ዓይነስዉራን ተመሃሮ ብባርዕ ሞይቶም

ካርታ ዩጋንዳ

ኣብ ዩጋንዳ ዓይነስዉራን ተመሃሮ ኣብ ዝሓድሩሉ መደቀሲ፡ ብሰንኪ ዝተወልዐ ባርዕ፡ ተመሃሮ ዝርከብዎም ብውሕዱ 11 ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ ምብራቕ ከተማ ካምፓላ ዝርከብ ሙኮኖ፡ ኣብ መሕደሪ ዓይነ ስውራን ተመሃሮ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ብዘይካ እቶም ዝሞቱ 11 ሰባት ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት’ውን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት ከምዝርከቡን ኣብ ሀሮና ዝበሃል ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ፖሊስ እታ ሃገር ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።

እቲ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ፡ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ዝነበረ ሰዓታት፡ ኣብታ ሰላማ እትበሃል ቤት ትምህርቲ ዓይነ ስውራን ዘጋጠመ ባርዕ፡ ጠንቁ ንምፍላጥ ፖሊስ መርመራ ጀሚሩ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ዩጋንዳ ኣብ ኣብያት ትምህርትን መሕደሪ ተመሃሮን ባርዕ ከጋጥም እዚ መጀመርታ ኣይኰነን፡ ሓደ-ሓደ ግዜ ተመሃሮ መብራህቲ ምስ ጠፍአት፡ ኣብ መደቀሲኦም ኰይኖም ብሽምዓ ከጽንዑ ኣብ ዝፍትንሉ ባርዕ ከምዘጋጥም ሕሉፍ ሰነዳት እታ ሃገር የመልክቱ።

ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ልዕሊ ዓቐን ተመሃሮ ስለዝሕዛ፡ ኣብ መደቀሲ ተመሃሮ ባርዕ ኣብ ዘጋጥመሉ ተመሃሮ ክሃድሙ ምጽቅቓጥ ከምዘጋጥም ይግለጽ።

እተን ኣብያት ትምህርቲ እዅል መጥፍኢ ባርዕ ስለዘይብለን እቲ ባርዕ ንምጥፍኡ ግዜ ከምዝወስድ ይንገር።

ፖሊስ ዩጋንዳ ኣብ መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናይ 2022 ብውሕዱ 18 ግዜ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ባርዕ ከምዘጋጥመ ምግላጹ ይዝከር። 

ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዘጋጠመ ባርዕ፡ እቲ ዝኸፍአ ተባሂሉ ዝተመዝገበ ኣብ 2008 ኣብ ጥቓ ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ቡዶ ዝተበሃለ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ በቲ ባርዕ 19 ህጻናት ተመሃሮ ምማቶም ይዝከር።