ብሕማም መርዘን ንዝሳቐዩ እፎይታ ዝህብ መድሃኒት ተረኺቡ

ርእሳ ዝሓዘት ጓል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብርቱዕ ሕማም መርዘን ዘለዎም ሰባት ብሰንኪ እቲ ሕማም መዓልታዊ ዕማማቶም ኣብ ምክያድ ዓቢ ብድሆ’ዩ ዘጋጥሞም።

እቶም ሕማም መርዘን ዘለዎም ሰባት ነቲ ብርቱዕ ቃንዛ ርእሲ ዘስዕብ ሕማም ቅድሚ ምጅማሩ ዘለዎ ምልክታት እንተኣላልየሞ ግን ብቐሊሉ ብኸኒና ክፍወስ ከምዝኽእል ሓዲሽ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

እቲ ንሕማም መርዘን ፈውሲ ክኸውን ተሰሪሑ ዘሎ ከኒና ኡብረጎፓንት [ubrogepant] ዝብሃል ኮይኑ ኣብ ኣመሪካን ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ንኣገልግሎት ክውዕል ፈቓድ ረኺቡ ኣሎ።

እቲ ከኒና፡ ሕማም መርዘን ዘለዎም ሰባት ገና ምልክታት እቲ ሕማም ክጅምሮም እንከሎ ዝወስድዎ ኮይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ምልክታት ሕማም መርዘን ናብ ዝልዓለ ቃንዛ ከይማዕበለ እንከሎ ዝከላኸል’ዩ።

ሕማም መርዘን ዘለዎም ሰባት መጀመርታ ብርሃንን ድምጽን ምጽላእ፡ ድኻም፡ ቃንዛ ክሳድን ምትራር ጭዋዳታትን ከምኡ ከኣ ጽርውሩው ምባልን ዝኣመሰለ ምልክታት’ዩ ዝርኣዮም።

እቲ ሕማም ኣብ ከምዚ ደረጃ እንከሎ እቲ ከኒና እንተወሲደሞ ከኣ እቲ ምልክታት ናብ ምሉእ ሕማም መርዘን ከይማዕበለ ከምዝቑረጽ እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

እቲ መድሃኒት ብኸመይ’ዩ ዝሰርሕ?

ኡብረጎፖንት ዝተብሃል ከኒና ሲጂኣርፒ [calcitonin gene-related peptide] ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ፕሮቲን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣለዎ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ፕሮቲን ኣብ ሓንጎል ደቂ ሰብ መርዘን ናይ ምልዕዓል ዓቕሚ ዘለዎ’ዩ።

ነዚ መጽናዕቲ ብመሪሕነት ዘካየደን ኣብ መጽሄት ፒር ሪቪውድ ዘሕተመን ክኢላ ስነ መትኒ ደክተር ሪቻርድ ቢ ሊፕተን “ሕማም መርዘን ሓደ ካብቶም ብደረጃ ዓለም ክንከላኸሎም እንኽእል ዓይነታት ሕማም’ዩ፡ እንተኾነ እቶም ብሕማም መርዘን ዝሳቐዩ ሰባት ግቡእ ሕክምና ኣይውሃቦምን’ዩ ንሶም’ውን በቲ ዝውሃቦም ሕክምና ዕጉባት ከምዘይኮኑ’ዩ እቲ ዘካየድናዮ መጽናዕቲ ዝሕብር” ይብል።

ዲክተር ሪቻርድ ቢ ሊፕተን ብምስዓብ “በቲ ዘካየድናዮ መጽናዕቲ ከኒና ኡብረጎፓንት ሕማም መርዘን ንዘለዎም ሰባት ዝፍውስን መዓልታዊ ብዘይ ስክፍታ ስርሖም ንኽሰርሑን ዘኽእል’ዩ” ይውስኽ።

ዶክተር ሪቻርድ ቢ ሊፕተንን ጉጅልኡን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ሕማም መርዘን ንዝተረኣዮምን ኣብ ወርሒ ካብ ክልተ ክሳብ ሸሞንተ ግዜ ሕማም መርዘን ኣብ ዝመላለሶምን 518 ወለንተኛታት’ዮም መጽናዕቲ ኣካይዶም።

ኩሎም እቶም ብወለንተኦም ኣብቲ ምርምር ዝተሳተፉ ግዳያት ሕማም መርዘን ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሰዓታት ብምልክታት ይጅምሮም ከምዘሎ ከምዝፈልጡ ገሊጾም።

ካብዚ ብምብጋስ ሕማም መርዘን ክጅምሮም ምዃኑ ምልክታት ምስ ተረኣዮም ከኒና ኡብረጎፓንት [ubrogepant] ንኽወስዱ ተሓቢርዎም።

ከኒና ኡብረጎፓንት ምስ ወሰዱ እንታይ ከምዝተሰመዖም ኣብ ወረቐት ከስፍርዎ’ውን መምርሒ ተዋሂብዎም።

ካብቶም ከኒና ኡብረጎፓንት ዝወሰዱ እቶም 73 ሚኢታዊት ድሕሪ ክልተ ሰዓታት እቲ ምልክታት ናይ ሕማም መርዘን ከምዝገደፎምን ንጥፈታቶም ብዘይጸገም ከካይዱ ከምዝኸኣሉ ሓቢሮም።

ድሕሪ 24 ሰዓት እቶም 65 ሚኢታዊት ምሉእ ንምሉእ እቲ ምልክታት ሕማም መርዘን ከምዘይተሰመዖም ኣነጺሮም።

እንተኾነ እዚ ከኒና እዚ ነቶም ሕማም መርዘን ቅድሚ ምጅማሩ ምልክታቱ ንዘላለይዎ ጥራይ’ዩ ዘገልግል፤ እቶም ምልክታቱ ከይተረድእዎ ብርቱዕ ሕማም መርዘን ዝጅምሮምን ብርቱዕ ቃንዛ ርእሲ ዘለዎ ሃንደበታዊ መርዘን ንዝልዓሎምን ግን ውጽኢታዊ ኣይኮነን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ክኢላታት ስነ መትኒ እዚ ከኒና ምልክት ተስፋ’ዩ ብምባል ገሊጾሞ ኣለዉ።

ኣብቲ መጽናዕቲ ዘይተሳተፈ ኣብ ፔን ስቴት ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ሜዲሲን ክፍሊ ኒውሮሎጂ ፕሮፌሰርን ምክትል ኣቦ መንበር ክሊኒካዊ ጉዳያትን ዶክተር ስቲቨን ሮስ ንቢቢሲ ሳይንስ ፎከስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እዚ ንሕሙማት መርዘን ዘሐጉስ ዜና'ዩ። መርዘን ቅድሚ ኣብ ከቢድ ቃንዛ ምብጽሑ ክትከላኸሎ ምኽኣል ንዝኾነ በዚ ሕማም ንዝሳቐ ሰብ ተስፋ ዝህብ’ዩ” ኢሉ።