ኣብ ታንዛንያ ልዕሊ 5 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ተኣሲሮም ይርከቡ- ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ

እሱራት ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ልዕሊ 5 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ኣብ ታንዛንያ ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደመቀ መኮነን ኣብ ከተማ ሆሳእና ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ሓደ ዓመት ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላስ እንተተኻእለ፡ ሕዚ እውን ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ታንዛንያ ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ገሊጹ።

ደመቀ፡ ካብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ብተወሳኺ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ስደትን ነታ ሃገር ብድሆ ኰይኖም ከም ዘለዉ ምግላጹ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብቀዳም 15 ታሕሳስ 2015 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር እቶም ናብ ሃገሮም ከም ዝተመለሱ ዝገለጾም ስደተኛታት ካብ ኣየኖት ሃገራት ከም ዝተመለሱ ብዛዕባ ምሕባሩ ግን ኣብቲ መግለጺ ኣይተኻተተን።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዛምብያን ማላውን ኣብ ልዕሊ ህይወት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝበጸሐ ሓደጋ እቲ ኩነታት ማዕረ ክንደይ ዘሰክፍ ምዃኑ ዘርኢ'ዩ ክብል፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ደመቀ መኮነን ተዛሪቡ።

ኣብ ማላዊ ንከቢድ ምዝመዛ ጉልበት ተቓሊዖም ከም ዝነበሩ ናይ ዝእመን 30 ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጃምላዊ መቓብር ከም ዝተረኸበ ዝዝከር እዩ።

ብተወሳኺ፡ ናይ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከም ዝዀኑ ዝተገለጹ 27 ኣስከሬናት ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ዛምብያ፡ሉሳካ፡ ኣብ ወሰን መንገዲ “ተደርብዮም” ተረኺቦም።

ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ከም ዝዀኑ ዝተገለጸ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተጨናነቑ ኣብያተ ማእሰርቲታት ስዑድ ዓረብ ኣብ ስቓይ ከም ዝርከቡ እውን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣምነስቲ፡ እቶም ስደተኛታት ዘለዉሉ ኣሻቓሊ ኩነታትን ዘጋጥምዎም ዘለዉ ጸገማትን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ቁጽሮም ልዕሊ 30 ከም ዝዀነ ጠቒሱ።

ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብቲ ኣብ ሆሳእና ዝተኻየደ ናይ ምኽከር መድረኽ “ሓፈሻዊ ምስሊ ስደትን ሓደግኡን ክውክሉ ብዘይክእሉ ናይ ውሑዳት ዕዉት ጉዕዞ ተታሊሊም፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ግዳይ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ኰይኖም” ኢሉ።

ካልእ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸበ፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞትዮስ ድማ “ንዑ እሱራት ውሰዱ፤ ንዑ ኣስከሬን ውሰዱ እናተብሃልና ሰብኣዊ ክብርና ወሪዱ ኢሉ። ስለዚ ነቶም ነዚ ምኽንያት ዝዀኑ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ናብ ሕጊ ክነቕርቦም ኣለና” ምባሉ ኣብ ማሕበራዊ ገጽ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዝወጽአ ሓበሬታ የረድእ።

ከተማ ሆሳእና ነቲ ጉባኤ ክተካይድ ዝተመረጸሉ ምኽንያት፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ቀንዲ ግዳያት ዘይሕጋዊ ስግግር ሰባት ብምዃና ከም ዝዀነ ደመቀ መኮነን ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብብዝሒ ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢታት ሰሜን ምብራቕ እታ ሃገር እውን ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከም ዝቕጽል ተዛሪቡ።

ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ባሕርን በረኻን ኣቋሪጾም ኣብ ዘካይድዎ ሓደገኛ ጉዕዞ፡ ብዙሓት ኣሻሓት ኣብ ባሕሪ ናይ ምጥሓል፣ ግዳያት ብኣሰጋገርትን ሓለውቲ ዶባትን ብዝፍጸሞም መጥቃዕቲ ከምኡ እውን ብጥምየትን ጻምእን ምሟቶም ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።