ኣብ ሩስያ ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት 15 ፖሊስ ዝርከብዎም ብዙሓት ተቐቲሎም

ዝነደድ ቤተክርስትያን

ኣብ ሩስያ ሰሜን ካውካሰስ ሪፓብሊክ ዳጌስታን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ፣ ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብያተ-ጸሎትን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም።

ዕጡቓት ኣብ በዓል ጴንጠቆስጠ ኦርቶዶክስ ንከተማታት ደርበንትን ማካችካላን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ተገሊጹ።

እቶም ዝሞቱ ብውሕዱ 15 ኣባላት ፖሊስ፣ ሓደ ካህንን ሓደ ሓላዋን ይርከብዎም።

ካብቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሽዱሽተ ክቕተሉ እንከለዉ ካልኦት ድማ ፖሊስ ይሃድኖም ኣሎ።

እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት መንነቶም'ኳ እንተዘይተፈለጠ ሪፐብሊክ ዳጌስታን ግን ኣብ ሕሉፍ እዋናት እውን ግዳይ እስላማዊ መጥቃዕቲታት እያ ነይራ።

ኣብቲ ናይ ሰንበት መጥቃዕቲ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናትን ክልተ ኣብያተ ጸሎትን ዒላማ ከም ዝዀና ይግለጽ።

ኣብታ ዝዓበየት ከተማ ዳጌስታን ዝዀነት ማካችካላ ሓደ ካህን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ተቐቲሎም ኣለዉ።

ኣሃዝ ናይቶም ዝተቐትሉ 15 ኣባላት ፖሊስ ከኣ መራሒ ሪፓብሊካን ዳጌስታን ሰርጌይ ሜሊኮቭ ወግዓዊ ዝገበሮ እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ተንቀሳቓሲ ስእልታት (ቪድዮታት) ጸሊም ክዳን ዝለበሱ ሰባት ኣብ ልዕሊ መካይን ፖሊስ ክተኩሱ እንከለዉ የርእዩ።

ደርበንት ኣብ ዝተባህለት ጥንታዊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዝነብሩላ ከተማ ድማ ዕጡቓት ኣብ ሓደ ቤተ-ጸሎትን ቤተክርስትያንን መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኰይኖም ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ እቶም ቤተ-እምነታት ብሓዊ ተቓጺሎም።

ማሽ ዝብል ስያመ ዘለዋ ኣብ ቴሌግራም እትርከብ ዘይወግዓዊት ቻነል፡ ኣብ ደርበንት ኣብ ዝርከብ ህንጻ ዕጡቓት ከቢቦም ዓጽዮም ከም ዝነበሩ ሓቢራ።

ሰርጎካል ኣብ ዝተብሃለት ቁሸት እውን ኣብ ሓንቲ ናይ ፖሊስ መኪና መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።

ፖሊስ ናይ ሓንቲ ሰርጎካሊንስኪ ዝተባህለት ኣውራጃ ኣመሓዳሪ ንዝዀነ ማጎሜድ ኦማሮቭ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዎ ተገሊጹ’ሎ።

ንሱ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወሉ ምኽንያት ከኣ ክልተ ደቁ ካብቶም ነቲ ናይ ሰንበት መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ምዃኖም ዝገልጽ ጸብጻባት ምውጽኡ ስዒቡ እዩ።

ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ክፋላት ሩስያ ዝኾነት ዳጌስታን ብብዝሒ ኣስላም ዝነብሩላ ሪፓብሊክ እያ።

መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ

ኣብ መንጎ ካብ 2007 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ‘ኢማራት ካውካሰስ’ ድሒሩ ድማ ‘እስላማዊ ኢማራት ካውካሰስ’ ዝተባህለ ጅሃዳዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዳጌስታንን ጎረባብታ ኣብ ዝዀና ሪፓብሊካት ሩስያ ቸቸንያ፣ ኢንጉሸትያን ካባርዲኖ-ባልካርያን መጥቃዕቲ ክፍጽም ምጽንሑ ይግለጽ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ጥቓ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዋላ እኳ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኢስላሚክ ስቴት) ሓላፍነት እንተወሰደ ሰበስልጣን ሩስያ ግን ንዩክሬንን ምዕራባውያንን ተሓተትቲ ምግባሮም ይዝከር።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን "ሩስያ ብእስላማውያን ኣኽረርቲ ዒላማ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ" ክብል ኣጽኒዑ ተዛሪቡ ነይሩ።

ነዚ ከም ምኽንያት ዘቐመጦ ከኣ "ፍሉይ ኣብነታዊ ናይ ሃይማኖታት ስኒትን ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን ኣብ መንጎ ብሄራትን ሓድነት ስለ ዘለዋ" ዝብል እዩ።

ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ግን ኣገልግሎት ውሽጣዊ ጸጥታ ሩስያ - ‘ኤፍ.ኤስ.ቢ’ - ነቲ ኣይኤስ ኣብ ሓደ ቤተ-ጸሎት ሞስኮ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝገበሮ ውዲት ከም ዘፍሸሎ ጸብጺቡ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ምሉእ ወራር ካብ እትፍጽም ንደሓር፡ ዜጋታታ ቀንዲ ተጻባእቶም ዩክሬይንን "ምዕራባውያንን" ምዃኖም ክኣምኑ እዮም ተገይሮም።