ኲናት ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ከተማታት እታ ሃገር ሰፊሕ ደብዳብ ኣካይዳ

ኣባላት ምድሓን ነብሲ ኣብ ዝዓነወ መንበሪ ኣባይቲ - ወርሒ ለካቲት 2023

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሩስያ ኣብ መላእ ዩክረይን ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ብምክያድ ኣብ ከተማታት ካርኪቭን ኦዴሳን ንዝርከቡ መንበሪ ህንጻታትን ትሕተ ቅርጽን ከምዘዕነወት ሰበስልጣን ዩክረይን ገሊጾም።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘስዓበ ከባቢያዊ ኣመሓደርቲ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እዚ መጥቃቲታት ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ንእትርከብ ከተማ ባክሙት ንምቁፅፃር ንዝካየድ ዘሎ መሪር ውግእ ዝሰዓበ እዩ።

ኣብ ወደባዊት ከተማ ኦዴሳ ኣብ ዝርከብ መሳለጥያ ጸዓት ዝተፈጸመ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘስዓበ ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ማክሲም ማርቸንኮ ሓቢሩ።

መንበሪ ኣባይቲ እውን በቲ መጥቃዕቲ ዝዓነዉ ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወረደ ጕድኣት ከምዘየለ ወሲኹ ገሊፁ።

ሓላፊ ዞባዊ ምምሕዳር ካርኪቭ ኦሌግ ሲነጉቦቭ ኣብታ ከተማን ዞባኡን "ኣስታት 15" ደብዳብ ከምዝተኻየደ ተዛሪቡ።

"ኣገደስቲ ትካላት ትሕተ ቅርጺ"ን ሓደ መንበሪ ህንጻን ዒላማ ከምዝነበሩ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ደኒፕሮን ካልኦት ዞባታትን ተወሰኽቲ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተፈጸሙ ይግለፅ።

ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያ ኣሜሪካ ኣቭሪል ሄይንስ ፕረዚደንት ፑቲን ነቲ ኲናት ንዓመታት ከጓትቶ ውጥን ክህልዎ ከምዝኽእል ግን ድማ ሩስያ ኣብዚ ዓመት ዓበይቲ ሓደስቲ መጥቃዕትታት ክትጅምር እኹል ዓቕሚ ከምዘይህልዋ ብሮብዕ ሓሳብ ኣቕሪባ።

"ሰራዊት ሩስያ ኣብዚ ዓመት እዚ ዓበይቲ ግዝኣታት ክቆፃፀር ናብ ዝኽእለሉ ዓቕሚ ክምለስ ይረኣየና የሎን” ዝበለት እታ ዳይረክተር፤ ፑቲን ንነገራት ምስ ግዜ ብምትሕሓዝ ነቲ ኲናት እናጓተተ ዋላ’ውን ዓመታት እንተወሰደ ሃገሩ ኣብ ዩክረይን ዘለዋ ስትራተጂያዊ ረብሓታት ንምውሓስ ክፍትን ከምዝኽእል ኣረዲኣ።

ኣስዒባ፡ ሩስያ ነቲ ሕጂ ዝሓዘቶ ግዝኣታት ናብ ምክልኻል ክትምለስ ከምእትኽእል ብምግላፅ ኣብ ዩክሬን ንዝነበራ ስርሒታት ንምቕጻል’ውን ተወሳኺ "ግዱድ ወፍሪ ክተትን ካብ ሳልሳይ ወገን ዝቐርብ ተተኮስትን" ከምዘድልያ ተዛሪባ።

ሓይልታት ሩስያ ንፍርቂ ምብራቓዊ ክፋል ከተማ ባክሙት ከም ዝቆጻጸርዎ ኣብ ዝገልፁሉ እዚ እዋን ሰራዊት ዩክረይን ግን ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ንዝነበረ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ሩስያ ንድሕሪት ከም ዝመከቶ ይሕብር።

ሩስያ ንከተማ ባክሙት ክትቆፃፀር ንኣዋርሕ ክትጽዕር ዝጸንሐት ኮይና ክልቲኤን ወገናት ከቢድ ክሳራ ከም ዘጋጥሞም ይዝረብ።

ንከተማ ባኽሙት ዩክሬን ዝግበር ውግእ ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ካብ ዝጅምር ንደሓር ካብ 20 ክሳብ 30 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ከምዝተቐትሉ ወይ ከምዝተቖሰሉ ሰበስልጣን ምዕራባውያን ሃገራት ይገልጹ። እቲ ኣሃዛት ግን ብናጻ ምርግጋፅ ኣይተኽኣለን።