መንግስቲ ኢትዮጵያ ዩኤስአይድ ንዘቕርቦ 2 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ፈቒዱ

ሬድዋን ሑሴንን ዴቪድ ቢዝሊን

ምንጪ ስእሊ, MOFA/FB

መንግስቲ ኢትዮጵያ በብወርሑ ዩኤስኤይድ ዘቕርቦ ክልተ ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ከምዝፈቐደ ተገሊፁ።

እዚ ዝተገለፀ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ምስ ዳይሬክተር ውድብ ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝሊን ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፁ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ቀረብ ነዳዲ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ምክፍፋል ሓገዝ ዝመጣጠን ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ከም ኣገላልፃ ኣምባሳደር ሬድዋን፡ ውድብ ምግቢ ዓለም በብወርሑ ክልተ ሚሊየን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ንምእታው ብዝምልከት ዝርዝር ሰነዳት ኣቕሪቡ እዩ።

ዩኤስኣይድ፡ ነቲ ዝተጠቐሰ መጠን ነዳዲ ናብ ሃገር ከእቱን፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቀረብ ረድኤት ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ንምግዓዝ ክውዕልን መንግስቲ ከምዝፈቐደ ኣይተ ሬድዋን ወሲኹ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ብጭቡጥ መረዳእታ ክሳብ ዝድገፍ ናብ ትግራይ ዝኣቱ መጠን ገንዘብን ነዳድን ንምዕባይ ፌደራል መንግስቲ ድልው ምዃኑ ገሊጹ።

ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ፡ ሎሚ ሓሙስ 16 ሰነ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ መራሕቲ ትግራይ ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን መዓልታዊ ዝግበር ዝነበረ በረራታት ከምዝኣገደ ከሲሱ።

ካብ መራሕቲ ትግራይ ሓደ ዝዀነ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝፀሓፎ መልእኽቲ፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ንግዚኡ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዘይከኣለን ኣብ ቀረባ እዋን ስርሑ ክጅምር ተስፋ ከምዘለዎን ገሊጹ።

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ናብ ትግራይ 137,913 ሊትሮ ነዳዲ ዝፀዓና ሰለስተ ናይ ፅዕነት መካይን ከምዝኣተዋ ተዛሪቡ።

"ህወሓት፡ 'ነዳዲ የለን' ዝብል ዘሎ ንኻልእ ዙር ኲናት ሰራዊት ንምውዳብ ዓቕሙ ንምሕያልን ደልዩ እዩ” ክብል ብምኽሳስ፡ ብድምር 920,309 ሊትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ኣትዩ እዩ ኢሉ።

ብዛዕባ እዚ መጠን ነዳዲ፡ ካብ ትካላት ረድኤት ኰነ ካብ መራሕቲ ትግራይ ዝተብሃለ የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሰነ፡ እቲ ውግእ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ካብ ዝልሕም ጀሚሩ፡ ንትግራይ ዝወሃብ ሰብኣዊ ሓገዝን ቀረብ ነዳድን ተቛሪጹ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።

በዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ክልል ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊየን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ካብ ዝፍረም ጀሚሩ፡ ዝተወሰነ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ፡ እንተኾነ ሕጽረት ነዳዲ ከምዘጋጠመ ጸብጻባት የመልክቱ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ መኽዘኑ ን950 ሽሕ ሰባት ዝኣክል መግቢ ከምዘለዎ እኳ እንተገለፀ ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ግና ክበፅሕ ከምዘይከኣለ ኤፒ ፀብፂቡ።

ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ክሪሲስ ሌናርቺክ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝገበሮ ዑደት፡ “መኽዘናት ብሓገዝ መሊኦም'ዮም፡ ናብ ገጠራት ግን ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ክበጽሑ ኣይከኣሉን" ክብል ጠቒሱ።

እቲ ንኣስታት 19 ኣዋርሕ ዝፀንሐ ኲናት ትግራይ ህድእ ዝበለ ዀይኑ፣ እቲ ኲናት ጠቕሊልካ ንምቁራፅ ግን ዛጊድ ኣብ ስምምዕነት ኣይተበፅሐን።