ካብ ኣናጹ ናጻ ክትከውን ወፍሪ ዝኣወጀት ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃይ-ቪስ ጃኬት ዝተኸድኑ ወለንተኛታት፡ ኣናጹ ዝፈትወኦ ዝቕባእ ፉል - ከምኡ'ውን መርዚ ተዋሂብዎም ኣሎ።
ነፍሲ ወከፎም መጻወድያታት ሳጹናትን ዝምርምሩሉ መሳርሕን ተመዲብሎም ኣሎ።
"ጽቡቕ ዕድል ብጾት" ይብል ነታ ጉጅለ ዝመርሕ ዳን ኮፕ።
ናይ 'ጂፒኤስ' መተግበሪ፡ ብማእከል ጫካ ኣቢሉ ናብቶም ኣብ መስመሩ ዘለዉ ከባብታት ይመርሖ።
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ነቲ ኣብቲ መተግበሪ ዘሎ ሓበሬታ የሐድሶ። ዋላ ሓደ’ውን ምልክታት ኣናጹ ዘርኢ የለን።
ንመሬት ርስሓትን ካልእ ኣፋፍኖትን ንምርካብ ክድህስስ ከሎ ግን ቴለፎኑ ይንቀጥቀጥ።
ሓደ ኣባል ኣብ ዋትስኣፕ ጉጅለኦም ምስሊ ለጢፉ ኣሎ፡ ኣብ መጻወድያ ዝሞተት ኣንጩዋ እዩ።
እዚ ጽቡቕ ዜና ኣይኮነን። "ዴቭ ምሓዙ ጽቡቕ ክስምዖ'ዩ፡ ንሕና ግን ገና ኣናጹ ምህላወን ጓሂ ይስምዓና" ይብል ዳን ኩፕ።
ኣናጹን ካልኦት ተጓዳእቲ እንስሳታትን ምጥፋእ ንሚራማር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኒውዚላንዳዊ ዕላማ እዩ።
መንግስቲ እቲ ዕማም ክሳብ 2050 ክዛዘም ትጽቢት ኣለዎ።
ብርግጽ፡ ነዊሕ ትእዛዝ እዩ።
እቲ ዝዓበየ ኣናጹ ዝርከባሉ ግዝኣት ደቡብ ጆርጅያ ኮይኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ኣትላንቲክ እትርከብ 170 ኪ.ሜ ዝንውሓታ ደሴት እያ።
ተዓዘብቲ ዕቃበ ኒውዚላንድ ከምዝብልዎ፡ እቲ ዕማም ኣብ ክንዲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣክል ከባቢ እዩ ክትግበር ዝፍተን ዘሎ።
ካልኦት ድማ ግብራውን ስነ-ምግባራውን ጸገማት የልዕሉ ኣለዉ።
ኣብ ሕመረት ናይቲ ፕሮጀክት ፍሉይ ስነ-ህይወት ኣሎ።
ኒውዚላንድ ቅድሚ 85 ሚልዮን ዓመታት ካብ ሓንቲ ጥንታዊት ኣህጉር ከምዝተፈንጨለት እዩ ዝንገር።
እዚ ድማ ቅድሚ ምምጻእ መጥበውቲ እንስሳት ነዊሕ እዋን እዩ።
ኣዕዋፍ፡ በላዕቲ እንስሳታት ብዘይምህላወን ኣብ መሬት ሰፈር ክገብራ ወይ ከይነፈራ ክሰርሓ ይኽእላ ነበራ።
ካብዚ ሓሊፉ ኒውዚላንድ፡ እታ ናይ መወዳእታ ብደቂ ሰባት ዝተሰፈረት ዓባይ መሬት እያ።
ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ፖሊነዥያውያን ኣእዋምን ኣናጹን ካብ ፓስፊክ የምጽኡ ነበሩ።
ድሕሪ ሽዱሽተ ክፍለ ዘመን፡ ኤውሮጳውያን ንዓቕሚ ዘይብለን ኣዕዋፍ ዝድረሩ ዓበይቲ መጥበውቲ ኣተኣታትዮም።
ኣብቲ ከበቢ ሰብ ክሰፍር ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ዳርጋ ሲሶ ካብቶም ጥንታውያን ዓሌታት ጸኒቶም ኣለዉ።

ነቶም ዝተረፉ ኣዕዋፍ ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ግን ሓድሽ ኣይኮነን።
ኣብ 1960ታት፡ተጣበቕቲ ስነ ኣከባቢ፡ ንገለ ኣሽቱ ደሴታት ካብ ኣናጹ ናጻ ክገብርወን ክኢሎም።
ምምካት በላዕቲ እንስሳታት ግን ክሳብ ከባቢ 2010 ማሕበራዊ ተርእዮ ኣይነበረን።
"ሕዚ ሃገራዊ ሰንደቕ ኮይኑ ኣሎ" ይብል ጀምስ ራስል ዝተባህለ ናይ ኦክላንድ ዩኒቨርሲቲ ተመራማሪ ስነ ህይወትን መሪሕ ናይቲ ኣብ 2050 ክዛዘም ዝተወጠነ ፕሮጀክትን።
ሓደ ረቛሒ፡ ምምጻእ ዘመናዊ ካሜራታት [ኢንፍራሬድ] ምዃኑ ራስል ይዛረብ።
ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን እቶም ገዘፍቲ ሃደንቲ እንስሳታት፡ ከምኡ’ውን፡ ከም ሓራምዝን ኣጣልን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ በላዕቲ ሳዕሪ እዮም ዒላማ ነይሮም።
ካብ 2000ታት ጀሚሩ ግን ኣፍቀርቲ እንስሳ ዘገዳም ንኣሽቱ መጥበውቲ ብለይቲ እንታይ ከም ዝገብሩ ከርእዩ ክኢሎም።
ኣናጹ፡ ዝወደቑ እንቋቑሖታትን ናእሽቱ ጨቓዊትን [ኣዕዋፍ] ከሃድኑ ዘርኢ ምስልታት ብሰፊሑ ተኻፊሉ።
"እቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ምልዕዓል ዝፈጥር እዩ ነይሩ" ይብል ራስል።
ኣብቲ እዋን ሓደ ተመራማሪ ስነ-ህይወት፡ ኒውዚላንድ ኣብ ዓመት 26 ሚልዮን ኣዕዋፍ ብሃደንቲ እንስሰሳት ትስእን ከምዘላ ገሚቱ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ 2011 ሓደ ፍሉጥ ተመራማሪ ፊዚክስ ሰር ፖል ካላጋን፡ ካብ ተጓዳእቲ እንስሳ ነጻ ዝኾነት ሃገር ምፍጣር ዝብል ሕልሚ ኣቃሊሑ።
ራስልን ካልኦት ውፉያት መንእሰያት ዕቃበን፡ እኹል ወፍርን ምልዕዓልን ኣብ ግምት ብምእታው ክትግበር ከም ዝኽእል ይምጉቱ ነበሩ።
ድሕሪኡ ፖለቲከኛታት’ውን ስዒቦምዎም።
ኣብ 2016 ሓደ ሕጊ ንምጥፋእ ዝኸፍኡ ተጓዳእቲ እንስሳታት ዝጸደቐ ኮይኑ፡ እቶም ሰለስተ ዓይነት ኣናጹ (ኣንጭዋ ፓሲፊክ፡ ኣንጭዋ-መርከብ ፡ ኣንጭዋ ኖርወይ)፡ ሙስተሊድስ (ስቶትስ፡ ዊዘል፡ ፈረት)ን ፖሰምን ዝባሃሉ ይርከብዎም።
መፋርቕ ክፍለ ዘመን [2050] ከም ኣነቓቓሒ ናይ መወዳእታ ግዜ ተመሪጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብቶም እቶም ፕሮጀክትታት ዝተወጠነላ፡ ሓንቲ 200 ሽሕ ህዝቢ ዝነበረላ ከተማ ወሊንግተን ተስፋ ዝተገብረላ እያ።
ኣብ ውዑይ ቦታታት ካሜራታት ተተኺለን ኣለዋ። ዳይረክተር ‘ፕሪደተር ፍሪ ዌሊንግተን’ ጀምስ ዊልኮክስ፡ "ዝኾነ ኣንጭዋ እንተተራእዩ፡ ኣባል እቲ ጉጅለ መሳርሒኡ ኣበይ ከቐምጥ ከም ዘለዎ ይፈልጥ'ዩ" ይብል።
ነፍሲ ወከፍ ሞይቱ ዝተረኽበ ኣንጭዋ ንምርመራ ናብ ቤተ ፈተነ ይለኣኽ።
እዚ ወሳኒ እዩ፤ ምኽንያቱ እቲ መርዚ/መድሃኒታት፡ ብዲዛይን ቀስ ኢሎም ዝቐትሉ'ዮም።
ኣናጹ በላሕቲ ማሕበራዊ እንስሳታት ኮይኖም፡ ካብ ዝጎድእዎም ነገራት ብኸመይ ከምዘምልጡ ይፈልጡ እዮም። ዝሞቱ መሲሎም ከጽቅጡ ይኽእሉ።
ዝተመርዘ ኣንጭዋ ኣብ ዝሞተሉ እዋን፡ ፕሪደተር ፍሪ ዌሊንግተን ውጽኢታዊነቱ ንምክትታል እቲ መርመራ ሬሳ የድልዮ።
"ብመርዛም ነገራት ተቐቲሎም እንተኾይኖም ንምርኣይ ኢና ቆሪጽናዮም" ይብል ዊልኮክስ። "ክንርዳእ እውን ኣለና፡ ተባዕታይ ድዩ፡ ኣንስተይቲ ድያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድዩ ተባዚሑ? ሓንቲ ኣንጭዋ ዲና ንሃድኖ ዘለና ወይስ ስድራቤት ኣናጹ?"
ሚራማር ኣብ መጥቃዕቲ እታ ከተማ ኣንጻር ጎቦጥቲ እንስሳታት ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ጸኒሓ እያ።
ሕጂ ኣብቲ ሓውሲ ደሴት፡ ኣንጭዋ ሳሕቲ ዝረኣዩ ኮይኖም ብዙሓት ተወለድቲ ኣዕዋፍ ድማ ተመሊሶም ኣለዉ። እቲ ኣብ 1990 ኣብ ዌሊንግተን ቁጽሮም ናብ ውሑዳት ጽምዲ ጥራይ ወሪዱ ዝነበረ ዓሌት ቱይ፡ እቲ ፍሉይ ድምጹ ኣብ ኩሉ ቦታታት ይስማዕ ኣሎ።
"ኣብ ድሕሪት ጀርዲንና ሕጂ ቱይ ኣለና" ይብል ንነዊሕ እዋን ነባሪ ሚራማር ዝዀነ ፖል ሄይ።
"እቲ ህይወት ኣዕዋፍ ፍጹም ተመሊሱ'ዩ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት።"
እቲ ኣብ እታ መላእ ከተማ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ካብቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዌሊንግተን ፈላሚ ዝኾነ ናይ ዕቃበ ኣምር ይጥቀም፤ ካብ ኣናጹ ናጻ ዝዀነ ከባቢ ድማ ይሕጸር።
ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ከተማዊ ስነ-ህይወት መዕቆቢ ኣብ 1999 ካብ ማእከል ከተማ ሓደ ማይል ርሒቑ ቱይ ብበዚሒ እንከሎ ዝተኸፍተ እዩ።

ሕጂ ዚላንድያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ብ8 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ሓጹር ይሕሎ። በጻሕቲ ቦርሳታቶም ተፈቲሹ፡ ብመዕጸዊ ኣየር ዝመስል ክልተ ማዕጾ ዘለዎ መከላኸሊ ክሓልፉ ኣለዎም።
ብድሕሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽኑዕ ስጉምትታት ባዮሴኩሪቲ፡ ኣብ ሓደ እዋን ብርቂ ዝነበራ ኣዕዋፍ ብህይወት ጸኒሐን ጥራይ ዘይኮናስ፡ ናብ ከባቢአን ዝርከባ ከባቢታት ይዝርግሓ ኣለዋ።
ሕጂ ኣብ ከባቢ ኒውዚላንድ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ብሓጹር ዝተኸበቡ መዕቆቢታት ኣለዉ። እቲ ዝዓበየ ብሩክ ዝበሃል ኣብ ደቡባዊ ደሴት ኣብ ዝርከብ ኔልሰን ዝርከብ ዳርጋ 700 ሄክታር ዝሽፍን ኮይኑ፡ ካብ ዚላንድያ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዓቢ እዩ።
ኣብ 2016 ንሃደንቲ ዝከላለኸል ሓጹር ካብ ዝትከል ሓደ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ ከባቢ ካብ ባልዕ ተጸሪጉ። ሕጂ እቲ ብድሆ፡ ዝኾነ ሰብ ከምዘይኣቱ ምርግጋጽ እዩ።
ቀጻሊ ንቕሓት እቲ ሕመረት እዩ። ሓደ ኣንጭዋ ብጌጋ ብሓንቲ ዑፍ ሃዳናይ ክወድቕ ይኽእል እዩ፤ ገረብ ኣብ ሓጹር ክወድቕ ይኽእል እዩ፣ በዚ ኸኣ ሓንቲ ኣንጭዋ ክትኣቱ ትኽእል እያ።
ዝኾነ ይኹን ኣብ ሓጹር ዝበጽሕ ጉድኣት ነቲ ናይ መጠንቀቕታ ስርዓቱ ከመልክት እዩ።
"ኣብ ፍርቂ ለይቲ 'ኣላርም' እንተተሰሚዑ ሓደ ካባና ኣብኡ ተንሲእና ክንርኢ ኢና" ይብል ኒክ ሮብሰን፡ ኣካያዲ ስርሒታት ብሩክ።
ካሜራታትን ናይ ቀለም መሸፈኒታትን ንሰራሕተኛታት ዝኾነ ይኹን ወራር የጠንቅቑ። እቲ ናይ መወዳእታ መፍለጢ መሳርሒ፡ ከምኡ’ውን እቲ ዝኸፍአ ጸላኢ ናይቲ በላዒ፡ እቲ ዝበለጸ ዓርኪ ወዲ ሰብ እዩ።
"ኣኽላባት ንገለ ባልዓት ንምፍላጥን ንኻልኦት ሸለል ንምባልን ብፍሉይ ዝሰልጠኑ እዮም" ይብል ሮብሰን። "ከልቢ ንሓንቲ ኣንጭዋ ክፈልጣ ዝኽእል ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ መሳርሒታትና ግን ከምኡ ኣይገበሩን።"
ድሮ ካብ በላዕቲ ነጻ ዝኾና ኣብ ቀረባ ዝርከባ ንኣሽቱ ደሴታት ድልዱል ምክልኻል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣናጹ ንፍርቂ ማይል (800 ሜትሮ) ክሕንብሱ ይኽእሉ እዮም፦ ካብቶም መዕቆቢታትን ካብተን ዘዕቆብወን ኣብ ሓደጋ ዝርከባ ኣዕዋፍን ምርሓቕ ቀጻሊ ቃልሲ እዩ።
ገንዘብ መንግስቲ ሓጊዙ እዩ። ብመሰረት መደብ 2050 ክዛዘም ዝተመስረተ ፕሮጀክት ፕሪደተር ፍሪ ራኪዩራ፡ ክእለት፡ ዝኽፈሉ ሰራሕተኛታትን ከም ባዕሉ ዳግማይ ዝጽዕኑ መጻወድያታት ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ መሳርሒታትን ኣቕሪቡ። እዚኦም ንዝኾነ ዝቐርብ ኣንጭዋ ርእሲ ጨፍሊቖም ይድርብይዎን።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እታ ሃገር እንኮላይ ተምሃሮ ዘሳተፈ ወለንተኛታት የዋፍሩ ኣለዉ።
ነቲ ኣብ 2050 ዝዛዘም ፕሮጀክት ሳይንሳዊ ደገፍ ንምሃብ ብዙሕ ዝገበረ ተመራማሪ ስነ-ህይወት ጀምስ ራስል፡ ኣብ ከባቢኡ ዝግበር ስትራተጂታት ትርጉም የብሉን። "እቲ ዕላማ ዘይብሉ፡ ከም’ቲ ናይ ትማሊ ልሙድ ’ዩ" ክብል የንጸርጽር ኣሎ።
ምጥፋእ ኣናጹ ቀሊል ኣይኰነን ግን፡ "ሓንሳብ ትኸፍሎ ዋጋ እዩ፤ ካብኡ ንዘልኣለም ይኽሐሰካ"።
ራስል ክሳብ ሕጂ ነቲ ስራሕ ከመይ ጌሩ ከም ዝውድኦ ዝፈልጥ ሰብ ከምዘየለ ይኣምን።
ዘበነዊ ቴክኖሎጂ፡ ቀጻሊ ወፍሪ ኣብ ዝቕጽሉ 27 ዓመታት እንታይ ክበጽሕ ከም ዝኽእል መን ይፈልጥ?
እንተ ንሞራላዊ ተቓውሞ ግን ተሪርን ቅልጡፍን መልሲ የለን። ዝተሓላለኸ ስነ-ሞጎት ምምዛን ናይ ውልቀ-ሰባትን ሕብረተሰባትን ኣሎ።
ኒውዚላንዳውያን፡ ንገለ ዓይነታት ንምድሓን ንኻልኦት መስዋእቲ ምግባር ቅኑዕ ስራሕ ምዃኑ ብሓባር ከምዝወሰኑ ራስል ይዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







