ኣመንቲ እስልምና ኣብ ግዜ ሓጅ ጥዕናኦም ዝተሓለወ ክኸውን ዘኽእሉ ምዕዶታት

ሓጅ ኣመንቲ እስልምና ኣብ ህይወቶም እንተወሓደ ሓንሳብ ክገብርዎ ዝደልዩዎ መንፈሳዊ በዓል'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

በብዓመቱ ካብ መላእ ዓለም ዝመጽኡ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ኣመንቲ ምስልምና ናብታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ እትርከብ ቅድስቲ ከተማ መካ ብምኻድ ሓደ ካብ ኣዕኑድ እስልምና ዝዀነ ሓጅ ይፍጽሙ።

ሓጅ ኣብ ናይ መወዳእታ ወርሒ እስላማዊ ኣቈጻጽራ ዱሁ ኣል ሒጃ ዝካየድ መንፈሳዊ በዓል እዩ። ሎሚ ዓመት ካብ 27 ግንቦት ክሳዕ 2 ሰነ 2017 (ኣቈጻጽራ ግእዝ) ዝካየድ ኰይኑ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰዓብቲ እምነት እስልምና ኣብቲ ጕዕዞ ከም ዝሳተፉ ይእመን።

ሓጅ መንፈሳዊ ጕዕዞ ጥራሕ ዘይኰነስ ብፈታኒ ክሊማ ተዓጂብካ በዳሂ ናይ እግሪ ጕዕዞ'ውን ዘጠቓልል እዩ። ናብቲ ሓያል ዋዒ ዝርከቦ በረኻን ጽዑቕ ብዝሒ ህዝቢ ዝሳተፈሉን ቦታ ንምብጻሕ ኣካላዊ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ እዋን ንግደት ሓጅ ብውሕዱ 1300 ሰባት ከምዝሞቱ ስዑዲ ዓረብ ሓቢራ። መብዛሕትኦም ድማ ኣብቲ ብርቱዕ ዋዒ ነዊሕ ርሕቀት ምስተጉዓዙ'ዮም ሞይቶም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብገምጋም 1.8 ሚልዮን ሰባት ኣብ ንግደት ሓጅ ተረኺቦም ነይሮም። ኣብዚ ፍሉይ ሃይማኖታዊ ንግደት ጥዕናኻ ክትሕሉ ዝሕግዙኻ ምኽርታት እነሆ።

እግርኻ ናብ ስዑዲ ዓረብ ቅድሚ ምልዓልካ እኹል ምድላው ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ።

ኣረጋውያን ከምኡ'ውን ከም ሕማም ሽኮር፡ ኣዝማ፡ መንሽሮን ሕማም ልብን ዝኣመሰሉ ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ተጓዓዝቲ ቅድሚ ናብ ጕዕዞ ምብጋሶም ምሉእ ኣካላዊ መርመራ ክገብሩ ክኢላታት ጥዕና ይመኽሩ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝጠልቦ ኵሉ ግዴታዊ ክታበት ምኽታብ ኣገዳሲ ይኸውን። እዚ ድማ ክታበት ኣንቅጺ ዘጠቓልል'ዩ።

ክታበት ሓጅ፡ ኣመንቲ እስልምና ናብ ስዑዲ ዓረብ ቅድሚ ምእታዎም እንተ ወሓደ ዓሰርተ መዓልታት ክውሰድ ኣለዎ። ከምኡ'ውን ክታበት ኮቪድ 19 ክውሰድ ይምከር።

ካብ ለበዳ ፖልዮን ብጫ ሰዓልን ዘለወን ሃገራት ዝገሹ ገያሾ እውን ክታበቶም ክወስዱ ይግደዱ።

ቅድሚ እቲ ጕዕዞ

ብዙሓት ሰባት ናብቲ ስፍራ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ብብዝሒ ተገልገልቲ ስለ ዝጨናነቓ ክኢላታት ጥዕና፡ ብዝተኻእለ መጠን ነብስኻ ምንባይ ብልሒ ምዃኑ ይገልጹ።

ዝዀነ ብሓኪም ዝተኣዘዘልካ መድሃኒት እንተ'ልዩካ፡ ንውሓት ግዜ ጻንሖትካ ከጽንሐካ ዝኽእል እኹል መድሃኒት ከም ዘለካ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ።

ክኢላታት መፋኾሲ ቃንዛ፡ መድሃኒት ጸረ ውጽኣትን ተምላስን፡ ንቐሊል መጕዳእቲ ዝኸውን ናይ ቀዳማይ ረድኤት መሳርሒታት፡ ናይ ኢድ መናጽሂ ሳኒታይዘርን ናይ ገጽን ኣፍንጫን መሸፈኒን (ማስክ) ሒዝካ ክትከይድ ይመኽሩ።

ብተወሳኺ፡ ነዊሕ ርሕቀት ምጓዓዝ ዘይለመዱ ገያሾ ብፍላይ ኣብ ውዑይ ኵነታት ኣየር፡ ኣቐዲሞም ገለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ይምከር።

ሓጅ ኣብ ከባቢ መካ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ንተኸታተልቲ መዓልታት ዝካየድ ሃይማኖታዊ በዓል እዩ። ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ንምጓዓዝ ኣብ መዓልቲ ብማእከላይ ገምጋም ካብ 5 ክሳብ 13 ኪሎ ሜትር ብእግሪ ምጓዓዝ የድሊ።

ስለዚ፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሓይሊ ንምዕቃብን መጕዳእቲ ንምንካይን እንተ ወሓደ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ካብ ቀሊል ክሳብ ማእከላይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምግባር፡ ኣካላትካ ምልምማድ ክትጅምር ከም ዘለካ ክኢላታት ይመኽሩ።

ዓመታዊ ክሳዕ 2 ሚልዮን ኣመንቲ እስልምና ይሳተፍዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምቘት ምጽዋር

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ስዑዲ ዓረብ 51 ደረጃ ሰንቲግሬድ ክበጽሕ ይኽእል እዩ። እዚ ዳርጋ ኣብ ቅድሚ ውዑይ ፎርኖ ደው ምባል እዩ። ኣብዚ ልዑል ምቘት፡ ሰብነትና ንርእሱ ንምዝሓል'ዩ ዝቃለስ።

እዚ ድማ ድኻም ዋላ እውን ወቕዒ ልቢ ከስዕብ ይኽእል። ካብ ምኒስትሪ ጥዕና ስዑዲ ዓረብ፡ "ንነብስኻ ንዋዒ ኣይተቃላልዕን ብዙሕ ፈሳሲ ስተን፡" ዝብል መጠንቀቕታ እኳ እንተ ሃበ፡ ብዙሓት ተጓዓዝቲ ገና ግዳይ ወቕዒ ልቢ ይዀኑ'ዮም።

ኣብዚ ዓመት'ዚ መንግስቲ ቍጽሪ ሰራሕተኛታት ጥዕና ብምውሳኽ 400 መዝሓሊ ማይን ሻምብቆታት ማይን ብምትካል፡ መእመናን ንነብሶም ዘዝሕልሉ ኵነታት ከም ዘጣጥሐ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ'ሎ።

ምክትል ምኒስተር ህዝባዊ ጥዕና ስዑዲ ዓረብ ዓብደላ ኣስሪ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሎሚ ዓመት ትዅረትና ምስ ምቘት ኣብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት'ዩ፣ ምኽንያቱ፡ ናይ ሎምዘበን ሓጅ ምስ ልዑል ምቘት ዝረኣየሉ እዋን'ዩ ተጋጢሙ። ኣብዚ ዓመት'ውን እቲ ምቘት ልዑል'ዩ፡" ኢሉ።

ስለዚ፡ ተጓዓዝቲ ዋላ'ውን ማይ እንተ ዘይጸምኡ ብተደጋጋሚ ብዙሕ ፈሳሲ ክሰትዩን ኣብ ክንዲ ፕላስቲክ ማይ ንነዊሕ ግዜ ከዝሕለሎም ዝገብር ናይ ማይ ኳዳታት ክሕዙን ይምከር።

ኣብ ደገ እተሕልፎ ግዜ ምምራጽ እውን ሓደ ኣማራጺ ኰይኑ፡ ካብ ንግሆ ሰዓት 5:00 ክሳዕ 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ውሽጢ ገዛ ክጸንሑ ይምከር።

ብብዝሒ ሰባት ዝተጨናነቐ ከባቢ ምውጋድን ጽላል ወይ እኹል ንፋስ ዝኣትወሉ ቦታታት ምምራጽን እውን ዋዒ ንኸይፍጠር ክሕግዝ ይኽእል።

መከላኸሊ ጸሓይ (ሳን ስክሪን) ምጥቃምን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰዓት ዳግማይ ምልካይን ቆርበትኩም ብጸሓይ ንኸይቃጸል ክሕግዝ ይኽእል።

ኣየር ናይ ምእታው ተኽእሎ ዘለዎም ክዳዉንቲ ምኽዳን እውን ንጩራ ጸሓይ ስለ ዘንጸባርቕ ኣካላትና ንምዝሓል ይሕግዝ። ምቹእን ኣየር ዘእቱን ጫማ ምግባር ኢሉ'ውን ድሙቕ ሕብሪ ዘለዎን ዘንጸባርቕን ጽላል ምሓዝ እውን ይምከር።

እንተዀነ፡ ድኻም፡ ምድንዛዝ ወይ ዕውልውል ዘብለካ እንተኰይኑ ሸለል ኣይትበሎ፣ ምኽንያቱ፡ እዞም ምልክታት እዚኦም ከቢድ ኵነታት ጥዕና ከመልክቱ ስለ ዝኽእሉ።

ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክብረ በዓል ሓጅ 1300 ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብብዝሒ ሰባት ኣብ ዝተጨናነቐ ቦታ ድሕነትካ ምሕላው

ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ምስ ዝእከቡ፡ ሕማም ናይ ምስፍሕፋሕ ሓደጋ ይውስኽ። ጕድለት ጽሬት ወይ ቀሊል ሰዓል ናብ ለበዳ ክቕየር ተኽእሎታት ኣሎ።

ሕማም ንምክልኻል ተጓዓዝቲ ኣእዳዎም ብማይን ሳሙናን ኣጸቢቖም ክሕጸቡ ወይ ድማ ሳኒታይዘር ኢድ ክጥቀሙ ይግባእ።

ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ምግባር እውን ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስ ንምክልኻል ክሕግዝ ይኽእል። መብዛሕትኡ ገዛውትን መጽለልን ምቘት መዝሓሊ ስለ ዘለዎም፡ ማስክ ምግባር ዝኸብድ ኣይኰነን።

ካብ ሰበስልጣን ዝመጽእ መልእኽትታት ምክትታል እውን ኣገዳሲ እዩ። ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ እዋን ጸገምን ጽቕጥቅጥን ሓበሬታ ጥዕናን ኵነታት ኣየርን ዝህብ ስርዓት ከም ዘተኣታተዉ ኣፍሊጦም።

ብተወሳኺ፡ ሕማቕ እንተ ኣጋጢሙካ ናይ ዝጽዋዕ ሰብ ኣድራሻን ሕክምናዊ ድሕረ ባይታኻን ክትሕዝ ይምከር። ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ትካል ጥዕና ምፍላጥ እውን ኣገዳሲ እዩ።

ሓጅ ኣመንቲ እስልምና ኣብ ህይወቶም ሓንሳብ ዝፍጸምዎ ሃይማኖታዊ ጕዕዞ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ሃይማኖታዊ ስርዓት ንምፍጻም መንፈሳዊ ጸቕጥታት እኳ እንተሃለወ፡ ገያሾ ንጥዕናኦም ቀዳምነት ክህቡ ክኢላታት ይመኽሩ።