ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ ብነዳዲ ዝሰርሓ ዓበይቲ መካይን ናብታ ሃገር ክኣትዋ ከልኪላ?

ጠቅላይ ሚኒስትር ዐቢይ አሕመድ

ምንጪ ስእሊ, PM Office

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ካብ 22 መስከረም 2018 [ግ] ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ብነዳዲ ዝሰርሓ ዓበይቲ ተሽከርከርቲ ካብ ወፃኢ ምእታው እገዳ ከም ዝግበር ኣፍሊጡ ኣሎ። ምኽንያቱ ግና እንታይ እዩ?

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ክልል ሶማልያ፡ "ኣብ ዓመት 111 ሚልዮን ሊትሮ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎ፡" ፕሮጀክት ፈሳሲ-ተፈጥሮኣዊ-ጋዝ ኦጋዴን መሪቑ ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን እዩ።

ከምኡ'ውን፡ መንግስቲ፡ ካልኣይ ምዕራፍ ናይቲ ፕሮጀክት ኣብ ዓመት 1.3 ቢልዮን ሊትሮ ጋዝ ከፍሪ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ፕሮጀክት ኣበሲሩ ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ንኣሽቱ ተሽከርከርቲ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ናብ ዓበይቲ ተሽከርከርቲ እውን ከም ዝሰፍሐ እዩ ኣፍሊጡ።

"ዓበይቲ መካይን ወይ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ኢትዮጵያ ዘእትዉ ዝነበሩ ዜጋታት፡ ልክዕ ከምቲ ብዘይካ ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ንኣሽቱ መካይን ምእታው ዝተኸልከለ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ ዝዀነት ነዳዲ እትጥቀም ናይ ጽዕነት መኪና ናብ ኢትዮጵያ ከይትኣቱ ክልኵል'ዩ፡" ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብኣንፃሩ፡ መንግስቲ ጋዝ ዝጥቀማ ዓበይቲ መካይን ካብ ወፃኢ ዘእትዉ ኣውፈርቲ ካብ ግብሪ ነፃ ምግባር ሓዊሱ፡ ዘተኣማምን ደገፍ ከም ዝገብር ገሊፁ ኣሎ።

በዚ መሰረት፡ ኣብዚ ዓመት ጥራይ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልላት ቦታታትን፡ ኣውቶቡሳት ካብ በንዚን ናብ ጋዝ ክቕየራ ምዃነን መንግስቲ ወሲኑ ኣሎ።

"ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክልላትን ኣስታት 2,000 ኣውቶቡሳት ካብቲ ሕጂ ዘሎ ነዳዲ ናብ ጋዝ ክንቅይሮ ኢና።"

እዘን ኣውቶቡሳት፡ ካብ ነዳዲ ናብ ጋዝ ምስ ዝቕየራ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ወጻኢታት መጓዓዝያ ብውሑዱ ብ50 ሚእታዊት ከም ዝንኪ ተተስፍዩ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብታ ሃገር ምስ ዘሎ ምንቍልቋል ቍጠባን ሰፊሕ ዝቕባበን ተኣሳሲሩ፡ ዋጋ መጓዓዝያ'ውን ይኸብር ከም ዘሎ እዩ ዝንገር።

ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ ብበንዚን ዝሰርሓ ንኣሽቱ መካይን ካብ ወፃኢ ከይኣትዋ ኣጊዳ ምንባራ ዝዝከር እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ኣብቲ ዕለተ ምረቓ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ፕሮጀክት ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ፡ ንስራሓት ምፍራይ ሓይሊ ኤለክትሪክን ክሪፕቶ ዕደናን እውን ኣድላዪ እታዋት ከም ዝኸውን ኣመልኪቱ ኣሎ።

ከምኡ ድማ፡ እቲ ፕሮጀክት ጋዝ ምፍራይ፡ ንፍርያት ዘበናዊ ድዅዒ ወሳኒ እታዋት ከም ዝኸውን ወሲኹ ኣብሪሁ።

ደድሕሪ እዚ ስራሕቲ ዘሎ ግዙፍ ኩባንያ

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ 22 መስከረም 2018 [ግ] ኣብ ክልል ሶማልያ፡ ፋብሪካ ድዅዕን ዩርያን መፃረዪ ነዳድን ንምህናፅ እምነ-ኵርናዕ ኣብ ዘንበረሉ እዋን፡ ገለ ካብቶም መደባት፡ ምስቲ ብናይጀርያዊ ኣውፋሪ ዝውነን 'ዳንጎቴ ግሩፕ' ብምትሕብባር ከም ዝስራሑ ኣንፊቱ ኣሎ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ነሓሰ ነቲ ፋብሪካ ንምህናጽ ውዕል ዝተፈራረሙ ኰይኖም፡ ዳንጎተ ግሩፕ 60 ሚእታዊት ናይቲ ፋብሪካ ክውንን እንከሎ፡ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ [መንግስቲ ኢትዮጵያ] ድማ 40 ሚእታዊት ክውንን እዮም ተሰማሚዖም።

እቲ ከም እታወት ድዅዒ ዝውዕል ተፈጥሮኣዊ ጋዝ፡ ካብ "ሜዳ ጋዝ ካሉብ" ከም ዝወጽእ ፀብፃባት ይሕብሩ።

እቲ ፋብሪካ ነቲ ጋዝ ንምጓዓዝ "108 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ሻምብቆ" ከም ዝጥቀምን "ኣብ ዓመት ሰለስተ ሚልዮን ቶን" ከም ዘፍርን እዩ ዝንገር። እቲ ፋብሪካ ድዅዒ፡"ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት" ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ብምኽንያት እዞም "ክልተ ኣገደስቲ ፕሮጀክትታት" ኢሉ ዝፀወዖም ፡ "ሎሚ ንዅሉ ኢትዮጵያዊ ታሪኻዊ ህሞት'ዩ፡" ኢሉ።

"እዞም ፕሮጀክትታት ካብ መርኣያ ዕብየት ኢንዱስትሪ ንላዕሊ እዮም። ዕድላት ንምምዝማዝ፡ ሽርክነት ንምጥንኻር፡ ሰላም ንምሕላው ዘለና ሓበራዊ ሓላፍነት ዘርእዩ እዮም።"

ኣብ ክልል ሶማል ንዝህነፁ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ጎዴን፡ ፋብሪካ ድኹዒ ዩርያን እምነ መሰረት ተነቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali