ትግራይ፡ 'ተስፋ ኣሎ ኢልካ ዝውሰድ ነገር የለን'- ብደርቂ ዝተጠቕዓ ከባቢታት

ምንጪ ስእሊ, AG
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዝተኸሰተ ደርቂ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን እንስሳን ከቢድ ሓደጋ ጥምየትን ሞትን ይስዕብ ከም ዘሎ ኣመሓደርቲን ነበርቲን ይገልጹ።
ኣብዚ እዋን፡ 170 ጣብያታት ብደርቂ ከም ዝተጠቕዓ ሰብ መዚ እቲ ክልል ኣፍሊጦም።
ጐቦን ሽንጥሮን ኣብ ዝበዝሖ ኣቀማምጣ መሬት፡ 4112 [ኣርባሕተ ሽሕን ሚእትን ዓሰርተ ክልተን] ሰባት ይነብሩ።
ኵሎም፡ ገባሮ ኰይኖም፡ መነባብሮኦም ኣብ ሕርሻን ምርባሕ እንስሳን ዝተሞርኰሰ እዩ።
እዚ ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ቆላ ተምቤን ጣብያ ያቔር ዝነብር ህዝቢ፡ ዝዀነ መሰረተ ልምዓት ስለ ዘይበሉ፡ ነታ ዝሰትያ ማይ ንምርካብ'ኳ፡ ሸሞንተ ሰዓትን ልዕሊኡን ብእግርን ኣድግን እዩ ዝጉዓዝ።
ኣብ ዙርያ እታ ጣብያ ዝርከቡ ክልተ ሩባታት -ተከዘን ገረብ ግባን- ነቲ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ብደርቂ ዝተጠቕዐ ህዝብን ጥሪትን እታ ጣብያ ክዕንግሉ ኣይክኣሉን።
ብሰንኩ ድማ፡ ድሮ ሸውዓተ ህጻናት ዝርከብዎም 22 ሰባት ብጥምየት ሞይቶም ከም ዘለዉ፡ ምምሕዳር እታ ወረዳ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ነበርቲ፡ ዝነበራኦም ጥሪት ሸይጥና ንኸይንዕንገል ይሞታን፡ ዝሓዝናዮ ገንዘብ ይውዳእን'ዩ ዘሎ ይብሉ።
"ቋሕ እንተበልና መሬት፡ ቋሕ እንተበልና ሰማይ ኰይኑ፤ ኣእዱግ ተወዲአን። ደቂ ተባዕትዮ ደቅና'ውን ከይሕግዙና ኵሎም ወጺኦም ከይዶም። ሞትና'ውን ዘልዕለና የለን፡" ክብሉ ገባራት እታ ጣብያ ንተለቪዥን ትግራይ ተዛሪቦም።
ቢቢሲ ካብ ቤት ጽሕፈት ጽላት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ ደርቂ 13 ሽሕ ጠለ-በጊዕ፡ 900 ኣእዱግ፡ 200 ኣናህብ ዝርከቡዎም 27 ሽሕ እንስሳ ሞይቶም ኣለው።
"ብድምሩ ኣብ ሰብን እንስሳን ከቢድ ሓደጋ ሞት እዩ ዝስዕብ ዘሎ፡" ይብል ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ጐይትኦም ገብረሃዋሪያ።
ካብቲ ከባቢ ዝወጽኡ ምስሊታት፡ ህጻናት ቈርበት ሰብነቶም ቈሲሉ እናበኸዩ፡ ኣረጋውያን ብድኻም ኣብ ገዛኦም ተዀርምዮም፡ ከብትን ኣእዱግን ሰብነተን ጐድጒዱ፡ ጐልጐል ተሓራሳይ መሬት ሰኣን ማይ ፋሕሽዩ የርእዩ።
ኣብ ጣብያ ያቔር፡ 700 ሄክታር ተሓራሳይ መሬት እኳ እንተሃለወ፡ እዚ መሬት ካብ ግንቦት ክሳብ ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝዀነ ዓይነት ዝናብ ኣይረኸበን።
"ሰለስተ ግዜ ተሓሪሱ፡ ተዘሪኡ። ንሰብ ይዅን ንእንስሳ ዝኸውን ዘርኢ ግን ኣይሓዘን፡" ይብል ኣቶ ጐይትኦም።
ካልኦት ኣብ ዙርያ እታ ጣብያ ዝርከባ ጐረባብቲ ጣብያታት'ውን ንተመሳሳሊ ጸገም ዝተቓልዓ ምዃነን ሓለፍቲ እቲ ወረዳ ይገልጹ።
ኣመሓዳሪ ገ/ጀወርግስ ተጠምቀ፡ ጣብያ ያቔር ወትሩ ደራቒ ምዃኑን ኣብ ኣዝመራ ግዜ'ውን እንተዀነ ዝኸፍአ መነባብሮ ዝነብር ህዝቢ ዘለወሉ ጣብያ ምዃኑን ገሊጹ።
400 ኵንታል ጣፍ ናብታ ወረዳ ኣታዊ ኰይኑ ኣሎ ዝበለ ኣቶ ጐይትኦም፡ "ክንህብ ኢና ካብ ዝብል፡" መብጽዓ ወጻእ ግን ክሳብ ሕጂ ብጭቡጥ ናብታ ጣብያ ዝኣተወ ሓገዝ ከም ዘየለ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ሎሚ ጀሚሩ ሓገዝ ክልእኽ ድማ ትጽቢት ይግበር።
'ሳዕሪ ሒዝናለን ንመጽእ . . . ይሞታ'
ኣብ ወረዳ ላዕላይ ጸለምቲ ዝርከባ ጣብያታት፡ ካልኦት ኣብታ ክልል ብደርቂ ካብ ዝተጠቕዓ ጣብያታት እየን።
ኣብዚ እዋን፡ እቲ ደርቂ ንኣስታት ሽዱሽተ ጣብያታት እታ ወረዳ ኣጥቂዑ ከም ዘሎ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ከም ወረዳ ብጠቕላላ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ጀሚሩ ናይ ዝናብ ሕጽረት ዘለዎ እዩ፤ ሕጂ ብዝገደደ ግን ንሰለስተ ጣብያታት ዘጥቕዐ ኰይኑ ኣሎ፡" ይብል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዘፈር ቍጠባ እታ ወረዳ ኣቶ ኣለምሸት።
ኣብታ ወረዳ ዝርከባ ጣብያታት፡ ካብ ግንቦት ጀሚሩ ዝናብ ኣይረኸባን።
በዚ ምኽንያት ደርቂ ክኽሰት እንከሎ፡ ልዑል ሕጽረት ቀለብ ሰብን እንስሳን ተሳኢኑ ኣሎ።
ወረዳ ላዕላይ ጸለምቲ፡ ብሰንኪ ድኽነትን ሕጽረት ፍርያምነትን ንዓመታት ብሰፍትነትን ሓገዝ ገበርቲ ሰናይን ኣብ ዝርከብ ሓገዛት ጽግዕተኛ ኰይኖም ካብ ዝጸንሑ ከባቢታት እቲ ክልል እዩ።
እንተዀነ እዚ ሓገዛት፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ መንጐ መንግስቲታት ፈደራልን ትግራይን ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ፡ ደው ኢሉ ይርከብ።
እቲ ኲናት፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ደው ከም ዝበለ ይፍለጥ። እንተዀነ፡ ብዙሓት በቲ ኲናት ዝተሃሰያ ከባቢታት ግቡእ ሓገዛትን መሰረተ ልምዓትን ኣይረኽባን ዘለዋ።
"እዚ ሓገዝ ንዝሓለፉ ዓመታት ደው ኢሉ ኣሎ፤ ብሰንኩ ድማ ሓያሎ ጸገማት እዩ ክፍጠር ጸኒሑ። ብዝኸፍአ ድማ እቲ ደርቂ ዝኸፍአ ጸገማት ኣስዒቡ ኣሎ። መብዛሕትኡ ተስፋ ቘሪጹ ክስደድ ጀሚሩ ኣሎ። ብኸባቢ ሜዳ ኣስታት 120 መራሕቲ ስድራን 280 እንስሳትን ተሰዲዶም ኣለዉ። ብተደጋጋሚ ንግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ሓቲትና ኢና፤ መፍትሒ ዝተዋህቦ ግን ኣይኰነን፡" ኢሉ ኣቶ ኣለምሸት።
እንስሳት፡ መገረም ብዝበሃል ሕማም ይጥቅዓን ካልኦት ውሽጣውን ደጋውን ሕማማት ይፈጥራን ከም ዘለዋ ዝገልጽ ኣቶ ኣለምሸት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ 807 ከፍቲ ከምኡ'ውን 8351 ጠለ-በጊዕ ከም ዝሞታ ሓቢሩ።
"ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ክታበት ኣይረኸባን፤ ኣገልግሎት ሕክምና'ውን የለን። እዚ ደርቂ ምስ ተወሰኾ ክጻወርኦ ኣይክኣላን። በዚ ምኽንያት እየን እንስሳት ብብዝሒ ዝሞታ ዘለዋ።"
እቲ ወረዳ፡ ደራቒ ከባቢ ብምዃኑ፡ ኣብ ሕሉፍ ከምዚ ዓይነት ጸገማት እንተጋጥም፡ ነበርቲ ጥሪቶም ናብ ከባቢ ተከዘን ዋልድባን ዝወስድሉ ኵነታት እዩ ዝፍጠር ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ግን፡ ብፍላይ ድሕሪ'ቲ ኲናት ብዝተፈጥረ ዘይርጕጽ ሃዋሁ፡ ምንቅስቓስ ሰብን እንስሳን ተደሪቱ እዩ ዝርከብ።
"ገባሮ፡ ከምዚ ገጢሙና ኣይፈልጥን፡ ሕጂ እቲ ዝኸፍአ እዩ እዮም ዝብሉ። ምዕባረን ጥራይ ዘይኰነ ቈጽሊ፡ ሳዕሪ ሒዝናለን ክንመጽእ ከለና ሽዑ ንሽዑ እየን ዝሞታ'ዮም ዝብሉ። እቲ ምምሕዳር [ክልል] ክንሓቶ ከለና መንግስቲ ፈደራል'ዩ ዝፈትሖ ይብለና፤ ቢሮ ሕርሻ'ውን ንሓትት ኢና ዘለና፡ ግን መልሲ ኣይረኸብናን እዩ ዝብል፡" ኢሉ።
ክሳብ ሕጂ፡ ብሰንኪ እቲ ደርቂ ኣብ ሰብ ዘጋጠመ ሞት ከም ዘየለ ኣቶ ኣለምሸት ሓቢሩ።
"ንሕና ከም መንግስቲ እነንቀሳቐሶ ነገር የለን፣ ከም ነበርቲ ኢና ተቐሚጥና ዘለና። መካትዒ ቦታ ስለ ዝዀነ ብሰራዊት ምክልኻል እዩ ዝመሓደር። እቲ ዝምልከቶ ኣካል ግን ምስ ፈደራል ተዘራሪቡ እዚ ህዝቢ እዚ ኣካል ኢትዮጵያ ስለ ዝዀነ፡ ክሕግዞ ኣለዎ። መንግስቲ ድጋፍ እንተዘይገይሩ ካልእ ተስፋ ኣሎ ኢልካ ዝውሰድ ነገር ኣይኰነን፡" ይብል።
ኮምሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣትን ድልውነትን እቲ ክልል፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 170 ጣብያታት ብደርቂ ተጠቒዐን ከም ዘለዋ ኣረጋጊጹ።
እዚ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ጠልን ዋሕዲ ዝናብን ዝተኸሰተ ምዃኑ ድማ ኣመልኪቱ።
ናብታ ዝኸፍአ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ ኣሎ ዝተባህለት ጣብያ ያቔር፡ ንኽልተ ኣዋርሕ ዝኸዉን 1200 ኵንታል እኽሊ ይጓዓዝ ከም ዘሎ ድማ፡ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዶ/ር ገብረህይወት ገ/ሄር ተዛሪቡ።
ኣብ ትግራይ፡ ኣብ 2016/17 [ግ]፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮ ምዃኑ ጸብጻባት እቲ ክልል የመልክቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







