ቅልውላው ሱዳን፡ ብገበናት ኵናት ዝድለ ጥርጡር ተፈቲሑ

ሱዳን ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወ ኣባይቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብሰንኪ እቲ ኲናት ብዙሕ ህንጻታት ዓንዩ እዩ

ብክስታት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝድለ ሱዳናዊ ፖለቲከኛ ነበር ምስ ካልኦት ብጾቱ ካብ ማእሰርቲ ከምዝወጸ ገሊጹ።

ኣሕመድ ሃሩን ካብ መንጐ እቶም ብዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ክሲ ዝቐርበሎምን ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ኮበር ተኣሲሮም ዝጸንሑን ሰብ መዚ ስርዓት ኣልበሽር እዩ።

ብኻልእ ወገን ብሪጣንያውያን ካብ ሱዳን ንምውጻእ ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ክቕጽል እንከሎ፡ ካብ ካርቱም ዝነቐለት ካልኣይቲ ነፋሪት ናብ ቆጵሮስ ኣትያ።

ልዕሊ 1600 ዜጋታት ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝሓዘት ጃልባ’ውን ናብ ስዑዲ ዓረብ በጺሓ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን ካብቲ ኣሕመድ ሃሩንን ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽርን ተሓዪሮምሉ ዝጸንሑ ቤትማእሰርቲ ኮበር፡ ብዙሓት እሱራት ከምዘምለጡ ዝገልጽ ጸብጻባት ተሰሚዑ ነይሩ።

ሃሩን ብሰሉስ ንመደበር ተሌቪዥን ታይባ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ንሱን ካልኦት ኣብ እዋን ኣልበሽር ዘገልገሉ ሓለፍትን ካብቲ ቤትማእሰርቲ ከምዝወጹ ከረጋግጽ እንከሎ፡ እቲ ስርዓተ ፍትሒ ስርሑ ኣብ ዝጀመረሉ ክርከብ ድልው ምህላው ገሊጹ።

ፕረዚደንት ነበር ኣልበሽር ኣብ ዞባ ዳርፉር ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ክፍጸም ከምኡ’ውን ንማሕበረሰባት ፉር፡ ዛጋዋን ማሳሊትን ንምጽናት ጐስጒስካ ብዝብል ብዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ይኽሰስ። ንሱ ግን ነቲ ክስታት ይነጽጐ።

ኣብ 2019 ካብ ስልጣኑ ዝተዓለወ ኣልበሽር ብክስታት ብልሽውና ተፈሪዱ ኣብ ማእሰርቲ እዩ ጸኒሑ።

እቲ ወዲ 79 ዓመት ፕረዚደንት ነበር ኣብ ዝሓለፉ ግዝያት ኣብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ይሕከም ብምንባሩ፡ ካብ መንጎ እቶም ካብቲ ቤትማእሰርቲ ዘምለጡ እንተዀይኑ ዛጊት ኣይፍለጥን።

ኣብ ዳርፉር ጐንጺ ኣንጻር ሰላማውያን ብምጉስጓስ ዝኽሰስ ሓሩን’ውን ነቲ ብዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ዝቐርበሉ ክሲ ኣይቕበሎን።

ንሱ ድሕሪ ምዕላው ስርዓት ኣልበሽር ኣብ 2019 እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እታ ሃገር ካብ ሽዑ ጀሚራ ብዝተፈላላየ ናዕብን ፈተነታት ዕልዋን ሓሊፋ ኣላ።