ሪቻርድ ስኮሊየር፡ ንዓመት ድሕሪ ዝተገበረሉ ሕክምና ካብ መንሽሮ ሓንጐል ነጻ ዝዀነ ዶክተር

ምንጪ ስእሊ, Melanoma Institute Australia
ኣውስትራልያዊ ዶክተር ሪቻርድ ስኮሊየር ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ንሕማም ‘ግሊዮብላስቶማ’ ንሓደ ዓመት ሕክምና ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ መንሽሮኡ ነጻ ክኸውን በቒዑ።
‘ግሊዮብላስቶማ’ ኣብ ሓንጎል ወይ ዓንዲሑቘ ዋህዮታት ክዓብዩ ዝገብር ዓይነት መንሽሮ እዩ።
እቲ ላዕለዋይ ተመራማሪ ዝገብሮ ፈተነ ፍወሳ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ፈላሚ መጽናዕቲ ‘ሜላኖማ’ [ዓይነት መንሽሮ ቆርበት] ዝተመርኮሰ እዩ።
ፕሮፌሰር ስኮሊየር ዘጋጠሞ ንኡስ ዓይነት ግሊዮብላስቶማ ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝዀነ መብዛሕትኦም ሕሙማት ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድሎም ትሕቲ ሓደ ዓመት ከምዝዀነ ይግለጽ።
ብሰሉስ ግን እቲ ወዲ 57 ዓመት ዶክተር ወግዓዊ ከምዝገበሮ ኣብ ቀረባ ዝገበሮ ምርመራ ‘ኤምኣርኣይ’ እቲ መንሽሮ ሓንጐል ከምዘየለ ኣረጋጊጹ’ሎ።
"ካብዚ ንላዕሊ ክሕጐስ ኣይክእልን እየ!" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ስምዒቱ ገሊጹ።
ፕሮፌሰር ስኮሊየር ብደረጃ ዓለም ፍሉጥ ተመራማሪ ሕማማት ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓመት ምስ መሳርሕቱን ዓርኩን ጆርጂና ሎንግ ብምትሕብባር ኣብ ሜላኖማ [ዓይነት መንሽሮ ቆርበት] ንዝሰርሕዎ ህይወት ዝቕይር ስራሕ ኣፍልጦ ብምሃብ ‘ብሉጽ ኣውስትራልያዊ ናይዚ ዓመት’ ተባሂሉ ተሸሊሙ እዩ።
ሓባራዊ ዳይረክተራት ትካል ሜላኖማ ኣውስትራልያ ዝዀኑ ክልቲኦም ዶካትር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ንዋህዮታት መንሽሮ ኣብ ዘጥቅዕ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላት (ኢምዩኖቴራፒ) ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ብደረጃ ዓለም ብኸቢድ ሜላኖማ ኣብ ዝተጠቕዑ ሕሙማት ዝለዓለ ምምሕያሽ ከምጽእ በቒዑ’ሎ። ኣብዚ እዋን ፍርቆም ብወሳኒ ደረጃ ሓውዮም ኣለዉ።
ፕሮፌሰር ጆርጂና ሎንግ ምስ ካልኦት ጕጅለ ሓካይም ኰይና ንመንሽሮ ፕሮፌሰር ስኮሊየር ከሕውዩ ተስፋ ብምግባር ክሕክምዎ ዝተጠቐሙሉ መጽናዕቲ’ውን ንሱ እዩ ነይሩ።
ፕሮፌሰር ሎንግን ጕጅለኣን ውህደት መድሃኒታት ካብ ምጥቃምን ነቲ ኣብ ሓንጐሉ ዝነበረ ሕበጥ ብመጥባሕቲ ንምእላይ ካብ ዝግበር ሕክምናን ብዝሓሸ ኢሚዩኖቴራፒ (ንዋህዮታት መንሽሮ ኣብ ዘጥቅዕ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላት) ውጽኢታዊ ኰይኑ ረኺቦሞ ኣለዉ። ስለዚ ድማ ፕሮፌሰር ስኮሊየር ዝሓለፈ ዓመት ናይ ቅድመ መጥባሕቲ ኢሚዩኖቴራፒ ዝገበረ ናይ መጀመርታ ሕሙም መንሽሮ ሓንጐል ኰይኑ’ሎ።
ብተወሳኺ እቶም መድሃኒታት ንመንሽሮ ናይ ምፍላጥ ዘለዎም ዓቕሚ ዘዕቢ ምስ ባህርያት ሕበጡ ዝኸይድን ንዕኡ ጥራይ ዝተዳለወን ክታበት ዝተዋህቦ ናይ መጀመርታ ተሓካሚ እዩ።
ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ውጽኢት ዓቢ ፍናንን ተስፋን ዝፈጠረ ኰይኑ እዞም ተመራመርቲ ሓኻይም ነቶም ዓመታዊ ብደረጃ ዓለም ብመንሽሮ ሓንጐል ዝልከፉ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ክሕግዞም ዝኽእል ውጽኢት ክረክቡ ከምዝኽእሉ ተስፋ ዝህብ’ዩ።
እቲ ሕጂ ዘሎ ሜላ ሕክምና ‘ግሊዮብላስቶማ’ ብስሙ ዝተሰየመሉ ዶክተር ሮጀር ስቱፕ፡ እቲ ፕሮፌሰር ስኮሊየር ዝረኸቦ ውጽኢት "ዘተባብዕ" እኳ እንተዀነ በቲ ውጽኢት ቅድሚ ምሕጓሱ ግን እቲ መንሽሮ ከምዘይምለሶ ን12 ኣዋርሕ ዋላ'ውን 18 ተጸብዩ ክርእዮ ከምዝደሊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ፕሮፌሰር ስኮሊየርን ፕሮፌሰር ሎንግን ቅድሚ ሕጂ ፕሮፌሰር ስኮሊየር ዝህልዎ ናይ ምሕዋይ ተኽእሎ "ውሑድ" ምዃኑ እኳ እንተገለጹ፡ እቲ ፈተነ ሕክምና ዕድመኡ ከናውሕን ንካልኦት ሕሙማት ግሊዮብላስቶማ ንምሕካም ኣብ ፈተነ ክውዕልን ተስፋ ኣለዎም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







