ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ጣሊባን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቲሉ

መሓመድ ዳዉድ ሙዛሚል

ምንጪ ስእሊ, Taliban

ኣብ ኣፍጋኒስታን ሓደ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ጣሊባን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብዝተፈንጀረ ነታጒ ተቐቲሉ።

ኣመሓዳሪ ሰሜናዊት ዞባ ባልክህ መሓማድ ዳዉድ ሙዛሚል፡ ጉጅለ ጣሊባን ኣብ 2021 ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንድሓር ንመጀመርታ እዋን ዝተቐትለ ላዕለዋይ ብዓልመዚ ኰይኑ'ሎ።

ዋላ'ኳ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዝነበረ ጎነጽ ሃዲኡ እንተጸንሐ፡ ሓያለ ፍሉጣት ደገፍቲ ጣሊባንን ካልኦት ውልቀሰባትን ክቕተሉ ምጽንሖም ይንገር።

ዝበዝሐ ካብቲ ዝፍጸም መጥቃዕትታትን ቅትለታትን ብጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዕሽ (ኣይ-ኤስ) ዝካየድ'ዩ።

ጠንቂ ናይቲ ነትጒ ዛጊት ከምዘይተረጋገጸ ፖሊስ ገሊጹ'ሎ።

ሓለፍነት ዝወሰደ ኣካል ዛጊት ከምዘየለ'ውን ተፈሊጡ።

እንተዀነ፡ ኣፈኛ ጣሊባን ዛቢሉላህ ሙጃሂድ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ኣመሓዳሪ "ብጸላእቲ እስልምና ብዝተጻወደ ነታጒ ተሰዊኡ" ኢሉ።

መርመራ ይካየድ ከም ዘሎ'ውን ሓቢሩ።

ሙዛሚል ኣመሓዳሪ ምብራቓዊ ዞባ ናንጋርሃር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣንጻር ዕጡቓት ኣብ ዝተኻየደ ስርሒታት መሪሕ ተራ ከም ዝነበሮ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ'ዩ ናብ ዞባ ባልክህ ተቐዪሩ።

ኣፈኛ ፖሊስ ናይቲ ዞባ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ነትጒ ኣብ ካልኣይ ደርቢ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ኣመሓዳሪ ከባቢ ሰዓት 9 ናይ ንጉሆ ከምዝተፈጸመ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ነትጒ ሓደ ካልእ ሰብ ክመውት እንከሎ፡ ሓያለ ካልኦት ቆሲሎም ኣለዉ።

"ቡም ምስ በለ፡ ናብ ባይታ ወዲቐ" ክብል ሓደ ካብቶም ኣብቲ ነትጒ ዝቖሰሉ ካሩዲን ንኤ-ኤፍ-ፒ ተዛሪቡ። ዓርኩ ኣብቲ ነትጒ ኢዱ ከምዝሰኣነ'ውን ሓቢሩ።

እቲ ኣመሓዳሪ ናብቲ ቤት ጽሕፈት እትው ምስበለ'ዩ ኣጋጢሙ።

ዘይተረጋገጹ ገለ ጸብጻባት፡ ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ከምዝነበረ ገሊጾም ኣለዉ።

ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ ሰብመዚ ጣሊባን ናይቲ ዞባ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ኣውራጃ ዝዀነት ማዛር-ኢ-ሻሪፍ ሸሞንተ "ዕጡቓትን ጨወይትን" ከም ዝቐተሉ ተዛሪቦም ነይሮም።

መን ምዃኖም ግን ብንጹር ኣይጠቐሱን።

ጉጅለ ጣሊባን ኣብ 2001 ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዮም፡ ድሕሪ 20 ዓመታት ኣብ ነሓሰ 2021 ተመሊሶም ስልጣን ተረኪቦም ኣለዉ።