ሂትለር ዝኣሰራ ሰዓት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ተሸይጣ

ምንጪ ስእሊ, Alexsander historical auction
መራሒ ናዚ ዝነበረ ኣዶልፍ ሂትለር ይኣስራ ከምዝነበረ ዝተገለጸት ሰዓት ኣብ ኣመሪካ ብጨረታ 1.1 ሚልዮን ዶላር ከምዝተሸጠት ተገሊጹ።
እታ ፍርያት ሁበር ዝኾነት ሰዓት ንሓደ መንነቱ ዘይተገለጸ ሰብ ብጨረታ ዝተሸጠት ኮይና ናይ ናዝያውያን ኣርማ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።
ኣይሁዳውያን መራሕቲ ቅድሚ እቲ ጨረታ ነቲ መሸጣ ኣብ መሪላንድ ታሪኻዊ ጨረታ ኣብ ዝካየደሉ ኣሌክሳንደር ተቓውሞ ኣስሚዖም።
እንተዀነ ግን፡ ነቲ ናይ ናዚ መዘከርታ ዝኾነ ሰዓት ዘጫረተ ትካል ንሓደ ጀርመናዊ ማዕኸን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ቀንዲ ዕላምኡ ታሪኽ ምዕቃብ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ካብ 1933 ክሳብ 1945 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ንናዚ ጀርመን ዝመርሐ ኦዶልፍ ሂትለር፡ ንመቕትለቲ 11 ሚልዮን ሰባት ዘወሃሃደ ኮይኑ፡ ካብዚኣቶም እቶም 6 ሚልዮን ኣይሁዳውያን ብምዃኖም ብመንነቶም ጥራሕ ዝተቐትሉ’ዮም።
እታ ሰዓት ኦዶልፍ ሂትለር ኣብ 1933 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] መራሒ ጀርመን ኮይኑ ኣብ ዝወጽኣሉ ግዜ ንልደቱ ዝተበርከተት ውህብቶ ክትከውን ከምእትኽእል መግለጺ ናይታ ሰዓት የረድእ።
እቲ ነታ ሰዓታ ዘጫረተ ትካል ብዘካየዶ መጽናዕቲ መሰረት፡ እታ ሰዓት 30 ወተሃደራት ፈረንሳይ ካብቲ ኦዶልፍ ሂትለር ኣዝሊቑሉ ዝበሃል ጎቦ ኣብ 1945 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ንመዘከርታ ኢሎም ከምዝወሰድዋ’ዩ ዝግለጽ።
እታ ሰዓት ብድሕሪኡ ናብ ዝተፈላለዩ ሰባት እንዳተመሓላለፈት ከምዝመጽአት’ዩ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ጨረታ ክዳዉንቲ በዓልቲ ቤት ኣዶልፍ ሂትለርን ገለ ስእልታት ሰበ ስልጣን ናዚ ከምዝርከብዎ ተገሊጹ።
ኣይሁድ ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ቢጫ ክዳን’ውን ኣካል ናይቲ ጨረታ ክኸውን እንከሎ ኣብ ግዜ ህልቂት ኣይሁዳውያን፡ መራሕቲ ናዚ ነቶም ኣይሁዳውያን ካብቶም ካልኦት ክፈላት ሕብረተሰብ ንምፍላይ ቢጫ ክዳን ክኽደኑ የገድድዎም ከምዝነበሩ ዝፍለጥ እዩ።
34 መራሕቲ ኣይሁድ ኣብ ዝጽሓፍዎ ግልጺ ደብዳቤ፡ እቲ መሸጣ ‘ፍንፉን’ ኢሎም ድሕሪ ምጽዋዕ እቲ ናይ ናዝያውያን ንብረት ካብ ጨረታ ክስረዝ ጸዊዖም።

ምንጪ ስእሊ, Alexsander historical auction




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







