ሶማልያ ካብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ክሰግር ሒዘዮ ዝበለቶ ኣጽዋር ተዘሚቱ

ሶማል

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL

መንግስቲ ሶማልያ ካብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ክሰግር ሒዘዮ ዝበሎ ኣጽዋር ከምዝተዘመተ ተገሊጹ።

ኣብታ ሃገር ግዝኣት ጋልሙዱግ፡ ብሰኑይ ብሓይልታት መንግስቲ ዝጓዓዓዙ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ኣጽዋር ብኣባላት ምልሻን ነበርቲ እቲ ከባቢን ከምዝተዘመተ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ሶማል ነቲ ዝተፈጸመ ዝምታ ኣጽዋር ስዒቡ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጋገረ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር የግዕዙ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብኣባላት ምልሻ እቲ ከባቢ ከምዝተዘምቱ ኣፍሊጡ’ሎ።

መንግስቲ ሶማልያ፡ እቲ ዝተሰርቀ ኣጽዋር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ከም ዝኣተወ'ኳ እንተሓበረ፡ ገለ ጸብጻባት ግን እቲ ኣጽዋር መንግስቲ ሶማልያ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝዓደጎ እዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

ምክትል ሓላፊ ጸጥታ ናይታ ዝምታ ኣጽዋር ዝተፈጸመላ ግዝኣት ጋልሙዱግ ዝዀነ ዓሊ ባሺ ዓብደላሂ፡ ነቲ ኣጽዋር ዘጓዕዙ ዝነበሩ ኣባላት ትካል ስለያን ጸጥታን ሶማልያ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝንቀሳቐሱ ሚሊሻታት መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖም ሓቢሩ።

ዓሊ ባሺ ንቢቢሲ ሶማሊ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓደ ላዕለዋይ መኮነን ዝርከቦም ዓሰርተ ኣባላት ኣገልግሎት ጸጥታ ሶማል ከምዝሞቱን ብኽልተ ጽዕነት ዝጓዓዝ ዝነበረ ኣጽዋር ከምዝተሰርቀን ገሊጹ’ሎ።

ወሲኹ ድማ "ዋላ'ኳ መበገሲ ናይቶም ዝተዘመቱ ኣጽዋር ካብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ምዃኑ ዝሕብር መረዳእታ እንተሃለወና፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ነዚ ከነረጋግጽ ኣይከኣልናን" ኢሉ።

"ዋላ'ኳ መበገሲ ናይቲ ዘመተ ኣጽዋር ካብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ምዃኑ ዘመልክት ሓበሬታ እንተሃለወና፡ ክሳብ ሕጂ ግን ነዚ ከነረጋግጽ ኣይከኣልናን" ኢሉ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መደበር ሬድዮ ‘ኩልሚየ’፡ እቲ ብኽልተ ናይ ጽዕነት መካይን ዝጓዓዝ ዝነበረ ሓያሎ ኤ.ኬ 47 ዝዓይነቱ ካላሽናት፣ ሽጉጣት ከምኡ’ውን ኤ.ኣር.ፒ.ጂ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝተዓደጉ ይገልጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ኣጽዋር ዝበሎ ነገር የለን።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ ሚሊሻታት ኣብ ወተሃደራዊ 'ፒክ-ኣፕ' መካይን ኣጽዋር ጽዒኖም ክኸዱን ሓያሎ ነበርቲ እቲ ከባቢ ድማ ብፕላስቲክ ዝተሸፈኑ ሓድሽቲ ኣጽዋር ክወስዱን የርእዩ።

ምኽትል ሓላፊ ጸጥታ ግዝኣት ጋልሙዱግ ዓሊ ባሺ፡ እቲ ኣጽዋር ነቶም ኣብታ ግዝኣት ንዝርከቡ ኣባላት ትካል መረዳእታን ጸጥታን ክኸውን ብመንግስቲ ሶማልያ ይግዕዝ ከምዝነበረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ናይቲ ከባቢ ሚልሻታት ኣብ ልዕሊ እተን መካይን ድሕሪ ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ምስ ኣባላት ድሕነት ምልውዋጥ ተዅሲ ከምዝነበረን በዚ ድማ ኵሎም ኣባላት ጸጥታ ፈደራላዊ መንግስቲ ከምዝተቐትሉን ወሲኹ ገሊጹ።

ነበርቲ እቲ ኣጽዋር ዝተዘመተሉ ከባቢ ንቢቢሲ ሶማሊኛ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እተን ኣጽዋር ዝጸዓና መካይን ብኣባላት ምልሻ ደው ምስ ክብላ ምስተገበረ ከቢድ ምልውዋጥ ተዅሲ ከምዝተኻየደ ተዛሪቦም።

መደበር ራድዮ ኩልሚየ፡ ኣንጻር መንግስቲ ሶማልያ ዝቃለስ ቀቢላዊ ጕጅለ ነቲ ዝምታ ከምዝፈጸመ ብምጥቃስ፡ እቲ ዕጥቂ ናብ ሓደ ምስ መንግስቲ ምሕዝነት ዘለዎ ጕጅለ ይመሓላለፍ ከምዝነበረ እቲ ጕጅለ ሚልሻ ምኽሳሱ'ውን ኣመልኪታ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጸጥታ ሶማልያ ግን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ካብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተወ ዝበሎ ኣጽዋር ብመንግስቲ እታ ሃገር ከምዝተታሕዘን እናተጓዕዘ እንከሎ ብኣባላት ምልሻ ከምዝተዘምተን ኣፍሊጡ’ሎ።

ገለ ሰባት ድሕሪ እቲ ምዝማት ኣብ ማእከላይ ሶማልያ ዋጋ ሓንቲ ካላሽኒኮቭ ካብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ዝነበረ ዋጋ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከም ዝወሓደ ይሕብሩ ኣለዉ።