መንግስቲ ፈደራል ኣብ ክልል ትግራይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ኣፍሊጡ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ቀልጢፉ ናብ መረፃ ዘሰጋገር፡ ግዝያዊ ክልላዊ መንግስቲ ከቝም ይንቀሳቐስ ከምዘሎ፡ ኣብርሃም በላይ (ዶክተር) ገሊፁ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኮምሽነር ኮምሽን ማእከል ኑክሌር ኰይኑ ዝተሾም ኣብርሃም፡ ትማሊ ምስ መንግስታዊ ቴሌቪዥን [ኢቢሲ] ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሐትት እዩ ከምኡ ኢሉ።

ሓይልታት ህወሓት 23 መስከረም ንመዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ምስ ተቘፃፀሩ፡ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ክካየድ ዝቐነየ ወተሃደራዊ ውግእ ስዒቡ፡ ሓይልታት ፈደራል ብደቡባዊ ሸነኻት ብምድፋእ፡ ንከተማ መቐለ ምቍፅፃሮም ምንጭታት ይገልፁ።

ነቲ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምፍራስ፡ ንዝሓለፈ መንፈቕ ዓመት ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ጉድኣት ከይበፅሕ ብምሕላይ፡ ካብታ ከተማ ርሒቝ 'ዕጥቃዊ ቃልሱ' ክቕፅል ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ነዚ ምዕባለታት ስዒቡ እዩ፡ መንግስቲ ፈደራል፡ "ኣብ ክልል ትግራይ ቅልጡፍ ሰላምን ምርግጋእን ንምምፃእ ህዝቢ ባዕሉ ዘመሓድረሉ ሓድሽ መሓውር የዳሉ" ከምዘሎ እዩ ኣብርሃም በላይ ገሊፁ ዘሎ።

ብተወሳኺ፡ ዶክተር ኣብርሃም ኣብቲ ቃለ መሕትቱ፡ ኣብዚ እዋን ሓይልታት ምክልኻል ነቲ ክልል ካብ 'ተረፍ መረፍ' ሓይልታት ህወሓት ንምፅራይ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ'ውን ኣመልኪቱ።

ቀፂሉ'ውን፡ ካብ ቀበሌ ጀሚሩ ብተሳትፎ ህዝቢ ሓደስቲ ምምሕዳራዊ መሓውራት ክቘሙ ምዃኖም ገሊፁ።

ዶክተር ኣብርሃም በላይ፡ እዚ ናይ ምስግጋር መስርሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ተዛዚሙ፡ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ክልላዊ መረጻ ንምክያድ ሰፊሕ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ'ውን ተዛሪቡ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ 2012 ዓ.ም [ግ] ኣብቲ ክልል ዝተኻየደን ደማዊ ኲናት ትግራይ ዘስዐበን ኣካታዒ መረፃ ስዒቡ፡ ኣብታ ክልል መረፃ ተኻይዱ ኣይፈልጥን።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ፡ እታ ክልል ብግዝያዊ ምምሕዳራት ክትመሓደር ዝፀንሐት ኰይና፡ ኣብ ኣብያተ ምኽሪ ሃገራዊ ባይቶታት በዂራ ፀኒሓ ኣላ።

ብጌታቸው ረዳን ጀነራል ታደሰ ወረዳን ዝምርሑ መሰጋገሪ መንግስታት፡ ከምቲ ቃል ዝኣተውዎ ነቲ ክልል ናብ መረፃ ዘሰጋግር ባይታ ከንፅፉ ኣይከኣሉን ተባሂሎም ይንቀፉ።

እቲ ዞባዊ መልክዕ እናሓዘ ዝመፅእ ዘሎን ህወሓት፡ ፋኖ-ኣምሓራን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን [ኦላ] ኣባላት ዝዀኑሉ ማሕበር-ሸውዓት ኪዳን፡ ቃልሲ ክቕፅል ድዩ ኣይክቕፅልን ኣይተፈልጠን።

ከምኡ ድማ ብድሕሪ እዚ ኪዳን፡ መንግስታት ኤርትራ፡ ግብፅን ሱዳንን ከምዘለዋ መንግስቲ ፈደራል ዝኸስስ ዘሎ ኰይኑ፡ እተን ሃገራት ነዚ ክሲ ኣይቅበለኦን።

ኣብርሃም ኣብቲ ቃለ መሕትቱ፡ እዚ ብዝምልከት፡ ኣብ ዘህቦ ርእይቶ፡ ገሊኦም ሓይልታት ወፃኢ ብቐጥታ ኣብቲ ግጭት ምስታፎም ከሲሱ ኣሎ።

"ኣብዚ ናይ ሕዚ ውግእ፡ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ምስ ዕጥቆም ተሳቲፎም ኣለዉ፤ ብዙሓት ዝተማረኹ ድማ ኣለዉ"፡ ኢሉ።

እዚ ክሲ፡ ቅድም ክብል ቢቢሲ ትግርኛ ካብ ዘዘራረቦ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መራሒ ሓይልታት ሰላም'ውን ዝተሰምዐ ዀይኑ፡ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ነዚ ክሲ ዝነፅግ ምላሽ ከምዝሃበና ይዝከር።