ሃገራት ኣፍሪቃ ስለምንታይ ንፀለምቲ ኣመሪካውያን ዜግነት ይህባ ኣለዋ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፀለምቲ ኣመሪካውያን፡ ኣያታቶም ቅድሚ ዘመናት እዮም ካብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ክግዕዙ ተገይሮም።
እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያንን መበቆል ሃገራቶምን ዘሎ ምትእስሳር ነባሪ ኰይኑ ይቕፅል ኣሎ።
ንኣብነት ላይበርያ፡ ብ1822 ሓራ ብዝወጹ ፀለምቲ ኣመሪካውያን ባሮት እያ ተመስሪታ።
ጋና ኣብ 1957 ሓራ ምስ ወፀት፡ ብዙሓት ጸለምቲ ምሁራትን ስነጥበባውያንን ካብ ኣመሪካ ናብታ ሃገር ግዒዞም እዮም።
እንተላይ ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ማልኮም ኤክስን መሓመድ ዓሊን ኣብ ጋና ምብፃሕ ኣካይዶም።
ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ስቶክሊ ካርማይክል እውን ኣብ 1968 መንበሪኡ ኣብ ጊኒ እዩ ገይሩ።
እዚ ስግረ-ኣትላንቲክ ምትእስሳር ምስ ግዜ እናነከየ ክኸይድ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ግን፡ ብመርመራታት ዲኤንኤ ተሓጊዙ፡ ሓቀኛ ዳግመ-ትንሳኤ ኣርእዩ ኣሎ።
ብርክት ዝበሉ ፍሉጣት ፀለምቲ ኣመሪካውያን ዜግነት ሃገራት ኣፍሪቃ እናደለዩ ይርከቡ።
ድምፃዊት ሲያራ ዜጋ ቤኒን ኰይና ኣላ። ራፐር ሉዳክሪስን ኮኾብ ፊልም ሳሙኤል ኤል ጃክሰንን ብወግዒ ጋቦናውያን ኰይኖም።
ተዋሳእቲ ሜጋን ጉድን ጆናታን ሜጀርስን ዜግነት ጊኒ ረኺቦም ኣለዉ።
ከም ምልክት ሙዚቃ ዝርአ ስቲቪ ዎንደር ድማ ሰነዳት ጋና ኣለዎ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ፡ ኣዝዩ ህቡብ ዝኾነ ፈጣሪ ትሕዝቶ ኣይሾውስፒድ (IShowSpeed) ከይተረፈ፡ ፓስፖርት ጋና ክረክብ ተፈቒዱሉ እዩ።
እዞም ፍሉጣት ሰባት፡ ኣብ መብዛሕትኡ እዋን፡ ንዝተራቐቐ ስነ-ስርዓት ዜግነትን ዑደትን ክበሩ ተገይሮም እዮም። እዚ ድማ ድምቀት ብዝመልኦ ትሕዝቶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ እዩ።
ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሜጋን ጉድ፡ ኣብ ጊኒ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ዜግነታ ብዝምልከት፡ "ታሪኽ ይፍጸም ኣሎ" ክትብል ንኢንስታግራም ተኸታተልታ ገሊጻ ነይራ።
ንሳን በዓል ቤታን መርመራ ዲኤንኤ ስዒቡ መበቆሎም ካብ ጊኒ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጾም እዮም ዜግነት እታ ሃገር ተዋሂብዎም።
"እቲ ኣፍልጦ ካብ መዓረግ ዝዘለለ'ዩ፡ ናብ መበቆልካ ምምላስን ምስ ኣፍሪቃዊ መበቆልካ ዳግማይ ምትእስሳርን ዝምልከት'ዩ" ኢላ።
ዝተፈላለዩ መንግስታት ኣፍሪቃ ዝዘርግሕዎም መልእኽታት ድማ ነዚ ስምዒት ዘቃልሑ እዮም።
ፕረዚደንት ጋና ነበር ናና ኣኩፎ-ኣዶ ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ "ንስቲቪ ዎንደር ዜግነት ጋና ኣብ ምሃብ፡ ንሓደ ፍቑር ወዲ ኣፍሪቃ ምዉቕ ሕቑፊና ምሃብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ነባሪ መንፈስ ፓን-ኣፍሪቃውነትን ዓለማዊ ኣፍሪቃዊ ስድራቤትን ዘለና እምነት'ውን ብድጋሚ ዘረጋግጽ እዩ" ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ጋና ንነዊሕ እዋን ንፓን-ኣፍሪቃዊ መረጋገፂ ከተስፋሕፍሕ ፀኒሓ እያ።
ንዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት፡ ዝኾነ ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎ ሰብ ጋናዊ ዜግነት ክህልዎ መሰል እናሃበት እያ ፀኒሓ።
ቤኒን እውን ነዚ ፖሊሲ እዚ ብተመሳሳሊ ክትትግብር ከምዘነቓቕሐ ብዘየማትእ መንገዲ ይግለፅ።
ጋና ኣብ 2019፡ "ዓመተ ምልሰት" ዝብል ፖሊሲ ተግቢራ እያ፡ እዚ ድማ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ናብታ ሃገር ክግዕዙ ዘተባብዕ ዕሙር ተበግሶ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ 1000 ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ነዚ ተበግሶ ከምዝተጠቐሙሉ ኣምባሳደር ናይቲ ሰባት ናብ ጋና ክግዕዙ ዝሕግዝ ኣፍሪቃዊ ፎረም ዲያስፖራ ዶክተር ኤሪካ ቤነት ትገልጽ።
"ብዛዕባ ፍቕራዊ ምትእስሳር ጥራይ ኣይኮኰን" ክትብል ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ትኹረት ዝገበረት ካሜሩናዊት ጋዜጠኛ ማሪ-ሮጀር ቢሎኣ ንቢቢሲ ትገልጽ።
"ኩሉ እቲ ኣመሪካውያን ዘለዎም ዓቕሚ፡ ከመይ ጌርና ክንጥቀመሉ ከም እንኽእል'ዩ" ትብል።
ቱሪዝም ድማ ርኡይ ድርኺት እዩ።
መንግስታት፡ ህቡባት ከዋኽብቲ ዝዝርግሕዎ ጽሑፋት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ካልኦት ጸለምቲ ኣመሪካውያን፡ ናብ መበቆል ሃገሮም ክበጽሑን ገንዘብ ከዋፍሩን ከተባብዕ ተስፋ ይገብሩ።
ፕረዚደንት ቤኒን፡ ሃገሩ ከም ቀንዲ መበገሲ ባሮት ዝነበራ ተራ፡ ንጸለምቲ ኣመሪካውያን ልቢ ዝትንክፍ መዕረፊት ከም ዝገብራ ኣጸቢቑ ከም ዝፈልጥ ይሕብር።
ካብ ከም በዓል ሲያራ ዝኣመሰሉ ከዋኽብቲ ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ እወታዊ ጽልዋ ኣለዎ፤ ዲያስፖራ ኣብ ቤኒን ወፍሪ ክገብሩ ወይ ንብረት ክገዝኡ ከተባብዖም ይኽእል።
ፍሉጣት ሰባት ከም ኣምባሳደራት ኰይኖም ከም ዝሰርሑ ኣብ ፈረንሳ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስ ፖ ዝምህር ቤኒኖ ፍራንሲስ ክፓቲንደ ንቢቢሲ ይገልጽ።
"ቤኒን ከም ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣልማዝ የብላን፡ ነዳዲ የብላን፡ ዋላ ሓንቲ የብላን። ጡጥ፡ ወደባትን ባህልን ጥራይ እዩ ዘለና" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
እቶም ኣምባሳደራት "ኣብ መዝገብ ንኽንርከብ፡ ኣብ ስክሪን ንኽንርከብ ዝሕግዝ መንገዲ እዮም። እዚ ድማ ሕጂ ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቤኒን ኣብ ኩሉ ቦታ ትርአ ኣላ" ይብል ክፓቲንደ።
ንጸለምቲ ኣመሪካውያን ፍሉጣት ሰባት ዜግነት ምሃብ ዘለዎ ቁጠባውን ፖለቲካውን ረብሓታት ከምዘለዎ ብዙሓት ይግንዘቡ፤ ነቐፍቲ ግን ኣይሰኣኑን።
ኣብተን ሃገራት ዝውለዱ ዜጋታት፡ ፓስፖርት ንምርካብ ከቢድን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትትን መስርሕ ክሓልፉ እንከለዉ፡ እቶም ከዋኽብቲ ግን ነዚ ብቐሊሉ ይሓልፍዎ ከምዘለዉ ዝገልጽ ስምዒት ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጋና፡ ኣብ ኣመሪካ ዝዓበየ ግን ከኣ ጋናዊት ኣደ ዘለዎ ኣይሾውስፒድ ፓስፖርት ክወሃቦ ከም ዝፀደቐሉ ምስ ኣፍለጠ፡ ጋናዊ መበቆል ዘለዎ ቀባእ ታውፊክ ሱሌማን፡ "ቁጥዐ" ከምዝተሰምዖ ይገልጽ።
"ብሓቂ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ ሕማቕ ቅድመ-ኩነት'ዩ... ስለምንታይ ሰባት፡ ዜጋታትካ፡ ብዝተሓላለኸ መስርሕ ክሓልፉ ተገድድ? ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ መወዳእታ ዝኽልከሉ ኣለዉ" ይብል እቲ ወዲ 32 ዓመት ሱሌማን።
"በቃ እቲ ሰብ ፍሉጥ ሰብ ስለዝኾነ ጥራይ ንዝኾነ ሰብ ፓስፖርት ክትዕድል ኣይግባእን።"
ድሕሪ'ቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣባል ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ጋና ፓትሪክ ቦኣማህ፡ ንፈነወ ውሽጢ ዓዲ ቻነል ዋን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሰብመዚ "ዋላ'ኳ ዝተወሰነ ከይድታት ክገድፍሉ እንተኸኣሉ" ኣይሾውስፒድን ግን፡ ፓስፖርት ንምርካብ ዘድሊ ሕጋዊ ኣገባባት ክኽተል ኣለዎ ኢሉ።
እቶም ከዋኽብቲ ምስክር ወረቐቶም ክእክቡ እዮም፣ ውሑዳት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፅሑፋት ክዝርግሑ እዮም፣ ድሕሪኡ ስቕ እዮም ክብሉ ዝብል ነቐፌታ እውን ይስማዕ እዩ።
ጋና፣ ጋቦን፣ ጊኒን ቤኒንን ካብዚ ስትራተጂታተን ፍረ ረኺበን ድየን ኣይረኸባን ንምምዛን ገና ግዜ ክወስድ እዩ።


![ኣብ 2012 ዓ.ም ኣብ መወዳእታ [ጳጉሜን] ኣብ ትግራይ ካብ ዝተኻየደ መረፃ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/831a/live/3cf50530-10bd-11f1-b370-c5751d84f588.jpg.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



