ዘለንስኪ ንጕጅለ-7 ይምድር፡ ሚሳይላት ሩስያ ከተማታት ይድብድብ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ኣኼባ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓት መደረ ኣብ ዘስምዓሉ፡ ሃብታማት ሃገራት ከበድቲ ኣጽዋራት ንኽህባኦ ምሕጽንታ ከቕርብ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ኣብ ጀርመን ዝጋባእ ዘሎ ኣኼባ ሃብታማት ሃገራት ዓለም፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ዩክረይንን ካልኦት ቦታታትን ብውሕዱ ሓደ ሰብ ዝቐተለ ደብዳብ ሚሳይል ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ሩስያ፡ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ሰቨርዶነስክ ብምቍጽጻር ናብ ከተማ ለይስይቻንስክ ገጻ’ያ ትግስግስ ዘላ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ብሰንበት፡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝጽበዮ ዝነበረ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብምድንጓዩ፡ “ሩስያ ተበግሶ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ንኽትወስድ ቀሲብዋን ዕድል ፈጢሩላን’ዩ፡” ኢሉ።
ኣብቲ ብቪድዮ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳ ክንበርን፡ ምዕቡል ጸረ-ነፈርቲ ኣጽዋር ክወሃቦን ተማሕጺኑ።
“እዘን መሻርኽትና ናይ ብሓቂ መሻርኽቲ እንተዀይነን ካብ ስቕ ኢለን ተዓዘብቲ ጥራይ ዝዀና፡ ቅልጡፋት ክዀና ኣለወን” ኢሉ።
ኲናት ዩክረይን፡ ኣብ ኣኼባ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ ቀንዲ ዛዕባ ክኸውን፡ ንዩክረይን ብዙሕ መብጽዓታት ወተሃደራዊ ሓገዛት ክእተወላን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳታት ክንበርን ድማ ትጽቢት ይግበር።
ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ፡ መጥቃዕቲታት ሚሳይል ሩስያ፡ "ብሓደ ምቛምናን ንዩክረይን ምድጋፍናን ቅኑዕ ምንባሩ" ኣረጋጊጾምልና እዮም; ድሕሪ ምባሉ፡ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ሓድነታዊ ግንባር ንምቛም ይሰርሑ'ለው።
ኣቐድም ኣቢሉ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን [ኔቶ] ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተን “ክፈላልየና... ግን ኣይተፈላለናን ኣይክንፈላለን ኢና’ውን” ኢሉ።
እንተዀነ ኣብቲ ኣኼባ ዝርከብ ወኪል ቢቢሲ ጀምስ ላንዳለ፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ክልተ ዝተፈላለየ መርገጺታት የርእያ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ገለ መራሕቲ ነዊሕ ዝጠመተ ምሕዝነት ምስ ሩስያ ክሓርዩ እንከለዉ፡ ገለ ሃገራት ከኣ ክሳብ መወዳእታ ንዩክረይን ምድጋፍ ዝብል መርገጺ ሒዘን ምህላወን ሓቢሩ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ጀርመን ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ፡ ከም መቐጸልታኡ ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኣብ ስጳኛ ኣኼባ ከካይዳ እየን።
ኣብቲ ኣኼባ ኣባላት ኔቶ’ውን ፕረዚደንት ዘለንስኪ መደረ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ኣኼባ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ፡ መራሕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኢንዶንዥያ፡ ህንድን ሰኔጋል ዕዱማት ኰይኖም ይሳተፉ ኣለዉ።
ሩስያ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ኪቭ፡ ኣብ ከተማታት ቸርሳኪን ካርቢን ከምኡ’ውን ኣብ ሰሜን ዩክረይን ኣብ ከተማታት ዛይቶመረን ለቪቭን ደብዳብ ሚሳይላት ኣካይዳ።
እታ ብሚሳይል ዝተደብደበት ከተማ ለቪቭ፡ ካብታ ኣባል ኔቶ ዝዀነት ፖላንድ 30 ኪሎ ሜትር ጥራይ’ዩ ራሕቂ ዘለዋ።
ገለ ሚሳይላት ካብ ባሕሪ ካስፒያን ብምውንጫፍ፡ ልዕሊ 1450 ኪሎ ሜትር ተጓዒዞም ብልዕሊ ክሊ ሰማይ ቤላሩስ ሰጊሮም ኣብ ዩክረይን ይዓልቡ ምንባሮም መንግስቲ ዩክረይን ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ብቅኑዕ ዕላማኦም ዝሃርሙ ሚሳይላት፡ ኣብ ልዕሊ መደበራት ወተሃደራዊ ታዕሊም ዩክረይን ከም ዝደብደቡ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዕላማ ዝገበረ ደብዳብ ከም ዘየካየዱ ገሊጹ።
ከንቲባ ከተማ ኪቭ፡ ቪታሊዩ ክሊሾንኮ፡ እቲ ደብዳብ፡ ቅድሚ ኣኼባ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ ንዩክረይን ንምፍርራሕ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዩክረይን፡ ሩስያ ድሕሪ ሰሙናት ዝወሰደ ኵናት ንከተማ ሰቨሮዶንስክ ክትቈጻጸር ክኢላ ኣላ።
ሰራዊት ዩክረይን ካብታ ከተማ ምስ ኣንሳሓቡ፡ ናብ ጥቃ እታ ከተማ ኣብ በሪኽ ቦታ ትርከብ ከተማ ለይስይቻንስክ ከም ዝተጠርነፉ እዩ ዝግለጽ።
ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ዞባ ሉሃንስክ ኣብ ከተማ ለይስይቻንስክ ጥራይ’ዩ ዝርከብ።
ዞባ ሉሃንስክን ዶነስክን ብሓባር ኰይነን’የን ንዶንባስ ዘቝማ። ፕረዚደንት ፑቲን ከኣ ቀንዲ ዕላማኡ ንዶናባስ ምቍጽጻር ምዃኑ’ዩ ክሕብር ጸኒሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







