ዩጋንዳ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ስክፍታ ዝፈጠረ ዘተ እንታይ እዩ?

ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ባይቶ ዩጋንዳ ብዕቱብ ካብ ዝተላዕሉ ጉዳያት ሓደ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብታ ሃገርን ዝፈጠሮ ኵነታትን ዝምልከት ምዃኑ ካብቲ ከባቢ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።
ሓደ ኣባል ባይቶ ዘልዓሎ ነጥብታት ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራውያን እናተዘርገሐ ኣዛራቢ ኰይኑ ቀንዩ ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ ዩጋንዳ ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጠን፡ እዋናዊ ኩነታት ብምክትታል ንማሕበረሰቡ ብመገዲ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዘካፍል ኤርትራዊ የማነ ሃይለ ኣዘራሪቡ’ሎ።
የማነ፡ እቲ ጉዳይ፡ ባይቶ ዩጋንዳ ብ15 ለካቲት 2024 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ዝተልዓለ ምዃኑ ይጠቅስ።
ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝፈጠሮ ስክፍታ ድማ፡ " ማዕረ ዕድላት ንስደተኛታትን፡ ስደተኛታት ዘዕቁቡ ከባቢታትን" ዝብል ምንባሩ፡ ነቲ ኣኼባ ብመገዲ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብዝርዝር ከም ዝተኸታተሎ የረድእ።
ብፍላይ ኣብ ሰሜን ዩጋንዳ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ዘለዋ መዓስከራት፡ ካብ ኮንጐ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝመጹ ብዝሒ ስደተኛታት ዘአንግዳ ምዃነን፣ ከምኡ’ውን ብወገን ምዕራብ ዩጋንዳ ካብ ሃገራት ሩዋንዳ ብሩንዲን ኮንጐን ዝመጽኡ ስደተኛታት ዘለዉዎ ከባቢታት ምዃኑ የማነ የቐምጥ።
በዚ መሰረት፡ ይብል የማነ፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ዘጻሪ ኮሚተ ባይቶ ዩጋንዳ ኣብ ኵለን ስደተኛታት ዘዕቆባ ወረዳታት ተንቀሳቒሱ ዘዳለዎ ጸብጻብ ንባይቶ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ፡ እቲ ዘተ ኣባላት ባይቶ ተላዒሉ።
እቲ ጸብጻብ ሽግራት እተን ስደተኛታት ኣስፊረን ዘለዋ ወረዳታት፣ እቲ ነባሪ ህዝቢን ኵነታት ናይቶም ስደተኛታት ከ እንታይ ይመስል ንዝብል መጽናዕቲ ምርኩስ ዝገበረ ጸብጻብ እቲ ባይቶ ከም ዝሰምዐ ድማ የብርህ።
ኣብቲ ባይቶ እንታይ እዩ ተላዒሉ?

ኣብተን ጐረባብቲ ሃገራት ብዘሎ ዝተፈላለየ ኵነታት፡ ብፍላይ ኣብ ሱዳን ብዝተፈጥረ ኵነታት ይዅን ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ኵነታት፡ ዋሕዚ ሱዳናውያን ይዅን ኤርትራውያን ኣብተን ስደተኛታት ዘዕቍባ ከባቢታት ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ ዝብል እዩ።
ዋሕዚ ስደተኛታት ንዩጋንዳ ይውስኽ ስለዘሎ፡ ብፍላይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ጻዕቂ የጋጥሞ ስለዘሎ ኣሎ ኣብ ዝብል ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ዘተኰረ ዘተ ከምዝተኻየደ እዩ ዝንገር።
እቲ መበገሲ ዘረባ ኮይኑ ዝቐነየ ቪድዮ ግን ኣባል ባይቶ ምምሕዳር ምዕራብ ማቺንድየ - ካምፓላ ዝውክል ኣባል ባይቶ ኣላን ሰዋኛኛ ዝበሎ ምዃኑ ዘረድእ የማነ ሃይለ፡ እቲ ኣባል ባይቶ ኣብቲ ንሱ ዝውክሎ ከባቢ ብዝሒ ወጻእተኛታት - ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ሶማላውያን ደቂ ኮንጐ - ግን ዝተፈላለየ ኣቃውማ ዘለዎም፡ ገሊኦም ስደተኛታት ገሊኦም ኣውፈርቲን ካልእ ስለዘለዉ ህዝቢ እቲ ከባቢ ንዘለዎ ቅሬታ መበገሲ ገይሩ ከምዝተዛረበ ኣረዲኡ።
እቲ ብመገዲ ኣላን ሰዋኛኛ ዝቐረበ መረረ ህዝቢ ድማ፡ ‘ብብዝሒ ስደተኛታት ንዕብለል ኣለና፣ ንሳቶም ዝኣክል ገንዘብ ስለዘለዎም ናብራ የኽብርዎ ኣለዉ፣ ክራይ ገዛ ንሂሩን ወነንቲ ኣባይቲ’ውን ካብ ንደቀባት ንዓኣቶም ናይ ምክራይ ድሌቶም ይዓቢ ኣሎ፣ ዝርግሐኦም ከኣ ናብ ኵሉ የስፋሕፍሕ ስለዘሎ ኣብ ሓደ ዝቘሙሉ መገዲ እንተዝፍጠር ዝብል እዩ።
እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዩጋንዳ ዓመታት ዝተቐጠ የማነ ሃይለ፡ ኣብዚ ጉዳይ ከብርህ እንከሎ፡ እቲ ፀገም ብዝሒ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዘይኰነስ ኣገባብ ኣነባብራ እዩ ይብል።
ኣብ ዩጋንዳ 1.6 ሚልዮን ስደተኛታት ዘለዉ ኰይኖም ካብዚኦም እቶም ሓደ ሚልዮን ደቡብ ሱዳናውያን እዮም። ካብቶም ዝተረፉ ድማ ብዝሒ ሓበሻ ይርከብዎም።
እቲ ሕብረተሰብ ሓበሻ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ኣከዳድና፣ ኣመጋግባ፣ ጽንብላትን ካልእን ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብ ሓደ ተጨናኒቑ ምንባር እምበር ምስቲ ሕብረተሰብ ናይቲ ሃገር ተዋሃሂድካ ናይ ምንባር ጸገም ከምዘሎ እዚ ድማ ነቶም ደቂ ዓዲ ከምዘተሓስቦም የማነ ይገልጽ።
ሕብረተሰብ እተን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ግን ኣብ ብዙሕ መዳያት ተመሳሳልነት ስለዘለዎ፡ ነቲ ምቅርራብ ከምዘቃልሎ፡ የማነ ትዕዝብቱ የካፍል።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ዘዘራረብናዮ ዩጋንዳዊ ኣሞስ ወኬሳ፡ “ኤርትራውያን ኣብ ንሓድሕዶም ጥራይ ዝተሓጽሩ እዮም፡” ብምባል፡ ናብቲ ባህሊ፣ ቋንቋን ወግዒን ሕብረተሰብ ዩጋንዳ ክኣትዉን ብጥልቀት ክፋለጡ፡ ይግባእ፡” ድሕሪ ምባል፡ እንተተኻኢሉ’ውን ክዋሰቡን ክጸናበሩን ከምዘድሊ ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
እቲ ኣብ ባይቶ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተላዕለ ዘረባ፡ ብኡ ንብኡ ተቓውሞ ከምዘቀረበሉ ዝጠቐሰ የማነ፡ ኵሉ ወጻእተኛ፡ ስደተኛ ከምዘይኰነን፡ ብዙሓት ኣውፈርቲን ዕድላት ስራሕ ዝፈጠሩን ወጻእተኛታት ከምዘለዉን ዝምጕት ርእይቶ ከምዝቐረበ የብርህ።
እቲ ሓደ ካብ ጸለውቲ ሰባት ምዃኑ ዝንገረሉ ኣሞስ፡ እዚ ዅሉ ኣብ ዩጋንዳ ዝግበር ወፍሪታት፡ ኣብ ቍጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን እታ ሃገር ዓቢይ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ "ንብዙሓት ዩጋንዳውያን ባህሊን ዕድልን ስራሕ ኣብ ምፍጣር ዘለዎ ኣስተዋጽኦ ብቐሊል ዝግመት ኣይኰነን፡” ክብል ነቲ ካልእ ሸነኽ ረብሓታት ወፍሪ ወጻእተኛታት ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ዓመታዊ ካብ ኮሌጃትን ዩኒቨርሲቲታትን እናወጸ ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ዝጽንበር ዘሎ ዩጋንዳዊ መንእሰይ ስራሕ ክረክብ ከምዘለዎ ኣጥቢቑ ዝማጐት ኣሞስ፤ እታ ቀንዲ ተሓባቢርካ ከም ቤተሰብ ተዳጋጊፍካ ብንኡስ መጠን ሓደ ዋኒን ክትጅምርን ከተሰጕምን ምኽኣል ድማ ካብቲ ባህሊ ኤርትራውያን ክንመሃሮ ዘለና እዩ ብምባል፡ ተዛሪቡ እዩ።

የማነ፡ እቲ ሕጂ ዝፍጠር ዘሎ ስምዒታት ሕጂ ቅጽበታዊ ለውጢ ከምጽእ ከምዘይክእል ብምጥቃስ፡ እናዓበየ ምስ ከደ ግን፡ እቶም ደቂ ዓዲ ነገራት ኣናከበሮም ምስ ከደ፡ ኣናተደፍኡን ምስ ከዱ ሕርርኽ ዝብል ስምዒታትን ቅሬታታትን ምፍጣሩ ከምዘይተርፍ የመልክት።
“ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ድማ ፖለቲከኛታትን ተቓወምቲ ውድባትን መጐሳጐሲ ክጥቀምሉን ክምዝምዝዎን ከምዝኽእሉ፣ እዚ ድማ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ክቕይር ዝኽእል ሕጊታት ይኵን ፖሊሲታት ከስዕብ ከምዝኽእል” ብኣጋ ምግንዛብ ከምዘድሊ የማነ የዘካኽር።
“መንግስቲ ዩጋንዳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኣዝዩ ጽኑዕን ደጋፍን መርገጺ እዩ ዘለዎ፡” ድሕሪ ምባል እዚ ግን፡ ብጌጋ ከይንርድኦን ብዘይግቡእ ከይንጥቀመሉን፡ “ጸይሩና ዘሎ ሕብረተሰብ ብኽብርን ስርዓትን እንተ ደኣ ዘይሒዝናዮ ሽግራት ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ከየስዕብ” ዝብል ስክፍታ ኣልዒሉ።
ኣብ ዩጋንዳ ልዕሊ 40,000 ኤርትራውያን ከምዘለዉን፡ ዳርጋ ብምልኦም ኣብ ርእሰከተማ ካምፓላ ዝነብሩ ምዃኖምን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይጠቅስ።
ልዕሊ 9,000 ኢትዮጵያውያን፡ ኣስታት 40 ሽሕ ሶማልያውያንን፡ ከምኡ'ውን ልዕሊ 40 ሽሕ ዝኾኑ ካብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ሱዳንን ቡሩንዲን ዝመጹ ስደተኛታት ኣብታ ከተማ ይርከቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







