ኣእምሮኣዊ ርጉኡነት ንናይ ሞት ዕድልና ብ53 ሚኢታዊት ከምዘጉድሎ ተረጋጊጹ

ኣእምርኣዊ ርጉኡነት ምውናን ናይ ሞት ዕድልና ብ53 ሚኢታዊት ከምዘጉድሎ ተረጋጊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እናዓበና ምስ እንኸይድ እንስከሞ ሓላፍነት እናበዝሐ’ዩ ዝኸይድ። ጎኒ ጎኑ ከኣ ናብ ሞት እናቐረብና ንኸደሉ ዕድመ’ዩ።

ካብቲ ብሕማም ዝመጽእ ሞት ወጻኢ፤ ህይወትና ነዊሕ ዕምሪ ንኽህልዋ ዘኽእል ነገር ከምዘሎ’ዮም ተመራመርቲ ዝገልጹ።

ሓደ ሓድሽ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ካብ ዘጋጠመና ጋዕ-ገልጠም ህይወት፡ ሓዘንን ካልእ ንህይወተና ብኣሉታ ዝጸሉ ነገራትን ቀልጢፍካ ምውጻእ ንነዊሕ ናይ ምንባር ዕድልና ከምዘስፍሕ ይሕብር።

እዚ መጽናዕቲ እቶም ካብ ጸገማቶም ቀልጢፎም ዝወጽኡ ሰባት፡ ቀልጢፎም ናይ ምማት ተኽእሎኦም ብ53 ሚኢታዊት ከምዝንኪ የመልክት።

እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብ ኣዝዮም ብዙሓት ልዕሊ 50 ዝዕድሚኦም ሰባት’ዩ ተኻይዱ።

እቶም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ኣብ ልዕሊ 10 ሽሕን 569 ሰባት ን12 ዓመታት [ንገሊኦም ክሳብ ዝሞቱ] ብዘካየድዎ መጽናዕቲ’ዮም ነዚ ሓቂ ከረጋግጽዎ ክኢሎም።

እቶም ተመራምርቲ፡ ንርግኣት፡ ነብሰ ምጽንናዕ፡ ንጸገማት በይንኻ ምምካት ኣብ ዝብል ነጥብታት ሕቶ ብምድላው ንፍሲ-ወከፍ ሰብ ንጸገማት ናይ ምጽዋርን ጸገም ምስ ኣጓነፎም ካብ ጸገሞም ቀልጢፎም ኣብ ምውጻእ ዘለዎም ዓቕሚን ብምዕቓን ካብ 0 ክሳብ 12 ነጥቢ ሂቦሞም።

ነቶም ሰባት ብደረጃ ነጥቦም ኣብ ኣርባዕተ ጉጅለታት ብምምኽፋል ከኣ ነቶም ዝለዓለን ዝተሓተን ነጥቢ ዘለዎም ሰባት ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ክከታተልዎም ጸኒሖም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ብዝለዓለ ኣእምሮኣዊ ርግኣትን ካብ ኣሉታዊ ስምዒታት ቀልጢፍካ ብምውጻእን ዝልዓለ ነጥቢ ዘለዎም ሰባት ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመታት ዘለዎም ዕድል ሞት ብ53 ሚኢታዊት ዝውሓደ ከምዝኾነ ክርድኡ ክኢሎም።

እቶም ተመራምርቲ ንጸገማት ኣብ ምጽዋርን ኣእምሮኣዊ ርግኣት ንኽህልወናን ብዝተፈላለየ ረቋሕታት ከምዝጽሎ’ዮም ዝገልጹ።

ጾታን ሆርሞንን እቶም ቀንዲ ጸቅጢ ከጋጥመና እንከሎ ንእንህቦ ግብረ መልሲ ዝጸልዉ ረቋሕታት ከምዝኾኑ እቶም ተመራምርቲ ይሕብሩ።

እንተኾነ ኣብ ህይወትና እወታዊ ኣመለኻኸታን ብዘላና ምዕጋብን’ውን ካብ ዘጋጥመና ጸገማት ብቀሊል ንክንወጽእ ቀሊል ዘይብሃል ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ እቶም ተመራመርቲ የብርሁ።

ሓደ ካብ ኣዳለውቲ እቲ ምርምር ዝኾነ ቻይናዊ ሱን ያት ሰን ካብ ዩኒቨርስቲ ካሮሊነሰካ ስዊድን “እወታዊ ስምዒታት ምህላው ስነኣእምሮኣዊ ርግኡነት ንኽህለወናን ካብ ዘጋጥሙና ጸገማት ቀልጢፍና ንኽንወጽእን ኣዝዩ ሓገዚ’ዩ” ይብል።

ስነኣእምሮኣዊ ርግኡነት ምውናን ልክዕ ከምቲ ምስ ሓመምና ካብ ዓራት ተሲእና ቀልጢፍና ንክንንቀሳቀስ - ሞራል፤ ካብ ዘጋጠመና ኣእምሮኣዊ ስንባደ ቀልጠፍና ንኽንወጽእ ከኣ ስንኣእምሮኣዊ ማዕዳ ዘድልየና እወታዊ ስምዒታት ንክህልወና’ውን ሓገዛት ከምዘድልየና እቶም ተመራመርቲ ይምዕዱ።

ኣብ ህይወትና ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ፡ ድሕሪ ወርሒ ወይ ድሕሪ ዓመት ወረ ድሕሪ ደቂቕ’ውን እንታይ የጋጥመና ዋላ ኣይንፍለጥ፡ ንዘጋጥመና ጸገማት ብኸመይ ግብረ መልሲ ንህበሉ ግን ንጽባሕ ንኽንርእያ፡ ድሕሪ ዓመትን ልዕሊኡን ብህይወት ንክንነብር ኣዝዩ ጸላዊ ረቋሒ ምዃኑ እዞም ተመራመርቲ ይሕብሩ።

ኣእምሮኣዊ ርግኡነትን ካብ ዘጋጥም ጸጋማት ቀልጢፍካ ናይ ምውጻእ ዓቕሚ እንተኣኻዕቢትና ዋላ እቶም ከም መንሽሮሽኮርያሕማም ልቢን ዝበሉ ከበድቲ ሕማማት ዘለዎም ሰባት እንከይተረፈ ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመታት ክሞቱ ዘለዎም ተኽእሎ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ኣብ ምርምሮም ተሞርኲሶም ይገልጹ።

ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት እቶም 38 ሚኢታዊት ልዕኡል ጸጋምት ናይ ምጽዋርን ኣእምሮኣዊ ርጉኡነትን ዘለዎም ኮይኖም ምርካቦም ከኣ እቲ ካልእ እዞም ተመራመርቲ ዝረኸብዎ ብስራት’ዩ።

እወታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ልዕሊ እቶም ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ናይ ምንባር ተኽእሎ ካብ ሃለዎም ነዊሕ ንኽንነብር እወታዊ ኣተሓሳስባ ከነማዕብል ከምዘለና ከኣ ማዕድኦም ለጊሶም።