ሶማላውያን “ወልፊ ፃፀ ይተሓዙ” ምህላዎም ከምዘሻቐሎ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ፃፀ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ሶማል፡ ካብ ዓሌታት ፃፀ ሓደ ዝኾነን ‘ታፒኖማ ሴሲሌ’ ብዝብል ዝፍለጥን ዓይነት ፃፀ ብዙሓት ሰባት ይጥቀሙሉ ብምህላዎም “መዕወኒ ዕፅ እዩ” [ዕፀ ፋርስ] ክብል ኣጠንቂቑ።

እቲ ብሳይንስ 'ታፒኖማ ሴሰለስ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓይነት ጻፀ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከብ ኮይኑ፡ ‘ፎርሚክ’ ዝብሃል ኣሲድ የመንጭዉ።

ፖሊስ ሶማል ብምርመራ ረኺበዮ ከምዝብሎ፡ ሰባት ነዚ ዓይነት ፃፀ ኣኪቦም ኣብ ማይ ብምብሳል ነቲ ዝወጽእ ሃፋ እናተዓጠኑ ልክዕ ከምቲ ሓሽሽ ብምጥቃም ዝፍጠር ፍሉይ ስምዒት ንምርካብ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ፖሊስ ነዞም ፃፀ ብምጥቃም ዝተፈለየ ናይ ስኽራን ወይ ናይ ምዕዋን ስምዒት ንምርካብ ንዝፍጸም ተግባር ልክዕ ዕፀ-ፋርስ (ሓሽሽ) ከም ምጥቃም ዝቖፅሮ ምዃኑ ኣጠንቂቑ’ሎ።

እቲ ካብቶም ፃፀታት ዝወጽእ ‘ፎርሚክ’ ዝብሃል ኣሲድ ሓደገኛ ምዃኑ ድማ ክኢላታት ጥዕና ይገልጹ።

ነቲ ኣሲድ ኣብ እትቃልዐሉ እዋን ከኣ ምድንዛዝ፣ ዕውልውል ምባልን ተምላስን ዘስዕብ ካብ ምኽኣሉ ብተወሳኺ ኣብ ኣካላት ጉድኣት ከምዘምፅእ’ዩ ተገሊፁ።

ስለዚ፡ ሰባት ናብዚ ኣሲድ ከይቃልዑ ሓካይም ይምዕዱ።

ካብዚ ዓይነት ፃፀ ብብዝሒ ዝበልዓ ኣዕዋፍ ‘ስኽራን’ ዝመስል ፍሉይ ባህሪ ከም ዝተርኣየን ብተደጋጋሚ ክግለፅ ፀኒሑ’ሎ።።

ሓደ በዓል ስልጣን ጸጥታ ሶማል ‘ሶማሊ ኬብል’ ንዝተብሃለ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሰባት ተመሳሳሊ ስምዒት ንምርካብ ኢሎም ነዚ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይጥቀሙሉ ኣለዉ" ኢሉ።

“ነቶም ፃፀ ኣኪቦም ድስቲ ኣብ ዝፈልሕ ማይ ብምብሳል፡ እቶም ሰባት ኣብ ዙርያ እቲ ድስቲ ከቢቦም ነቲ ሃፋ ይዕጠንዎ። ድሕሪኡ ናብ ዝተፈለየ ስሚዒት ይኣትዉ” ክብል ነቲ ኩነታት ኣረዲኡ።

በዚ ድማ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ሓሽሽ ዝጥቀሙ ሰባት ዝፍጠር ስምዒት ናብ ዝመሳሰል ኩነታት ከምዝኣትዉ ሓቢሩ።

ንሱ ወሲኹ፡ ብዙሓት ሰባት ነቶም ፃፀ ኣኪቦም ብኸምዚ ኣገባብ ይጥቀሙሎም ስለዘለዉ “ሕጽረት” ከምዘጋጠመ ተዛሪቡ።

ፖሊስ ነዚ ዓይነት ፃፀ ከም ናብ ዝርዝር ዓይነታት ዕፀ-ፋርስ ሰፊሩ ቁፅፅር ክገብረሉ ከምዝተገደደ ኣፍሊጡ’ሎ።