እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ዩፎ፡ ንምንታይ እዩ ናሳ ንዩፎ ዝእልሽ ዘሎ?
ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ዩፎ፡ ንምንታይ እዩ ናሳ ንዩፎ ዝእልሽ ዘሎ?
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ካብ ዙርያ ዓለም፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ከም ዩፎ ዝተገለጹ ጓኖት ነገራት እኳ እንተተረኣዩ ተመራመርቲ ነቲ ክስተታት ‘ልቢ ወለድ እዩ’ ብምባል ክነጽግዎ እዮም ጸኒሖም። ኣብዚ እዋን ግና ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ፡ ናሳ፡ ኣብዚ ጓና ተርእዮታት መርመራ ዝገብር ፍሉይ ጉጅለ ተመራመርቲ ብምቛም ሓደ መልሲ ንምርካብ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ኣሎ።