'ሰላም ናይ ጥዕና ቅድመ ኩነት እዩ' - ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም
ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ገሊጹ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ነዚ ዝገለጸ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘተ ሰላም ከካይዱ ዝቐነዩ ክልቲኦም ወገናት፡ ነቲ ሎሚ መዓልቲ ክልተ ዓመት ዝመልኦ ደማዊ ኲናት ደው ክብል ከምዝተሰማምዑ ድሕሪ ምግላጾም እዩ።
"ሰላም ናይ ጥዕና ቅድመ ኩነት እዩ። እቶም ወገናት ኣብ ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ሰላም ንኽወርድ ንምስራሕ ዝኣተውዎ ተወፋይነት ብሓጎስ ንቕበሎ" ክብል ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ጽሒፉ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ህይወት ናይቶም ኣብ ከቢድ ስእነት ዝርከቡ ሚልዮናት ንምድሓን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህጹጽ ተበጻሕነት ከምዘድሊ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ብተወሳኺ፡ ኣብታ ንሸሞንተ ሰሙናት ብኣየር ይኹን ብፅርግያ ዝኾነ ተበጻሕነት ዘይነበራ ትግራይ ብዛዕባ ለበዳ ሕማማት ንፁር ሓበሬታ ክረክብ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብቲ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋድዶ ስግኣት ፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ።
ካብቶም ቀንዲ ነጥብታት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ሓደ “ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ረድኤት ክበጽሕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ረድኤት ክተሓባበር” ዝብል እዩ።
ብዚ መሰረት፡ እቲ ውድብ ኣብ ትግራይ ዝጠልቦ ዝነበረ “ህጹጽ ተበጻሕነት” ረኺቡ ህይወት ናይ ምድሓን ስርሑ ከምዝቐጸል ትጽቢት ይግበር።