ኣብ ሰማያት ሃገራ ነፋሪት ሒዛ ክትዛውን እትደሊ ኣፍጋናዊት ፓይሎት

ኣብ ሰማያት ሃገራ ነፋሪት ሒዛ ክትዛውን እትደሊ ኣፍጋናዊት ፓይሎት

ኣፍጋናዊት ሞሃደሰ ፈላመይቲ ጓል ኣነስተይቲ ነፋሪት እተብርር በዓልቲ ሞያ ኮይና ጣሊባን ንካቡል ምስተቐጻጸረ ምስ ካልኦት መሳርሕታ ናብ ካልእ ሃገር ተሰዲዳ።

ንሳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መገዲ ኣየር ቡልጋርያ ብሞያ ኣብራርነት ትሰርሕ ዘላ ኮይና ሓደ መዓልቲ ኣፍጋኒስታን ናጻ ኮይና ንደቂ ኣንስትዮ ምችእቲ ምስኮነት ተመሊሳ ሃገራ ክተገልግል ከም እትደሊ ገሊጻ።