም ፕሮጀክት ምዃኑ ሓቢሩ።

    ካልእ መራሒት፡ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ባርባዶስ ሚያ ሞትሊ፡ ኣብ ክሊ እቲ ግድብ ዘካየደቶ ዑደት ዝተዓዘበቶ እንትትገልፅ፡ "ዓወት ዓድዋ ብምህንድስና ዳግም ከምዝተደግመ" ተዛሪባ።

    እታ ቀዳማይቲ ሚኒስትር ፡ምግሃድ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ፀዓት ንምፍራይ ካብ ዝግበር ቃልሲ ምህንድስና ንላዕሊ ምዃኑ ገሊፃ።

    እቲ ግድብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ፀጥታዊ ረብሕኡ ንትዮጵያውያን ጥራይ ዝተሓፀረ ከምዘይኮነ እውን ወሲኻ ኣረዲኣ።

  3. ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓመታት ናይ 30 ቢልዮን ዶላር ሜጋ ፕሮጀክታት ክጅመሩ'ዮም- ኣብይ ኣሕመድ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ደሒት ዓመተት፡ ናይ 30 ቢልዮን ዶላር ሜጋ ፕሮጀክታት ከም ዝጅመሩ ኣፍሊጡ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ስነ-ስርዓት ምረቓ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሽዱሽተ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ወግዓዊ ገይሩ።

    ካብዚኦም ድማ፡ እቲ ንሰላማዊ ዕላማ ጥራይ ዝውዕል ዝበሎ ህንጸት 'ኒዩክሌር ፕላንት'፡ ኣብ ቀረባ ከም ዝጅመር ኣፍሊጡ።

    "ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ግድብ ህዳሰ ዝመጣጠን፡ ንሰላማዊ ዕላማ ዝውዕል መመንጨዊ ሓይሊ ኒዩክሌር ክትሃንጽ ክትጅምር እያ፡" ኢሉ።

    እንተዀነ፡ ብዛዕባ እዚ ፕሮጀክትዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን፡ ምስ ሓላፊ ኤጀንሲ ኣቶማዊ ጸዓት ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።

    ብተወሳኺ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ስርሓት መጻረዪ ነዳዲ ክጅመር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    ኣቢይ፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ክጅምሩ እዮም ካብ ዝበሎም ዓበይቲ ፕሮጀክትታት መፍረ ጋዝ፣ ምስፍሕፋሕ መዓርፎ ነፈርቲን ህንጸት ኣባይትን እዮም።

    “ብልጽግና ኢትዮጵያ ዘዐውቱ ሜጋ ፕሮጀክትታት፡ እቶም ዘይጠቐስክዎም’ውን ኣብ ቅድሜና ስለ ዘለዉ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ኢትዮጵያውያን በቲ ዝገበርናዮ ቃልሲ ክንፈርሕ የብልናን፡ እንታይ ደኣ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ከቢድ ዕማም ክንዳሎ ይግባእ፡" ኢሉ።

    "እቲ ንነዊሕ እዋን ነዳዲ ንምውጻእ ዘለና ድሌት፡ ሕልምና ዘማልእ መጻረዪ ነዳዲ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ስራሕ ክጅምር'ዩ" ኢሉ።

    ኣብ ዝቕጽሉ ሽዱሽተ ዓመታት ድማ፡ ብውሑዱ "1.5 ሚልዮን መንበሪ ኣባይቲ" ክህነጹ ምዃኖም ተዛሪቡ።

  4. ‘ግድብ ህዳሰ ከም ቤተሰበይ’የ ገንዘብ ዝሰደሉ ነይረ’- ኪሮስ ኣስፋው

    ህንጸት ግድብ ህዳሰ ኣባይ ንምጅማር፡ ቅድሚ 14 ዓመታት እምነ ኵርናዕ ክቕመጥ እንከሎ፡ ወጻኢታት ህንጸቱ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ህዝብን ዜጋን እታ ሃገር ከም ዝሽፈን ተነጊሩ።

    ኣብቲ ግዜ ብቐዳማይ ምኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ድማ፡ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝርከቡ ዜጋታት እታ ሃገር፡ ቦንድ ብምዕዳግ፡ ውህብቶ ገንዘብ ብምብርካትን ካልኦት ወፈያታት ብምግባርን ምዝዛም ህንጸት እቲ ግድብ ከግህዱ ተማሕጺኑ።

    ነርስ ኪሮስ ኣስፋው፡ እቲ ጻውዒት ተቐቢሎም ወርሓዊ ደሞዞም ከወፍዩ ካብ መንጐ ዝጸንሑ ውፉያት ሓደ እዩ።

    ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ድማ፡ ሰባት ‘ቃል እቲ መራሒ ንዘይምዕባር’ መብጽዓታት ክኣትው ተሓቲቶም።

    ኪሮስ ሽዑ፡ “ንሰለስተ ዓመት ወርሓዊ ፍርቂ ደሞዘይ ክህብ’የ ኢለ ቃል ኣትየ፡” ክብል ይዝክር።

    ንሱ፡ ህንጸት እቲ ግድብ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ብድምር 115 ቦንድ ከም ዝዓደገ ይዛረብ።

    ኣብ መጀመርታ ዓመታት ህንጸት ግድብ ህዳሰ፡ ናብቲ እቲ ግድብ ዝርከበሉ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ወረዳ ጕባ ክኸይድ እንከሎ፡ “ገና ይኵዓት ነይሩ። ብቐሊሉ ከም ዘይውዳእ ምስ ርኣኹ ግን እቲ ግድብ ህንጸቱ ክሳብ ዝውዳእ ዝብል መብጽዓ ኣትየ መጺአ፡” ኢሉ።

    ካብቲ ቦታ፡ ካብቲ ሩባ ዝቐድሖ ማይን ሓንቲ እምንን ሒዙ ናብ ትግራይ ተመሊሱ።

    “እቲ እምኒ፡ እቲ ግድብ ዝህነጸሉ ዘሎ ቦታ ተሪር ምዃኑ፣ ንሕና ድማ ንዕኡ ዘለና እምነት ጽኑዕ ምዃኑ ንምርኣይ'ዩ። እቲ ማይ ግን፡ ጸበል ናይ ኣባይ'ዩ፡” ኢሉ።

    ነርስ ኪሮስ፡ ንተኸታታሊ ዓሰርተ ዓመታት ብዘይምብኳር፡ ፍርቂ ወርሓዊ ደሞዙ ክህብ እኳ እንተጸንሐ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መወዳእታ 2020 (ኣ.ኤ) ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ፡ ንርእሱን ስድራኡን ዘመሓድረሉ እቶት ናብ ዘይረኽበሉ ኵነታት ኣትዩ እዩ ጸኒሑ።

    “ልክዕ ከም ቤተሰበይ እየ ንግድብ ኣባይ ገንዘብ ክሰደሉ ጸኒሐ፤ ወርሓዊ ፍሉይ ኮድ ሒዘ፡ ፎርመይ መሊአ እየ ብባንኪ ዝልእኽ፣ ዝኸፍል ነይረ። ሕዚ ኣብዚ ምብጽሑ ታሕጓሰይ ወሰን የብሉን፡ እቲ ትምኒተይ ክምረቕ እንከሎ ክርኢ እየ ዝብል እዩ ነይሩ። ግን ኣይከድኩን።ዝጽዓርካሉ ነገር ክውዳእ እንከሎ ግን የሐጉሰካ እዩ፡” ኢሉ።

    ካብዚ ብዝሰገረ፡ “መዓልታዊ ዝጠፍእ ዘሎ መብራህቲ ምሉእ ኰይኑ ንዓድና ከብርህ፡ ናብ ወጻኢ ተሸይጡ ረብሓ ከምጽእ፡” ተስፋ ከም ዝገብር ተዛሪቡ።

  5. ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተረኸቡ መራሕቲ

    ኣብ ምረቓ ግድብ ህዳሰ ዝተሳተፉ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ጉለ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ባርባዶስ ሚያ ሞትሊ፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስዋቲኒ ሚሶ ድላሚኒ፡ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ፈጻሚ ዳይረክተርን ቍጠባዊ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሪቃ ክላቨር ጋቴተ።

  6. ቀንዲ ፍፃመታት ኢትዮጵያ ምስ ግብፅን ሱዳንን ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ

    ህንፀት ህዳሰ ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ዘለዉ ዓመታት፡ ግብፅን ሱዳንን ዝምድናአን እናኣጐልበታ መፂአን። ንዘየወላውል መርገፂ ኢትዮጵያ ንምብዳህ ክሳዕ ወተሃደራዊ ስምምዕ ምኽታም በፂሐን እየን።

    ግብፂ ወትሩ ንመጠን ብፅሒት ማይ ብዝዀነ መገዲ ከም እትከላኸል ክትገልፅ ዝፀንሐት ኰይና፡ ናይል "ጉዳይ ህልውና'ዩ" እያ ትብል።

    ኣብ ሱዳን ይካየድ ዘሎ ኵናት ሓድሕድ፡ ኵናት ትግራይን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተፈጠረ ዶባዊ ምስሕሓብን ኣብ ዝርርብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ቀሊል ዘይበሃል ፅዕንቶ ፈጢሩ'ዩ።

    ኢትዮጵያ፡ ምስ ጐረባብታ ሶማልያን ኤርትራን ዝነበራ ዝምድና ምዝሕታሉ፡ ግብፂ ኣብ ግድብ ህዳሰ ንዘለዋ ቅሬታ ተጠቒማትሉ።

    ኣብ ዝሓለፉ 14 ዓመታት፡ ምስ ህንፀት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝዛመድ ዝነበሩ ቀንዲ ክስተታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

  7. ግድብ ህዳሰ ብኣሃዛት እንክግለጽ

    ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ግድብ ሃይድሮኤሌክትሪክ ተመርቕ ኣላ።

    ኣብ ሩባ ኣባይ ብ4.6 ቢልዮን ዶላር ዝተሃንጸ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ልዕሊ 5 ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ተዳልዩ ኣሎ።

    ምስ ግብጺ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ምትህልላኽ ግን ይቕጽል ኣሎ።

    ግብጺ እትረኽቦ ኣገዳሲ ቀረብ ማይ ክጽሎ ከም ዝኽእል ስግኣት ኣለዋ።

  8. ልዕልና ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ዘውሓሰ ገዚፍ ግድብ

    ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ተባሂሉ ዝተሰየመ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ምንጪ ሃይድሮ-ኤሌክትሪክ እዩ።

    ነቲ 135 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ዘድልዮ ጸዓት ከማልእ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነታ ሃገር "ልዕልና ጸዓት" ክህባን ኣታዊታት ባጤራ ወጻኢ ከዕብን'ዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዓዓለ ተንታንቲ ይገልጹ።

    ኢትዮጵያ ናብ ከም በዓል ኬንያን ጅቡቲን ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምዕባይ ትልሚ ከም ዘለዋን ይስማዕ።

    ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሩ ናብ ከም ስዑዲ ዓረብ ዝኣመሰላ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንምሻጥ ዝሕግዝ መርበብ መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምህናጽ ትልሚ ከም ዘለዋ'ውን ይዝረብ።

    ንግብጺ ግን እቲ ግድብ ኣንጻር ተስፋን ህርፋንን ኢትዮጵያ ዝውክል እዩ።

    ግድብ ዋሕዚ ማይ ናብታ ሃገር ብሓያል መልክዑ ብምንካይ ሕጽረት ማይ ከስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዋ።

    ምሁራት ኣብዚ ጕዳይ ዘለዎም ርእይቶ እንታይ ይመስል?

  9. ሓበን ኢትዮጵያ - ኣብ ኣፍሪቃ ዝገዘፈ ግድብ ንምህናጽ ዝተኸፍሎ ዋጋ

    እቲ ግድብ 1.78 ኪ.ሜ (1.1 ማይልስ) ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰጣሕ ጐልጐል ዝዝርጋሕ ኰይኑ፡ ብራኸኡ ድማ 145 ሜትሮ ዘለዎ፡ ብ11 ሚልዮን ሜትር ኲብ ኮንክሪት ዝተሃንጸ እዩ።

    ብትግርኛ ወጋሕታ ዝብል ትርጕም ዘለዎ፡ 'ቀላይ ንጋት' ዝበሃል ማያዊ ኣካል ፈጢሩ ኣሎ።

    ኣብ ልዕሊ እቲ ዝነውሐ ሩባ ኣባይ እዩ ተሃኒፁ ዘሎ፤ ምስተን ኣብ ትሕታዋይ ክፋል እቲ ሩባ ዝርከባ ሃገራት ዘካትዕ እዩ።

    ብፍላይ ምስ ምስ ግብጺ ዝተፈጥረ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ፡ ከይዱ ከይዱ ናብ ግጭት ከየምርሕ ይስጋእ ነይሩ።

    ንኢትዮጵያ ግና እቲ ግድብ ምልክት ሃገራዊ ሓበን ኰይኑ።

    ሞገስ የሺዋስ ኣብ 2012 ኣብቲ ጫፍ ምዕራብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ ከሎ ወዲ 27 ዓመት እዩ ነይሩ፣ ኣብ ሞያኡ ዓቢይ ተመኵሮ ክረክብ ተሃንጥዩ ነይሩ።

    ወዲ 40 ዓመት ዝዀነ ኣቶ ሞገስ፡ ኣካል ናይዚ ስራሕ ብምዃኑ ኣዝዩ ሕጉስ እዩ።

    "መዓልታዊ ምዕባለ ናይቲ ግድብ ምዕዛብ ኣዝዩ ዘዕግብ እዩ ነይሩ። ስራሕ ደልየ እየ መጺአ፣ ኣብ መንጐኡ ግን ስራሕ ጥራይ ኰይኑ ክስምዓኒ ኣይከኣለን። ምስቲ ግድብ ምትእስሳር ፈጢረ፡ መጻኢኡ ከም ናተይ ኰይኑ የጨንቐኒ።"

    ሓያሎ ገንዘብ ናይ ምውጻእ ጐስጓሳት ተኻይዶም፣ ተደጋጋሚ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣለዉ።

    ብዓል ሞያ ሕክምና ኪሮስ ኣስፋው፡ ካብኣቶም ሓደ እዩ ነይሩ።

    ንሱ፡ ካብታ ብናይ ክልተ ዓመት ኲናት ሓድሕድ ዝተሃሰየት ትግራይ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ስራሕ ኣብ 2011 ካብ ዝእወጅ ኣትሒዙ ኣብ ህንጸት እቲ ግድብ ኣብ ዝከኣሎ እዋን ኣበርክቶ ገይሩ።

    ልዕሊ 100 ግዜ ቦንድ ከም ዝገዝአ ይዛረብ። ኣብ እዋን ኲናት፡ ባንክን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን'ኳ ዕድጊ ቦንድ ደው ኣየበለን።

  10. ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኣባይ ብወግዒ ተመሪቑ

    ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰሉስ 4 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም.ግ መራሕቲ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝተረኸብሉ ተመሪቑ።

    ኣብ መመረቕታ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፡ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ተረኺቦም።

    ፕረዚደንት ጅቡትን ኬንያን ስነ-ስርዓት ምረቓ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከፊቶም።

    ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ደመቀ መኮነን፡ መራሕቲ ክልላትን ዞባታት ተረኺቦም።

    ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር፡ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተመስገን ጥሩነህ፡ ምክትል ፕረዚደንት ሰልፊ ብልጽግና ኣደም ፋራሕ'ውን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም።

  11. ገለ ሓቅታት ብዛዕባ እቲ ሎሚ ዝምረቕ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ

    እምነ ኵርናዕ ህንጸት እቲ ግድብ፡ ብ2003 ዓ.ም.ግ እዩ ተቐሚጡ። ህንጸቱ ንምዝዛም ድማ 14 ዓመታት ወሲዱ።

    ህንጸት ግድብ ህዳሰ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ 233 ቢልዮን ብር ወጻኢ ኰይኑ።

    ካብ ጠቕላላ ወጻኢኡ፡ 223 ብር ወይ'ውን 91 ሚእታዊት፡ ካብ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ኰይኑ፡ እቲ ዝተረፈ 9 ሚእታዊት ድማ፡ ካብ ተሳትፎ ህዝቢ ዝተኣከበ እዩ።

    18.9 ቢልዮን ብር፡ ብኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብዝቐረበሎም መሸጣ ቦንድ፡ 1.6 ቢልዮን ብር ካብ ወጻእ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብመሸጣ ቦንድን ውህብቶን ዝለገሱዎ፡ 3.2 ቢልዮን ብር ድማ ካብ ውህብቶ ዝተኣከበ እዩ።

    እዚ 1.78 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ዓቢይ ግድብ፡ 145 ሜትሮ ብራኸ ኣለዎ።

    እቲ ግድብ፡ 13 ተርባይናት ኣለዎ፤ ልዕሊ 5000 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከመንጩ ድማ ትጽቢት ይግበር።