ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም

እቲ ካብ ዝሓለፈ 25 ጥቅምቲ 2022 ክሳብ ትማሊ 02 ሕዳር 2022 ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ርእሰከተማ ፕሪቶርያ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ትማሊ ረቡዕ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ምፍታሕ ብረትን ዝብል ዝርከቡ ሸሞንተ ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ ከቲሞም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. 'ሰላም ናይ ጥዕና ቅድመ ኩነት እዩ' - ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

    ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ገሊጹ።

    ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ነዚ ዝገለጸ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘተ ሰላም ከካይዱ ዝቐነዩ ክልቲኦም ወገናት፡ ነቲ ሎሚ መዓልቲ ክልተ ዓመት ዝመልኦ ደማዊ ኲናት ደው ክብል ከምዝተሰማምዑ ድሕሪ ምግላጾም እዩ።

    "ሰላም ናይ ጥዕና ቅድመ ኩነት እዩ። እቶም ወገናት ኣብ ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ሰላም ንኽወርድ ንምስራሕ ዝኣተውዎ ተወፋይነት ብሓጎስ ንቕበሎ" ክብል ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ጽሒፉ።

    ውድብ ጥዕና ዓለም ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ህይወት ናይቶም ኣብ ከቢድ ስእነት ዝርከቡ ሚልዮናት ንምድሓን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህጹጽ ተበጻሕነት ከምዘድሊ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

    ብተወሳኺ፡ ኣብታ ንሸሞንተ ሰሙናት ብኣየር ይኹን ብፅርግያ ዝኾነ ተበጻሕነት ዘይነበራ ትግራይ ብዛዕባ ለበዳ ሕማማት ንፁር ሓበሬታ ክረክብ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ ነይሩ።

    ኣብቲ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋድዶ ስግኣት ፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ።

    ካብቶም ቀንዲ ነጥብታት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ሓደ “ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ረድኤት ክበጽሕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ረድኤት ክተሓባበር” ዝብል እዩ።

    ብዚ መሰረት፡ እቲ ውድብ ኣብ ትግራይ ዝጠልቦ ዝነበረ “ህጹጽ ተበጻሕነት” ረኺቡ ህይወት ናይ ምድሓን ስርሑ ከምዝቐጸል ትጽቢት ይግበር።

  2. ኬንያ ብቀጻሊ ንመስርሕ ሰላም ክትድግፍ ቃል ኣትያ

    ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ

    ምንጪ ስእሊ, REUTERS

    ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሳሙይ ሩቶ፡ ኬንያ ንመስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ክትድግፍ ቃል ከምዝኣተወት ገሊጹ።

    እቲ ፕረዚደንት ትማሊ 02 ሕዳር 2022 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ጉጅለ ድርድርን ንዝምልከቶም ወገናትን ዘለዎ ደገፍ ከሐይል ጸዊዑ።

    ሩቶ ነዚ ዝገለጸ፡ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ትማሊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ድሕሪ ምፍራሞም'ዩ።

    ቅድሚኡ ፕረዚደንት ኬንያ ዝነበረ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ሓደ ካብቶም ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዙ ኣዛተይቲ ምዃኑ ይፍለጥ።

    ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ዘርኣይዎ ተወፋይነት ምስቲ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ጸጥታን ንምርግጋጽ ዘሎ ሓባራዊ ድሌት ዝሰማማዕ ከምዝኾነ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

    እቲ ስምምዕ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ንምፍጣር ምቹእ ሃዋህው ዝፈጥር ምዃኑ ዝገለጸ ፕረዚደንት ሩቶ፡ ኢትዮጵያውያን በዚ ስምምዕ ዝተዋህቦም ዕድል ተጠቒሞም ንሃገሮም ሓዱሽ ምዕራፍ ሰላምን ራህዋን ክፈጥሩ ኣተሓሳሲቡ።

    ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዘመን ሓድነትን ምትሕግጋዝን ዕርቅን ክህሉ ተመንዩ።

  3. 'ኣብ ትግራይ ሰላምን ምርግጋእን ንምምጻእ ዝተወስደ ስጉምቲ'- ሙሳ ፋኪ

    ሙሳ ፋኪ መሃማት

    ምንጪ ስእሊ, AFRICAN UNION WEBSITE

    መግለጺ ስእሊ, ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ

    ሓያለ መራሕቲ ዓለም ተጻባእቲ ወገናት ኲናት ትግራይ ውግእ ደው ከብሉ ምስምምዖም ከምዘሐጎሶም ይገልጹ ኣለዉ።

    ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ እቲ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሙ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ ስጉምቲ ኣብ ትግራይ ምርግጋእ ዝፈጥር’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

    “እዚ ኣብ ትግራይ ሰላምን ምርግጋእን ንምምጻእ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ሳላ መሪሕነት [ክልቲኦም] ወገናትን ንዝለዓለ ረብሓ ኢትዮጵያን እዩ” ኢሉ።

    “ሕብረት ኣፍሪቃ ንጻዕርታቶም ንምድጋፍ ድሉው እዩ። ምስጋናይ ንፓነል ኣፍሪቃዊ ሕብረትን (ጉጅለ ኣዛተይቲ) ነቲ ዝርርብ ዘአንገደት ደቡብ ኣፍሪቃን”።

    እቲ ፓነል፡ ብፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደበብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካን ዝርከብዎ’ዩ።

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ፡ እቲ ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ነቲ ናይ ብዙሓት ህይወትን መነባብሮን ዘዕነወ ኲናት ንምቁራጽ ተስፋ ዘለዎ ጅማሮ ምዃኑ ብምንኣድ "ወሳኒ ቀዳማይ ስጉምቲ" ክብል ገሊጽዎ።

  4. "ወሳኒ ቀዳማይ ስጉምቲ"-ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት

    ኣንቶንዮ ጉተረዝ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ንምቁራጽ "ወሳኒ ቀዳማይ ስጉምቲ" ክብል ንኢዱ።

    ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወሃቢ ቃል ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ነቲ ናይ ብዙሓት ህይወትን መነባብሮን ዘዕነወ ኲናት ንምቁራጽ ተስፋ ዘለዎ ጅማሮ ምዃኑ ገሊጹ።

    ጉተረዝ፡ "ኢትዮጵያውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝውሰድ ዘሎ ወሳኒ ስጉምቲ ክድግፉ" ጸዊዑ’ሎ።

    ክልቲኦም ወገናት እታ ሃገር ናብ ሰላምን ምርግጋእን ንምምላስ "ኣብቶም ዝተረፉ ጉዳያት ነባሪ ፖለቲካዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ብመንፈስ ዕርቂ ድርድር ክቕጽል" ከምዝድግፍ ሓቢሩ።

    ንኹሎም ኣብ ምውህሃድን ምምራሕን እቲ ድርድር ዝተሳተፉ ወገናት ዘመስገነ ጉተረዝ፡ ኩሎም ወገናት እቲ ተኹሲ ደው ምባል ዝፈጠሮ ዕድል ተጠቒሞም "ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥ ስራሕ ናይቲ ብህጹጽ ዘድሊ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅምሩን" ተማሕጺኑ።

    "ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ቀጻሊ መስርሕ ንምድጋፍን ንዝተጸገሙ ሓገዝ ንምሃብን ክሰርሕ'ዩ" ይብል እቲ ዋና ጸሓፊ።

  5. ፓለቲከኛታት ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝበልዎ

    ጃዋር መሓመር
    መግለጺ ስእሊ, ጃዋር መሓመር

    ፖለቲከኛታት ጃዋር መሓመድን ኣብርሃ ደስታን እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓት ንዝተበጽሐ ስምምዕ ኣወንታዊ ምዃኑ ብምግላጽ ብዘይ ወዓል ሕደር ክትግበር ሓቲቶም።

    ፍሉጥ ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ እቲ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተሰምዐ ዜና ኣወንታዊ ምዃኑ ብምጥቃስ “መንግስትን ህወሓትን ከምኡ’ውን ኣሸማገልትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ነቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ከተግብርዎ ኣለዎም” ኢሉ።

    ጃዋር በዚ ጻዕሪ ሰላም ብፍላይ ኣብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ዝበሎ ክልል ኦሮሚያ ፍልልያት ብዘተ ንምፍታሕን ኣብ መላእ ሃገር ሰላም ንምምጻእን ጻዕርታት ክግበር ጸዊዑ።

    ኣባል መራሕነት ሰልፊ ዓረና ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ብወገኑ “እቲ ስምምዕ ተፈሪሙ ኣሎ፤ ፈተውቲ ሰላም ተሓጒስና ኣለና። ብዘይ ወዓል ሕደር ግብራዊ ክኸውን ድማ ንጽበ" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ መልእኽቲ ኣስፊሩ።

  6. ሕብረት ኣውሮጳ ብዛዕባ ውዕል ሰላም እንታይ ኢሉ?

    ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል

    ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ትማሊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ሕብረተ ኣውሮጳ ብሓጐስ ከምዝተቐበሎ ገሊጹ።

    እቲ ሓላፊ ንኽልቲኦም እቶም ኣብ ስምምዕ ዝበጽሑ ተጻረርቲ ወገናት እንቋዕ ሓጐሰኩም ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ውዕል ሰላም ዘፈጸመ ሕብረት ኣፍሪቃን ተዓዘብትን ከምኡ ኸኣ ነቲ ዘተ ዘአንገደት ደቡብ ኣፍሪቃ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።

    እቶም ተዛተይቲ ኣካላት፡ ንምቁራጽ ተጻብኦታትን ዳግመ ምምላስ መሰረታውያን ህዝባውያን ኣገልግሎታትን ምስምምዖም ሓጐሱ ዝገለጸ ሕብረት ኣውሮጳ፡ እቲ ሕብረት ኣብ ጐድኒ ስድራ'ቶም ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝተቐተሉን ግዳያት ዝዀኑን ከምዘሎ ገሊጹ።

    ግዳያት፡ ቅኑዕ ፍትሒ ከምዝረኽቡ ምግባር ቀንዲ እምነ ኩርናዕ ንቀጻልነት ሰላምን ዕርቅን ከምዝዀነ’ውን እቲ ሕብረት ገሊጹ።

  7. ሚኒስተር ለገሰ ቱሉ 'እዚ ውዕል ሰላም ንህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ጸገማቱ ዝፈትሕ’ዩ'

    ሚኒስተር ለገሰ ቱሉ

    ምንጪ ስእሊ, GOVERNMENT COMMUNICATION SERVICE

    መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ለገሰ ቱሉ

    ካብ 23 ጥቅምቲ ክሳብ 02 ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም፣ ብ12 ነጥብታት ዝሓዘ ውዕል ሰላም ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ዘለቒ ሰላም ዘምጽእን ንህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ጸገማቱ ዝፈትሕን ምዃኑ ሚኒስተር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ገሊጹ።

    እቲ ውዕል ሰላም ተጻብኦታት ደው ክብልን ሰራዊት ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግረይ ዕጥቁ ክፈትሕን ዝብል ዝርከቦ 12 ነጥብታት ዝሓዘ እዩ።

    ሚኒስተር ለገሰ ቱሉ ኣብ ናይ ውልቁ ሕሳብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ “እቲ ውዕል ሰላም ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ሃገራዊ ረብሓን ብዘኽብር መልክዕ ተዛዚሙ ኣሎ” ኢሉ።

    ኣስዒቡ፡ “እቲ ዓወት ናይ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓወት’ዩ፡ እታ ዝሰዓረት ከኣ ኢትዮጵያ እያ” ኢሉ።

  8. ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ ውዕል ሰላም ተግባራዊ ንኽከውን ከምዝሰርሕ ገሊጹ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ ውዕል ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ከምዝሰርሕ ገሊጹ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ ውዕል ሰላም ተግባራዊ ንኽከውን ከምዝሰርሕ ገሊጹ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ ውዕል ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ከምዝሰርሕ ገሊጹ

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ስምምዕ ሰላም ግብራዊ ክኸውንን ንሰላምን ውፉይ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    ንሱ ነዚ ዝገለጸ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን መራሕቲ ህወሓትን ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ሰላም ብስምምዕ ምስ ተዛዘመ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ዩ።

    ኣብቲ ዝርርብ ሰላም ክልቲኦም ወገናት፡ነቲ ኲናት ደው ንምባልን ሓይልታት ህወሓት ዕጥቂ ምፍታሕን ዝርከብዎም 12 ነጥብታት ዝሓዘ ውዕል ትማሊ ከቲሞም።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ትማሊ 02 ሕዳር 2022 ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ ስምምዕ ሰላም "ነቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ዝጀመረ ለውጢ ንቕድሚት ንምስጓም ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ" ሓቢሩ።

    ስለዝኾነ’ውን ፈተውቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዳግመ ህንጸት እቲ ብኲናት ዝተሃስየ ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያን ንሓፈሻዊ ልምዓትን ዘለዎም ደገፍ ከሐይሉ ሓቲቱ’ሎ።

    እቲ ዝርርብ ሰላም ውጽኢታዊ ንክኸውን ጻዕሪ ንዝገበሩ ኣካላት ዘመስገነ ኮይኑ፡ንላዕለዋይ ወኪል ኮሚሽን ሕብረት ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ፣ ንፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፣ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፉሙዚል ምላልምቦን ንፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ብፍላይ ምስጋና ኣቕሪቡ።

    ብተወሳኺ፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት፡ ነቲ ስምምዕ "ንጸገማት ኣፍሪቃ ኣፍሪቃዊ ፍታሕ” ብዝብል መትከል ሕብረት ኣፍሪቃ ክምራሕ ብምግባሩ ኣመስጊኑ።

    ስምምዕ ሰላም መዕለቢ ንኽረክብ ብንጥፈት ንዝተሳተፉ ፈተውቲ ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ህዝቦምን ዘለዎ ናእዳን ምስጋናን'ውን ኣቕሪቡ።

  9. ምኽታም ውዕል ሰላም ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ብስእሊ

    እቲ ካብ ዝሓለፈ 25 ጥቅምቲ 2022 ክሳብ ትማሊ 02 ሕዳር 2022 ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ርእሰ ከተማ ፕሪቶርያ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ትማሊ ረቡዕ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ምፍታሕ ብረትን ዝብሉ ዝርከብዎ ሸሞንተ ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ ብምኽታም ተዛዚሙ።

    ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን (ጸጋም) ምስ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ (የማን) ነቲ ሰነድ እናፈረሙ
    መግለጺ ስእሊ, ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን (ጸጋም) ምስ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ (የማን) ነቲ ሰነድ እናፈረሙ
    ኣሸማገልቲ ኣካላት ምስቶም ተዛተይቲ
    ላዕለዋይ ወኪል ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን
    መግለጺ ስእሊ, ላዕለዋይ ወኪል ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን
    ላዕለዋይ ወኪል ህወሓት ጌታቸው ረዳ
    መግለጺ ስእሊ, ላዕለዋይ ወኪል ህወሓት ጌታቸው ረዳ
    ጉጅለ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ
    መግለጺ ስእሊ, ጉጅለ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ
    ጉጅለ ወከልቲ ህወሓት
    መግለጺ ስእሊ, ጉጅለ ወከልቲ ህወሓት
  10. ኣሜሪካ ብዛዕባ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም እንታይ ኢላ?

    ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን

    ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ነቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተኸተመ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንቕበል፡” ኢሉ።

    ንሱ ብተወሳኺ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብዚ ንኽበጽሑ ንዘካየዶ እጹብ ጻዕሪ መጕሱ።

    መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን፡ እቲ ንክልተ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ደው ንኽብል፡ እቲ ዝተበጸሐ ስምምዕ ቀጻልነት ንኽህልዎ ዝርርብ ክቕጽሉ፡ ገደብ ኣልቦ ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቱ ከምኡ’ውን ሰለማውያን ሰባት እኹል ውሕስነት ናይ ሓለዋ ክግበረሎም ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም መንግስቲ ኣሜሪካ ኣድናቖቱ ገሊጹ።

    ብሊንከን፡ ኩሎም እቶም ኣሸማገልቲ፡ እዞም ንኽልተ ዓመታት ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዝጸንሑ መንግስቲ ፈዴራልን ህወሓትን ናይ ሰላም ስምምዕ ንኽፍርሙ ዝገበርዎ ጻዕርን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ ዘተ ንምእንጋድ ንዝወሰደቶ ተበግስን ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።

    መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብሕቡራት ሃገራት፡ ብኢጋድን ካልኦትን ኣብ ዝምምዕ ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ኣሜሪካ እኹል ደገፍ ከምእትገብር ገሊጹ።

    መግለጺ ኣሜሪካ ብምስዓብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ንጻዕሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ምምስጋኑ ብምድናቕ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ በቲ ኲናት ዝዓነወ ዳግማይ ኣብ ምህናጽን ኣብ ምልማዕን ንዝወስዶ ተበግሶ ኣሜሪካ ከምእትድግፎ ገሊጹ።

  11. ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ድሕሪ እቲ ስምምዕ እንታይ ኢሉ?

    ሓደ ካብ ኣሸማገልቲ ዝኾነ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ድሕሪ ምክታም እቲ ስምምዕ ንጋዜጣኛታት ኣብ ዝሃቦ መግልጺ፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ብረት ጥይትን ጎንጽን ፍታሕ ኣይኮንን ኢሉ።

    ወሲኹ'ውን “እቲ ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ፖሎቲካዊ ዘተ’ዩ” ብምባል ንዕኡ ክሰርሑ ከምዝጸንሑ ሓቢሩ።

    ብምስዓብ “ሰባት ኮፍ ኢሎም ምስ ተዘራረቡ’ዩ ፍልልዮም ፈሊጦም ክሰማምዑን ክፈትሕዎን ዝኽእሉ፡ እዚ’ዩ ኸኣ ንኢትዮጵያ ብዓቢኡ ኸኣ ንኣፍሪቃ ብሓድነት ከንብራ ዝኽእል፡ ኢሉ።

    ኣሻመገልቲ ኣካላት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ልኡኻት መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን
  12. ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሓ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም

    ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ኣቶ ጌታቸው ረዳን
    መግለጺ ስእሊ, ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ኣቶ ጌታቸው ረዳን ስምምዕ ሰላም እናፈረሙ፡ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ 2 ሕዳር 2022

    ዝርዝር ናይቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተበጽሐ ስምምዕ 12 ነጥብታት ዝሓዘ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ሸሞንተ ነጥብታት እዚ ዝስዕብ'ዩ።

    1.ብመሰረት ዓንቀጽ 3 ናይቲ ስምምዕ ንነባሪ ሰላምን ናይ ሓዋሩ ምቁራጽ ተጻብኦን፡ መከልቲ መንግስቲ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ህወሓትን ድሕሪ ናይ 10 መዓልታት ጽዑቕ ዝርርብ ስምምዕ ሰላም ከምእተበጽሐ ንህዝቢ ኢትዮጵያን መላእ ዓለምን ከፍልጡ ተሰማሚዖም ኣለው።

    2.እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያን ንክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ንከብቅዕን ድምጺ ብረት ንከቋርጽን ተሰማሚዕና ኣለና።

    3.ነዚ ኣብ ህይወት ሰባትን መነባብሮን ከቢድ ዕንወት ዘኸተለ ናይ ግጭት ምዕራፍምእንቲ ረብሓን ሰላምን ውህደትን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዕሽሽ ብምባል [ንቕድሚት ምጥማት] ኣገዳሲ እዩ።

    4.ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያን፡ ንሕገ መንግስቲ ፌደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ንምሕላው ቃል ከምእንኣቱ ደጊምና ምርግጋጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። በዚ ከኣ ኢትዮጵያ ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ምክልኻል ጥራይ ኣለዋ። ኣብ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ጸጥታ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዝርዝር ፕሮግራም ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ምጥያስን ዳግመ ምውህሃድን ዕጡቓት ሓይልታት ህወሓት እውን ተሰማሚዕና ኣለና።

    5.መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ወገናት ረድኤት ንኽበጽሖም ምስ ትካላት ረድኤት ዝገብሮ ምትሕብባር ብምሕያል ከሳልጥ ተሰማሚዕና ኣለና።

    6.ኣብ ክልል ትግራይ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምምላስ፡ ፖለቲካዊ ፍልልያት ዘህድእ ቅጥዒ፡ ከምኡ’ውን ተሓታትነት፡ ሕውየት፡ ሓቅን ዕርቅን ዘረጋግጽ ናይ መሰጋገሪ ናይ ፍትሒ ፖሊሲ ቅጥዒ ንምትግባር ተሰማሚዕና ኣለና።

    7.ኩሉ ዓይነት ግጭትን ተጻባኢ ፕሮፖጋንዳን ብዘይ ውዓል ሕደር፡ ደው ከነብል ተሰማሚዕና ኣለና። ንቅልጡፍ ትግባረ እዚ ስምምዕ ዝሕግዝ መግለጺታት ጥራይ ክንህብ ኢና። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን፡ ነዚ ስምምዕ’ዚ ክድግፉ፡ ከፋፋልን ናይ ጽልኢ ዘረባን ከቋርጹን ዓቕሞም ንቁጠባዊ ዳግመ ሕውየትን ዳግመ ህንጸትን ማሕበራዊ ምትእስሳር ንከውዕሉ ንጽውዕ።

    8.መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዳግም ንምምላስን፡ በቲ ግጭት ንዝተሃሰዩ ከባቢታት ትሕተ ቅርጺ ዳግም ንምህናጽ ጻዕርታቱ ክቕጽል እዩ። ተማሃሮ ናብ ትምህርቲ፡ ሓረስቶትን ጓሶትን ናብ ዋኒኖም፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ኣብያተ ጽሕፈቶም ክኸዱ ይግባእ። እቲ ስምምዕ ብዘይ ጸገም ንኽትግበር ምትሕብባር ናይ ህዝቢ የድልዮ። እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ሓድሽን ትስፍውን ምዕራፍ እዩ።