እንስሳታት ዝድቅሱሉ ዘይልሙድ ኣገባባት

ምንጪ ስእሊ, George Karbus Photography|Getty
ኣብዛ ምድሪ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ድቃስ ዘለዎም ፍጥረታት ኣለዉ።
ገለ ካብዚኦም ዘምባዕዘዙ፣ ዝሓልሙ፣ ቀምታ ዝድቅሱን ከምኡ’ውን ከም ዳርጋ ዝሞቱ ኮይኖም ዝድቅሱን እዮም።
ገሊኡ ኣዝዩ ዘደንቕ ሜላታት ኣብ ዕቝባ ገሊኡ ኸኣ ኣብ ኣከባቢ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣብ ፍሉይ ባህርያቶም ዝተመርኰሰ እዩ።
ገሊኡ ስግንጢር እዩ።
ምስዞም ዘደንቑ ዕውል ፍጥረታት ክትሸኰሉ ተዳለዉ።
ዘምባዕዘዘ ኣባ ሰላማ
ኣባ ሰላማ ምሉእ ህይወቱ ኣብ ማይ ከሕልፍ ከሎ ቝሩብ ጸገም እዩ ዘጋጥሞ፤ ከም መጥበዊ መጠን ግን ብህይወት ንምንባር ኦክስጅን ከስተንፍስ ኣለዎ።
ኣብ ዕውለት ክኾን ከሎ ነዚ ብኸመይ እዩ ዝጻወሮ?
ኣባ ሰላማ ንፍርቂ ሓንጎሉ ምእንቲ ክዓርፍ ይዓጽዎ፤ እቲ ዝተረፈ ሓንጎሉ ድማ ንቑሕ ኮይኑ ክመጹ ዝኽእሉ ሓደጋታት ይጥምት።
እዚ ክገበር እንከሎ ግን ኣብ ልዕሊ እቲ ማይ በጥ ኢሉ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Mike Korostelev|Getty
ሓጺር ድቃስ ዓሳ ነባሪ
ዓሳ ነባሪ’ውን ከም ኣባ ሰላማ ‘ፍርቂ ሓንጎሉ’ ኣብ ድቃስ ከም ዝዋፈር ወትሩ ይሕሰብ ነይሩ።
ክገብሩ ይኽእሉ እዮም፡ ተመራመርቲ ግን ብዛዕባ ልምዲ ድቃስ ዓሳ ነባሪ ፍሉይ ነገር ረኺቦም።
ንሳቶም፡ ምሉእ ብምሉእ ደቂሱ ኣብ ማይ ቀጥ ኢሉ እናተሓንበበ ዝንቀሳቐስ ጕጅለ ረኺቦም።
ነቶም ዓሳ ነባሪ፡ እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ክቐርብዎም ከለዉ ምላሽ ኣይሃቡን።
ሓንቲ ጃልባ ንሓደ ዓሳ ነባሪ ክሳዕ እትትንክፎ ፍጹም ኣብ ዕውለት ዝነበሩ ይመስሉ ነይሮም።
ድሕሪኡ ግን ኩሎም ተበራቢሮም ሃዲሞም።

ምንጪ ስእሊ, Erin Donalson|Getty
ዝተታኸሰ ኦተር (ብጸምሪ ዝተሸፈነ ዓሳታት ዝምገብ እንስሳ)
ናይ ባሕሪ ኦተር ዝበሃሉ እንስሳት ብድቁሶም ተንሳፊፎም ካብ ነንሕድሕዶም ከይፈላለዩ ከብዲ-እግሪ ኣጽፋራት ይሕዙ።
ኣብ ማይ ዝነብሩ መዛኑኦም ብዛዕባ እቲ ምጭባጥ ንኸይጭነቑ፡ ተንሳፊፎም ከይኸዱ ተኽሊ ባሕሪ እውን ይጭብጡ’ዮም።
ክሳብ 100 ዝበጽሑ ኦተር ከም ገለ ዓበይቲ ጸጉሪ ዘለዎም ጃልባ ብከልፕ (ዓበይቲ ቡናዊ ኣልጀ ዝኾኑ ተኽሊታት ባሕሪ) ተጠቕሊሎም ኣብ ውቅያኖስ ክሕንበቡ ተራእዮም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Ayzenstayn|Getty
ዘይጻዕራም ሓርማዛት
ሓርማዛት ኣብ መዓልቲ ኣስታት ንክልተ ሰዓታት ጥራይ’ዮም ዝድቅሱ፤ እዚ’ውን ብቀጻሊ ዘይኮነስ ኣብ ምሉእ መዓልቲ ጸጸኒሖም ንገለ ደቓይቕ እዮም ዝታኸሱ።
መብዛሕትኡ ግዜ ብደዎም ዝድቅሱ በዚ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ሓሓሊፉ ግን ድግፍ ኢሎም ክድቅሱ ይኽእሉ።
እቲ ዘገርም፡ ዘጨንቕ ሃዳናይ ወይ ዕረፍቲ ዘይብሎም ኣብ ጎብያ ዝነብሩ ሓርማዛት፡ ንብዙሕ ሰዓታት ዝያዳ ይድቅሱ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Apexphotos|Getty
ቀምታ ሳሬት
ብርግጽ ሳሬት ጠገለ የብላን።
እንስሳታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝድቅሱ እኳ እንተኾኑ፡ ኩሎም፡ ዋላ ባክተርያ፡ ን24 ሰዓታት ዝጸንሕ ዑደት ይኽተሉ።
እዚ ዑደት ኣካል መዓስ ክድቅስ ከም ዘድልዮ ዝቆጻጸር ስርዓት ኮይኑ ብቲ ህርመት ሰርካድያን ተባሂሉ ዝፍለጥ ዙረት መሬት ዝድረኽ እዩ።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ግን ገለ ዓይነታት ሳሬታት በዚ ከም ዘይግደሱ ረኺቦም። ናይ ድቃስ ሰዓታቶም ናይ 17፡ 18 ወይ 19 ሰዓታት ዑደት ይኽተል።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ሳሬት እዚ ፍጹም ዝተፈልየ ሰዓት ከመይ ክትጻወሮ ከም እትኽእል ብልክዕ ርግጸኛታት ኣይኮኑን።

ምንጪ ስእሊ, georgeclerk|Getty
ኮኣላ
ናይ ድቃስ ልምዲ ሓደ ፍጡር ንምርዳእ ዝግበር ፈተነ ሓደ ጸገም ኣለዎ፡ ጭቡጥ ድቃስ እንታይ ምዃኑ ንምልላይ ኣጸጋሚ እዩ።
ኣብ ጎብያ ዝነብሩ እንስሳታት ምጽናዕ ዝቐለለ'ኳ እንተኾነ፡ ካብቶም ኣብ በረኻ ዘለዉ ኣዝማዶም ፍጹም ዝተፈልየ ባህሪ ክህልዎም ይኽእል።
ኣብ መካነ እንስሳታት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ስዒቡ ኪኣላታት፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 22 ሰዓታት ከም ዝድቅሱ ይሕሰብ ነይሩ።
እንተኾነ ኣብ በረኻ ኣብ ዝርከቡ እንስሳታት እውን ክትትል ብምግባር ዝተኻየደ ዝያዳ ዝርዝር መጽናዕቲ፡ ብሓቂ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 14 ሰዓታት ከም ዝድቅሱ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ልዕሊ እዚ ግን ተወሳኺ ጥዑይ መጠን ዕረፍቲ'ውን ከም ዝወስዱ ኣመልኪቱ።
ኮኣላ ዝምገቦ ቆጽሊ ቀላሚጦስ ንምሕቃቕ ብዙሕ ግዜን ጉልበትን ይወስደሉ።

ምንጪ ስእሊ, Christian Aslund, EyeEm|Getty
ዋልሩስ፡ ኣብ ባሕሪ ዝነብር ገዚፍ እንስሳ
ምናልባት ካብቶም ኣብ ዝኾነ ቦታ ክድቅስ ይኽእል እየ ዝብሉ ሰባት ክትኮኑ ትኽእሉ። ከምኡ እንተኾይንኩም፡ ብልምዲ ኣዚኹም ዋልሩስ ኢኹም ማለት እዩ።
ዋልሩስ ዳርጋ ኣብ ዝኾነ ቦታ፡ ዋላ ኣብ ውቅያኖስ ናይ ምድቃስ ክእለት ከም ዘለዎም ተረጋጊጹ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ ማይ እናተንሳፈፉ ክድቅሱ ይኽእሉ፡ ዋላ’ውን ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ጉጮም ምስ ዝንሳፈፍ ዓቢ ጽላት በረድ ኣተሓሒዞም ክድቅሱ ይኽእሉ።
ግን ድማ ከይደቀሱ ንብዙሕ ዝዋን'ውን ክጸንሑ ይኽእሉ’ዮም።
ብዘይ ዕረፍቲ ክሳብ 84 ተኸታተልቲ ሰዓታት ክሕንብሱ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Gabriel Roba|Getty
እንቁርዖብ
እንቁርዖባት ንምእማኑ ዘጸግሙ እንስሳታት እዮም።
ክሳብ ክንደይ ውዑይ ይኹን ዝሑል ብዘየገድስ ዳርጋ ንነፍሲ ወከፍ ከባቢ እዛ መሬትና ክመልኩ ክኢሎም እዮም።
ኣብ ክረምቲ ንንዋም (hibernation) ከም ስትራተጂ ድቃስ ይጥቀሙሉ።
ኣብ ኣዋርሕ ሓጋይ 'ኤስስቲቬሽን' ዝበሃል ሜላ ይጥቀሙ፤ እዚ ዘይንጥፉን ድቁስን ዝኾኑሉ ኮይኑ ካብ መጠን ንላዕሊ ውዑይ ወይ ደረቕ ኩነታት ንምውጋድ ይሕግዞም።
ኣብ ማይ ዝነብሩ እንቁርዖባት ኣብ ክረምቲ ንንዋም ክጥቀሙ እንከለዉ፡ ኣብ ከም ኣርክቲክ ዝበሉ ኩነታት ዝነብሩ እንቁርዖባት ድማ ንውሽጣዊ ኣካላቶም ካብ ቁሪ ንምክልኻል ግሉኮስ ከም ጸረ-ዛሕሊ ተጠቒሞም ክነብሩ ይኽእሉ።
እዚ ኩሉ ፍልጠት’ኳ እንተሃለወ፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ እንቁርዖባት ኣብተን ንጡፋት ዝኾንሉ ኣዋርሕ ብኸመይ ከም ዝድቅሱ ብንጹር ርግጸኛታት ኣይኮኑን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







