ፖሊስ ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ሓድሽ ዓመት 'ዘይትጽቢታዊ' ሓደጋ ኣጋጢሙዎ

ምንጪ ስእሊ, Pierre Crom/Getty Images
ፖሊስ ኔዘርላንድስ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ብርችት ከም ዝተሃርሙን "ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደጋ" ከም ዘጋጠሞምን ሰብ መዚ ገሊጾም።
ኣብ ኣምስተርዳም ዝርከብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ቤተክርስትያን ኣብ ናይ መጀመርታ ሰዓታት ሓድሽ ዓመት ብሓዊ ክቃጸል እንከሎ፡ ጠንቂ ናይቲ ባርዕ ሓዊ ገና ኣይተፈልጠን።
እቲ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ናብ ዝዓበየ ፓርክ ቮንደልፓርክ ዝጥምት ቮንደልከርክ፡ ኣብ 1872 ካብ ዝህነጽ ኣትሒዙ መስሕብ በጻሕቲ ኰይኑ ጸኒሑ።
ኣብ ካልእ ቦታታት እታ ሃገር፡ ሓደ ወዲ 17 ዓመት ህጻንን ወዲ 38 ዓመት ሰብኣይን ንጽምብል ሓድሽ ዓመት ብዝተተኰሰ ርችት ተቐቲሎም።
ኣብ ጀርመን ከተማ ቢለፈልድ፡ ፖሊስ እቲ ከባቢ፡ ክልተ ደቂ 18 ዓመት ቈልዑ ኣብ ገዛ ዝተሰርሑ ርችት ድሕሪ ምቅጻሎም ከም ዝሞቱ ሓቢሩ።
ሓላፊት ማሕበር ፖሊስ ሆላንድ ናይን ኩይማን፡ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ስራሕ ኣብ ዝነበረትሉ ሰዓታት ብርችትን ካልእ ነታጒን ከም ዝተሃርመት ገሊጻ።
መጠን እዚ ዓመጽ "ተራእዩ ዘይፈልጥ" እዩ ኢላ።
ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ልዕሊ ፖሊስን መጥፋእቲ ሓዊን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ጸብጻባት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ነይሩ።
ኣብ ደቡባዊት ከተማ ብሬዳ ናይ ነዳዲ ቦምባ ናብ ፖሊስ ተደርብዩ።
ኣብ ሮተርዳም ዝርከብ ሆስፒታል ዓይኒ እታ ከተማ፡ 10 ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ዝርከብዎም 14 ሕሙማት፡ ብመጕዳእቲ ዓይኒ ከም ዝሓከመ ገሊጹ። ክልተ መጥባሕቲ ተገይሩሎም።
ኣብ ነይመኸን ወዲ 17 ዓመት ቈልዓ፡ ኣብ ኣልስሚር ወዲ 38 ዓመት ወዲ ብፍጻመታት ርችት ከም ዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ሓቢረን።
ኣብ ኣምስተርዳም እቲ 50 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ሓጹር ታሪኻዊ ቤተክርስትያን ቮንደልከርክ ፈሪሱ።
ሰብመዚ እቲ ናሕሲ ኣዝዩ ከም ዝተሃስየ እኳ እንተገለጹ፡ መዋቕር እቲ ቤተክርስቲያን ግን ከይተበላሸወ ክቕጽል ትጽቢት ይግበር ኢሎም።
ኒዮ-ጎቲክ ባዚሊካ፡ ብኣርኪቴክት ፒየር ኩይፐርስ ዝተነድፈ እዩ።
ኣብ 2026 እገዳ ዘይወግዓዊ ርችት ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ።
ብመሰረት ማሕበር ፓይሮቴክኒክስ ኔዘርላንድስ ኣብዚ ዓመት ክብረወሰን ዝሓዘ 129 ሚልዮን ዩሮ ንርችት ወጻኢ ተገይሩ።






![ካቪያ ሳምባሲቫም [ጸጋም] ህቡብ ጸላዊት እያ። ጂጂ [የማን] ህብብቲ ጸላዊት ግን ዘፍጥረተ ኤኣይ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/2f78/live/457a6da0-e2fd-11f0-b67b-690eb873de1b.jpg.webp)
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







