‘ጣልቃ ኣትዩ ዘድሕን ዝሰኣነት’፡ ብእምኒ ተቐጥቂጣ ክትቅተል ዝተፈረደት ሱዳናዊት

ጀሪካን ዝተሰከመት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብዝሙት ተኸሲሳ፡ ብዳርባ እምኒ ተቐጥቂጣ ክትቅተል ዝተፈረደት ሱዳናዊት ንእስቲ ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣብታ ሃገር ዝምልከቶ ሚኒስትሪ መንግስቲ ብዘይምህላዉ ክሰምር ኣይከኣለን፡፡

ሱዳን ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ብወተሃደራዊ ጕጅለ እያ እትምራሕ ዘላ፡፡

መስርሕ ፍርዲ እታ ጓል 20 ዓመት ፍትሓዊ ከምዘይነበረ ዝገልጹ ጐስጐስቲ፡ ነጻ ክትልቀቕ ይሓቱ ኣለዉ፡፡

ኣብ 2020 ምስ በዓል ቤታ ተፈላልያ ምስ ቤተሰባ ምንባር ዝጀመረት እዛ ንእስቲ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ሰብኣያ ብዝሙት ከሲስዋ፡፡ ኣብ 2022 ድማ ኣብ ግዝኣት ጻዕዳ ናይል ኣብ እትርከብ ከተማ ኮስቲ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኢልዋ፡፡

እታ ንእስቲ ዘቕረበቶ ይግባይ ዝሰምዐ ቤት ፍርዲ ውሳነ ክህብ ትጽቢት ይግበር ኣሎ፡፡

ኣብ ሚኒስትሪ ማሕበራዊ ዕብየት፡ ሓላፊት ክፍሊ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ዝዀነት ሱለይማ ይስሓቕ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ምድንጋር ከም ዝነበሮ ንብዙሓት ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ሰብመዚ ከምዝነገረቶም ትገልጽ፡፡ እንተዀነ ሚኒስተራት መንግስቲ ብዘይምህላዎም እቲ ጸገም ክፍታሕ ከምዘይከኣለ ትዛረብ፡፡

ጕጅለታት ሰብኣዊ መሰል፡ እታ ንድሕነታ ክበሃል ሽማ ዘይተገለጸ ግዳይ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሃለወት ጠበቓ ከይህልዋ ከምዝተገበረን ብዛዕባ ዝቐረባ ክሲ ኣፍልጦ ከምዘይነበራን ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡

"ብፖሊስ ተገዲዳ ኑዛዘ ክትፍርም ተገይራ እያ ኢልና ክንኣምን ዝገብር እኹል ባይታ ኣሎ" ይብል ዳይረክተር ማእከል ፍትሕን መጽናዕቲ ሰላምን ኣፍሪቃ፡ ሞሳድ መሓመድ ዓሊ፡፡

ጠበቓኣ እንትሳር ዓብደላ ብወገና፡ ድሕሪ እቲ ዘቕረበኦ ይግባይ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ፍትሓዊ ውሳነ ብምሃብ ነታ ተኸሳሲት ብነጻ ክፈትሓ ተስፋ ከምእትገብር ትገልጽ፡፡

ሱዳናውያን ሰልፈኛታት ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, SIHA

ሱዳን፡ ስርቅን ዝሙትን ዝኣመሰሉ ኣብ ቁርኣን ‘ሕዱድ’ ተባሂሎም ዝፍለጡ ገበናት ንዝፍጽሙ ሰባት፡ ሕጂ እውን ብሞት ትቐጽዕ እያ፡፡ እዞም ገበናት ኣብ ሕጊ ሱዳን መግረፍቲ፡ ምቝራጽ ኣእዳውን ኣእጋርን፡ ስቕለትን ብእምኒ ቀጥቂጥካ ምቕታልን ዝኣመሰሉ መቕጻዕቲታት የስዕቡ፡፡

ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝገልጽዎ፡ ዋላ'ኳ መንግስቲ ሱዳን ኣብ 2015፡ ብእምኒ ቀጥቂጥካ ምቕታል ካብ ዝርዝር መቕጻዕቲ ከምዝኣልዮ ቃል ኣትዩ እንተነበረ፡ ተግባራዊ ኣይተገበረን፡፡

"ዋላ እቶም ኣዐርዮም ዓቃባውያን ዝበሃሉ ፖለቲከኛታት፡ ኣንጻር አቲ ብእምኒ ዝፍጸም ቅትለት እዮም" ትብል ሱለይማ ይስሓቕ፡፡

"እንተዀነ ኣብዚ ነገራት ንምቕያር ነዊሕ ግዜ እዩ ዝወስድ፤ ብኣብያተ ፍርዲ ኣቢሉ እዩ ዝሓልፍ፡፡ እተን ቀንዲ ዝሳቐያ ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን።"

 ዞባዊ ዳይረክተር ሲሃ ዝተባህለ ትካል ተጣባቒ መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓላል ኣልቐሪብ፡ ዝሙት ዝቕጸዐሉ ሕጊ ሱዳን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ብዘይመጣጠን ቍጽሪ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝፍጸም ትገልጽ፡፡

ብጐስጎስቲ እትፍለጥ ንመወዳእታ ግዜ ብገበን ዝሙት ብእምኒ ተቐጥቂጣ ክትቅተል ዝተፈረዳ እንትቲሳር ኣ'ሸሪፍ ዓብደላ ዝተባህለት ንእስቲ እያ ነይራ፡፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሺዓን ብዘካየድዎ ጐስጓስ ንሳን ናይ 4 ወርሒ ዕድመ ውላዳን ኣብ 2012 ተፈቲሖም፡፡

እንተዀነ ወ/ሮ ኣልቐሪብ ግን ብዙሕ ዘይተራእዩ ተመሳሰልቲ መቕጻዕቲታት ከምዝህልዉ ትገልጽ፡፡

ተቓወምቲ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ኦማር ኣል-በሽር ኣብ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ምስተኣለየ፡ ዝተጣየሸ መሰጋገሪ መንግስቲ ነቲ ኣካውናን ኣከዳድናን ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ዝነበረ ሕጊ ኣልዒይዎ፡፡ ኮይኑ ግና እቶም ነቲ ሕጊ ዘፈጽሙ ዝነበሩ ፖሊስ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ዕልዋ ናብ ጎደናታት ተመሊሶም ነቲ ሕጊ የፈጽሙ ከምዘለዉ ሱዳናዊት ጋዜጠኛ ዘይነብ መሓመድ ሳልሕ ትገልጽ፡፡

እቲ ወታሃደራዊ ጉጅለ ንተኣመንቲ በሽር ዳግም ቆጺሩ የስርሕ ከምዘሎ እውን ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡

ሱዳን ኣብ 2021 ንስምምዕ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ምስቓይ ፈሪማ እያ፡፡

‘‘ብእምኒ ቀጥቂጥካ ምቕታል እቲ ዝኸፈአ ዓይነት ምስቓይ እዩ’’ ይብል ሞሳድ መሓመድ ዓሊ፡፡

እታ ንእስቲ ክትፍታሕ ዝጕስጉሱ ዘለዉ ሃገራውያንን ዓለምለኻውያን ዘይመንግስታዊ ትካላት እውን፡ እዚ ዓይነት መቕጻዕቲ "ጨካን፡ ዘይሰብኣውን ዘዋርድን" ክብሉ ይገልጽዎ፡፡

ጠበቓ እንትሳር ዓብደላ፡ ነታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘላ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ክትርእያ ዝፍቀደላ እንኮ ሰብ እያ፡፡

"ኣካላዊ ጥዕናኣ ኣብ ደሓን እዩ ዘሎ፤ ኣዐርያ ተጨኒቓ ከምዘላ ግን ርዱእ እዩ" ትብል፡፡

"ናይቲ ይግባይ ዝሰምዕ ቤት ፍርዲ ውሳነ ንጽበ ኣለና፤ መዓስ ከምዝነግሩና ግን ዝፈልጥ ሰብ የለን። ዘለና ሓደ ኣማራጺ ምጽባይ እዩ።"

እንተዀነ ኣብቲ ፍርዲ ምሉእ እምነት የብላን፡፡

"እቲ ይግበኣኒ ዝሰምዕ ቤት ፍርዲ ንዓኣ ደጊፉ ኣይፈርድን ዝብል ሻቕሎት ኣለና። ማሕበረሰብ ዓለም ድምጹ ምስ ዘስምዕን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ጸቕጢ ምስ ዝግብርን ኢና፡ ደቂኣንስትዮ ካብዚ ሕጊ እነድሕን፡፡ ሕጂ'ውን ንሱ እዩ ክግበር ዘለዎ።"

"እዚ ውሳነ ንዓለም ዘሰንብድ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ንዓና ግን ኣየሰንብደናን።"

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ኮስቲ መብርሂ ሓቲቱ፡ ምላሽ ኣይረኸበን፡፡

ሚኒስተር ፍትሒ ሱዳን ስለዘይተመደበ ድማ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ሕቶ ምቕራብ ኣይተኽኣለን።

ወሃቢ ቃል እቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ሱዳን ግና "ነዚ ጉዳይ ብምሉእ ንፈልጦ ኢና፤ ንሕና ብእንፈልጦ እዚ ናይቲ ቤት ፍርዲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ኣይኰነን። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ሓለፍቲ ፍትሒ ረኺብናዮም ኢና፤ ምላሽ ድማ ንጽበ ኣለና፡" ኢሉ።