ጣሊባን: ኣብ ኣፍጋኒስታን ንሰለስተ እንግሊዛውያን ኣሲሩ

ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝሰርሕ ሓደ ሰብኣዊ ትካል፡ ጣሊባን ንሰለስተ ኢንግሊዛውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ናይቲ ገባር ሰናይ ማሕበር ስኮት ሪቻርድ፡ ካብቶም እተኣስሩ ሰለስተ ሰባት እቲ ሓደ ከቪን ኮርንዌል ዝተባህለ ወዲ 53 ዓመት ተወላዲ ሚድልስቦሮ ምኻኑ ሓቢሩ።
ሪቻርድ፡ ከቪንን ካልኣዩን ብ11 ጥሪ፡ እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ሳልሳይ ሰብ ከኣ ኣብ ካልእ መዓልቲ ከም እተኣስሩ ኣረጋጊጹ።
ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ነቶም ሰባት ንምርካብ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ'ሎ።
እቲ ፕረዚድዩም ኔትዎርክ ዝተባህለ ናይ ብሪጣንያ ገባር ሰናይ ማሕበር ብዓመጽ ወይ ብድኽነት ዝተጎድኡ ኣብ ቅልውላው ንዘለዉ ማሕበረሰባት ደገፍ ዝህብ ትካል እዩ።
ሪቻርድ፡ ሚስተር ኮርንወል ነቲ ማሕበር ወኪሉ ኣብ ስራሕ ግብረ-ሰናይ ዝነጥፍ ሓኪም እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ካልኣዩን ብሪጣንያውያን ክኽኑ እንከለው፡ እቲ ሳልሳይ ከኣ ኣፍጋናዊ ኢንግሊዛዊ እዩ።
ብተወሳኺ "ወግዓዊ ክሲ" እኳ እንተዘይቀረበሎም፡ ብምኽንያት ናይ ኣጽዋር ላይሰንስ ፍቓድ እዮም ተታሒዞም። እቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ ብረት ከኣ ፍቓድ ናይ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣፍጋኒስታን ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
"እቲ ዝተዋህበ ፍቓድ እንተጠፍአ'ኳ ናይ ሰባት ብቑዕ ምስክርነት ቀሪቡ እዩ" ኢሉ።
እቲ ሳልሳይ ሰብ ከኣ፡ 23 ዓመት ዝዕድሚኡ ካብ በርሚንግሃም ዝመጽአ ማይልስ ሩትለጅ፡ ኣብ ነሓሰ 2021 ብኣባላት ሓይልታት ብሪጣንያ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝወጽአ እዩ።
ንሱ ናብ ኣፍጋኒስታን ዝተመልሰ፡ ናይ "ጸልማት" ን "ክቱር" ን ቱሪዝማዊ ስሕበት ባህ ዝብሎ ዝብሎ እዩ።
እዚ ተማሃራይ ላቭቦሮ ዩኒቨርሲቲ ናብ ሓደገኛ ሃገራት ብምጋሽን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምልጣፍን ኣቓልቦ ስሒቡ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ናይ 'ጸልማት' ቱሪዝም ስለዝፈቱ ናብ ኣፍጋኒስታን ከም ዝገሸ ሓቢሩ።
ንሱ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብታ ሃገር ብምውጽኡ እፎይታ ከምዝረኸበ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሪቻርድ እቶም ሰባት ብደሓን ተታሒዞም ክህልው ከምዝኽእሉ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።
"ንዝዀነ ይኹን መግረፍቲ ኮነ ካልእ ኣሉታዊ ኣተሓሕዛ ክቃልዑ እዮም ዝብል እምነት የብልናን" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







