ገጸይ ኣብ ፊልም ወሲብ ረኺበዮ

ኬት ኣይዛክስ

ምንጪ ስእሊ, Kate Isaacs

ገጽኩም ካብ ፍቓድኩም ወጻኢ ብዲጂታዊ መገዲ ተወሃሂዱ ኣብ ቪድዮ ወሲብ ኣትዩ፡ እሞ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እናተዘዋወረ እንተትረኽብዎ እንታይ ክስመዓኩም ከምዝኽእል ሕሰብዎ፡፡ ሓንቲ ልክዕ እዚ ተጓንፎ ዘጋጠማ ጓል ኣንስተይቲ ዝሓለፈቶ ስቅያት እነሆ፡፡

ኬት ኣይዛክስ፡ ሓደ ኣጋግዘ ኣብ ገጻት ትዊተር ሓበሬታ ሃሰሰስ እናበለት፡ ሓደ ክትርእዮ ዘለዋ ዘሰንብድ ቪድዮ ከምዘሎ ምልክት ረኺባ፡፡

"ምሉእ ሰብነተይ ብስንባደ ተወሪሩ" ትብል ኬት፡ ነቲ ዘጋጠማ ንፈለማ እዋን ክትዛረብ እንከላ፡፡

"ዝዀነ ሰብ ገጸይ ወሲዱ ናብ ጽዩፍ (ፖርን) ቪድዮ ኣእትይዎ፤ ኣነ ከምዝዀንኩ እውን ክመስል ተገይሩ፡፡"

ኬት ኣብ ዘይነበረትሉ ንሳ ክትመስል (ዲፕፌክድ) ተገይራ፡፡ ዝዀነ ሰብ፡ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ተጠቒሙ ገጻ ብዲጂታዊ መገዲ ወሲዱ ናብ ገጽ ካልእ ሰብ ተኪእዎ፤ ናብ ሓንቲ ኣብ ጽዩፍ ፊልም (ፖርኖ) እትዋሳእ ካልእ ጓል ኣንስተይቲ፡፡

እቲ ምስ ገጽታ ኣንጻር ካብ ፍቓድ ወጻኢ ዝዝርግሑ ጽዩፋት ቪድዮታት እትጉስጉስ ኬት ተመሳሲሉ ዝተሰርሐ ስኑዕ ቪድዮ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ተሌቪዥን ካብ ዝሃበቶ ቪድዮ ብዝተወሰዱ ምስልታት ዝተቐናበረ እዩ፡፡ ወሲብ እናፈጸመት ድማ የርኢ፡፡

"ልበይ ጠፊኡኒ፤ ብስርዓት ክሓስብ ኣይከኣልኩን" ትብል፡፡

‘‘በቃ እዚ ቪድዮ ናብ ኵሉ ክባጻሕ እዩ ዝብል ስምዒት ክስመዓኒ እዝክር፤ ዘሰንብድ እዩ ነይሩ፡፡"

ኣቐዲመ ፍሉጣት ሰባትን ፖለቲከኛታትን እዮም ቀንዲ ዒላማታት ኣመሳሲሎም ዝሰርሑ (ዲፕፌከርስ) ዝነበሩ፡፡ ኵሉም ድማ ናይ ጽዩፍ ኣይነበሩን፤ ገሊኦም ንላግጺ ወይ ጭርቃን ዝተሰርሑ እዮም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን እዚ ተቐይሩ እዩ፤ ዲፕትሬስ ዝተባህለ ትካል ከምዝሕብሮ እቶም 96 ሚእታዊት ተመሳሲሎም ዝተሰርሑ ስኑዓት ቪድዮታት፡ ካብ ፍቓድ ሰባት ወጻኢ ዝተሰርሑ ጽዩፍ ቪድዮታት እዮም፡፡

ልክዕ ከምቲ ብቒምታ ወይ ሕነ ንምፍዳይ ክልሑኽ ዝግበር ጽዩፍ ቪድዮ (ሪቨንጅ ፖርን)፡ ተመሳሲሎም ዝተሰርሑ ስኑዓት ቪድዮታተት እውን ኣብ ምስሊ መሰረት ዝገበረ (ኢሜጅ ቤዝድ) ጾታዊ ጥቕዓት እዮም ዝምደቡ፡፡ እዚ ብዘይ ፍቓድ ሰባት ምስኣል፡ ምድላውን ምኽፋልን ጾታዊ ዝዀኑ ምስሊታት የጠቓልል፡፡

ኣብ ስኮትላንድ ሰባት ኣብ ጾታዊ ንጥፈት እናሃለዉ ዘርእይ ስእልታት ወይ ቪድዮታት ብዘይ ፍቓዶም ምዝርጋሕ ብሕጊ ዘሕትት ገበን እዩ፡፡ ካብ ካልእ ከባቢታት ብሪጣንያ ግን ኮነ ተባሂሉ ነቲ ሰብ ንምጉዳእ ዝተገበረ ምዃኑ እንተተረጋጊጹ እዩ ከም ገበን ዝውሰድ፡፡ እዚ ድማ ብዙሓት ከይተቐጽዑ ከምልጡ ዘኽእል ሓጓፍ ኣሎዎ፡፡

ድሕነት ኦንላይን ብዝምልከት ዝዳሎ ዘሎ ሕጊ፡ ፍታሕ ሒዙ ክመጽእ ትጽቢት ይግበር፡፡

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ግዳይ እዚ መጥቃዕቲ ዝዀነት ኬት፡ ኣብ 2019 ‘ናትኪ ጽያፍ ኣይኰነን’ ዝብል ሃሽታግ መስሪታ፤ እዚ ጻዕራ ድማ ከንቱ ኣይተረፈን፡፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ፖርንሃብ ዝተባህለ ፍሉጥ ጽዩፍ ቪድዮታት ዝዝርግሕ ድሕረ-ገጽ ንመብዛሕትኦም ብዘይተፈለጠ ሰብ ዝተላእኩ ናታ ምስሊ ዝሓዙ ስኑዓት ቪድዮታት ኣልዩዎም፡፡

እንተዀነ ነቲ ቪድዮ መን ከምዘወሃሃዶን በዓል መን ከምዝረኣይዎን ኣይትፈልጥን፡፡ እቲ ቪድዮ ኣዐርዩ ናይ ብሓቂ ስለዝመስል ድማ ሰባት ክኣምንዎ ከምዝኽእሉ ትገልጽ፡፡

"እዚ ጥሕሰት እዩ፤ መንነተይ ፍቓድ ብዘይሃብኩሉ መገዲ እዩ ኣብ ስራሕ ውዒሉ፡፡"

ኣብቲ ዝተዘርገሐ ስኑዕ ቪድዮ፡ ሰባት ዘይተኣደነ ዘይውርዙይ ርእይቶታትን ጸርፍታትን ይጽሕፉ ነይሮም፡፡ ናብ ገዛኣ ከይዶም ክዕምጽዋ፡ ነቲ ዓመጽ ክቕድሕዎን ኣብ ኢንተርነት ክዝርግሕዎን ምዃኖም ይጽሕፉ ነይሮም፡፡

"ብዛዕባ ስድራቤትካ ምሕሳብ ትጅምር" ትብል ንብዓታ ክትዓግት እናተቓለሰት፡፡

"ነዚ ቪድዮ እንተርእዮምዎ ከመይ ይስመዖም?"

ኣብ ትሕቲ እቲ ቪድዮ ናይ ገዛኣን ስራሓን ኣድራሻ ስለዝተጽሓፈ ድማ፡ ነቲ ምፍርራሓት ኣጋዲድዎ፡፡

"ጠቕሊለ ተጸሊለ፡ ‘ኣድራሻይ ዝፈልጥ መን እዩ?’ ዝፈልጦ ሰብ ድዩ ነዚ ዝገበረ?" ምባላ ትዝክር፡፡

ኣብ ከምዚ ዝበለ ጸገም ንዝወደቝ ሰባት ናይ ምሕጋዝ ልምዲ ዝነበራ ኬት፡ እንታይ ክትገብር ከምዘለዋ ትፈልጥ እያ፡፡ ኣብቲ ህሞት ግን እትገብሮ ጠፊእዋ፡፡

"ካብቶም ንኻልኦት ዝህቦም ዝነበርኩ ምኽርታት ንሓደኦም'ኳ ኣይተግበርኩን፡፡"

ሓደ መሳርሕታ እቶም ቪድዮታት ናብ ትዊተር ጠቊሙ ክእለዩ'ኳ ገይሩ እንተነበረ፡ ሓንሳእ ዝተበተነ ቪድዮ ጠቕሊልካ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ክትኣልዮ ግን ኣጸጋሚ እዩ፡፡

ነቶም ቪድዮታት ኣመሳሲሎም ዝሰርሑ ሰባት፡ ኣብ ኢንተርነት ሰፊሕ ዕዳጋ እዩ ዘሎ፡፡ ናይ ኣንስቶም፡ ጐረባብቶምን መሳርሕቶም ኢሉ እውን፡ ክትግምቶ ዝኸብድ'ኳ እንተዀነ፡ ናይ ኣደታቶም፡ ኣዋልድ ደቆምን ኣዝማዶምን ስኑዕ ቪድዮ ክስረሓሎም ዝሓቱ ኣለዉ፡፡

እቶም ሰራሕቲ ድማ ብዛዕባ እቲ ክስራሕ ዝተደለየ ዝርዝር መምርሒን ዋጋን ይህብዎም፡፡

ጐርከም ዝተባህለ ኣብ ምብራቓዊ እንግሊዝ ዝቕመጥ በዓል እዚ ሞያ፡ ንናይ ባዕሉ ድልየት ናይ ፍሉጣት ሰባት ቪድዮታት ብምውህሃድ ከምዝጀመረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ጸኒሑ ግን፡ ባህ ናይ ዝበላኦ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሳሲሉ ምስራሕ ጀሚሩ፡፡ ሕጂ ከም ተወሳኺ ገንዘብ ዝረኽበሉ ናይ ትርፊ ግዜ ስርሑ እዩ፡፡

ካብተን ምስለን ዝተሰነዐ ገሊአን ኣእምሮአዊ መጕዳእቲ ከጋጥመን ከምዝኽእል ዝኣምን'ኳ እንተዀነ፡ ብዙሕ ጸገም ኣለዎ ኢሉ ግን ከምዘይኣምን ኣብቲ መንነቱ ሓቢኡ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ጻንሒት ተዛሪቡ፡፡

"ዓስቢ ዝረኽበሉ እንተዀይነ ክሰርሕ እየ፡፡"

ጽርየት ናይቶም ተመሳሲሎም ዝተሰርሑ ቪድዮታት ከም ክእለት እቲ በዓል ሞያን ዝጥቀሞ ቴክኖሎጅን ይፈላለ እዩ፡፡

ወናኒ እቲ ዝዓበየ ተመሳሲሎም ዝተሰርሑ ጽዩፍ ቪድዮታት ዘፍሪ ትካል ግን፡ ድሕሪ ሕጂ ሓቅነት ናይቶም ዝፈርዩ ቪድዮታት ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከምዝዀነ ይዛረብ፡፡

ድሕረ ገጹ ወርሓዊ ኣስታት 13 ሚልዮን ሰባት ዝርእይዎ ኰይኖም፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ክሳብ 20 ሽሕ ቪድዮታት ይዝርግሕ፡፡

እዚ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጥን ሚድያ ዘየዘውትርን ውልቀሰብ፡ ምስ ቢቢሲ መንነቱ ብምዕቃብ ጻንሒት ገይሩ፡፡

ምስሊ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ምውሳድ ዘይጥሕሶ መትከሉ ከምዝዀነ ዝገልጽ እዚ ውልቀ ሰብ፡ ምስሊ ፍሉጣት ሰባት፡ ጸለውቲ ማሕበራዊ ሚድያን ፖለቲከኛታትን ኣብ ጽዩፍ ቪድዮ ምጥቃም ግን ጸገም ኣለዎ ኢሉ ኣይኣምንን፡፡

"ንኣሉታዊ ክፋል ሚድያ ዝተላመዱ እዮም፤ ቪድዮኦም ኣብ ኵሉ ቦታ ኣሎ፡፡ ካብ ካልኦት ተራ ዜጋታት ዝተፈለዩ እዮም"

"ከምቲ ኣነ ዝርድኦ፡ ብዝተፈለየ መንገዲ ናይ ምርኣይ ክእለት ኣለዎም፤ ካብ ውሽጦም ከውጽእዎ ይኽእሉ እዮም፣ ፍቓድ የድልዮ እዩ ኢለ ኣይኣምንን፤ ሓሳባዊ እምበር ሓቀኛ እኮ ኣይኮነን" ይብል፡፡

ገለ ክፋል ኣእምሮኡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ይበጽሕ ዝበሃል ጸገም ከምዘይቅበሎ ዝገልጽ እዚ በዓል ሞያ፡ በዓልቲ ቤቱ በዚ ሞያ ከምዝናበር ከምዘይትፈልጥ ይሕብር፡፡

"ንበዓልቲ ቤተይ ኣይነገርክዋን፤ ከመይ ክጸልዋ ከምዝኽእል ኣይፈልጥን፡፡"

ክሳብ ቀረባ ቪድዮ ኣምሲልካ ንምስራሕ ዘኽእሉ መተግበሪታት ብቐሊሉ ኣይርከቡን ነይሮም፤ ሓደ ተራ ሰብ እውን ብቐሊሉ ክሰርሖም ዝኽእል ኣይነበሩን፡፡ ኣብዚ እዋን ግና ካብ 12 ዓመት ዕድመኡ ሰብ ጀሚሩ ብቐሊሉ ብዙሓት መተግበሪታት ከውርድን ኣብ ካልኢታት ሓቂ ዝመስሉ ቪድዮታት ክሰርሕን ይኽእል እዩ፡፡

ኬት ኣይዛክስ

ምንጪ ስእሊ, Kate Isaacs

ኬት፡ እዚ ኵነት ኣዝዩ ዘፍርህን ዘጨንቕን ከምዝዀነ ትገልጽ።

‘‘ዘይረኣይ ድሕረ-ገጽ ኣይኰነን፤ ኣብ ማዕከን መተግበሪታት እዩ ዘሎ፤ ኣብ ቅድሚ ገጽና እዩ ዘሎ።"

ኣንጻር ስኑዓት ቪድዮታት ዝወጽእ ሕጊ እውን እንተዀነ ነዚ ገበን ደው ዘይከብሎ ይኽእል ኢላ ትሓስብ፡፡

ካብዞም ሰናዕቲ ሓደ ዝዀነ ጎርከም ግን ቴክኖሎጂ ነገራት ክቕይር ከምዝኽል ይግምት።

"ኣብ ኦንላይን እንተተፈሊጠ፡ ምስራሕ ክገድፎ እየ፤ ምናልባት ካልእ መሕለፊ ግዜ ይረክብ ይኸውን" ይብል።

ኬት እቲ ዘጋጠማ ኣብ ጥዕናኣን ንሰባት ዝነበራ እምነትን ጸቕጢ ኣሕዲሩላን ነቲ ናይ ምጕስጓስ ስርሓት ደው ክተብሎ ተገዲዳን ነይራ።

ሕጂ ግን ንርእሳ ኣረጋጊኣ ናብቲ ንቡር ኣንጻር እዞም ብምስሊ መሰረት ዝግበሩ ጾታዊ መጥቃዕቲታት እተካይዶም ንጥፈታ ተመሊሳ ኣላ።