ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ነበር ፕሮፌሰር እንድርያስ እሸቴ ዓሪፎም

ፕሮፌሰር እንድርያስ እሸቴ

ምንጪ ስእሊ, SM

ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ፀኒሖም ድማ ፍሉይ ኣማኻሪ ቀደማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዝነበሩ ፕሮፌሰር እንድርያስ እሸቴ ብሓሙስ ዓሪፎም።

ፕሮፌሰር እንድርያስ፡ ሕክምናዊ ረድኤት ክግበረሎም ምስ ቀነየ ብዝሓደሮም ሕማም ብሓሙስ 23 ነሓሰ 2016 [ግ] ብሞት ከምዝተፈለዩ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ካብቶም ኣብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ተራ ዝተጻወቱ ሓደ ከምዝዀኑ ዝንገረሎም ፕሮፌሰር እንድርያስ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲታት ዓለምን ትምህርቲ ፍልስፍናዊ ፖለቲካ ምሂሮም።

ፕሮፌሰር እንድርያስ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸታቲሎም፡ ብድሕሪኡ ናብ ኣመሪካ ብምምራሕ ኣብ ኮሌጅ ዊልያምስን ዩኒቨርሲቲ የልን ፍልስፍና ኣጽኒዖም።

መምህርን ተመራማሪን ፕሮፌሰር እንድርያስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ብዙሕ ዘይዛረብ ኰይኖም፡ እንተዀነ ኣብ ሓደ እዋን፡ "ብሰለስተ ስድራ እየ ዓብየ" ኢሎም ምንባሮም ይዝከር።

ምስ ወለዶም፡ ኣኮኦምን ምስ ስድራ ፕሮፌሰር ሪቻርድ ፓንክረስትን ከም ዝዓበዩን ከኣ ይዛረቡ።

ካብ ዩኒቨርስቲ የል ዶክትሬት ድግሪ ዝረኸቡ ፕሮፌሰር እንድርያስ፡ ናብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም ከም መምህር ደሓር ድማ ከም ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ኰይኖም ኣገልጊሎም።

ፕሮፌሰር እንድርያስ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ብራውን፡ ዩሲኤልኤ፡ በርክሊን ፔንሲልቨንያን'ውን መምህር ኰይኖም ዘገልገሉ፡ ኣቦ መንበር ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰላምን ዲሞክራስን ዩኔስኮ ኰይኖም ሰሪሖም እዮም።

ፈደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ክነድፍ እንከሎ ኣባል ኮሚሽን ምርቃቕ ቅዋም ኰይኖም ዘገልገሉ ፕሮፌሰር እንድርያስ፡ ኣብ ማዕርነት ህዝብታት፡ ሃይማኖታትን ጾታን ጽኑዕ እምነት ከም ዝነበሮም ይንገር።

ካብ ፕረዚደንትነት ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምውራዶም፡ ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ኰይኖም ሰሪሖም እዮም።

እቶም ፕሮፌሰር ካብ ምምሃር ሓሊፎም፡ ኣብ ሞራላውን ፖለቲካውን ፍልስፍናታትን ስነ-ምግባርን ዘተኮረ ሓያሎ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣሕቲሞም እዮም።

ካብ ኣደኦም መንበር ገብረ ማርያምን ካብ ኣቦኦም እሸቴ ተሰማን ዝተወልዱ ፕሮፌሰር እንድርያስ፡ ኣቦ ሓደ ውሉድ ኰይኖም፡ ንኻልኦት ክልተ ደቂ እውን ከም ኣቦ ኰይኖም ከምዘዕበዩ ታሪኽ ህይወቶም የመልክት።