ካብ ስልጣኑ ዝወረደ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ እንታይ ዓይነት ሓለፋታት ኣለዎ?

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ነቲ ንሽዱሽተ ዓመት ሒዛቶ ዝጸንሐት ፕረዚደንትነት ንኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴ ኣረኪባ ካብ ስልጣና ወሪዳ ኣላ።
እታ ናይ ስንብት መደረ ዘየቕረበት ፕረዚደንት ነበር፡ ብዛዕባ ካብ ስልጣና ዝተኣለየትሉ ምኽንያት ክሳብ ሕጂ ዝገለፀቶ ነገር የለን።
ሳህለ ወርቅ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ 2011ዓ.ም [ግእዝ] እያ ፕረዚደንት ኮይና ተመዚዛ።
ቅዋም እታ ሃገር ናይ ፕረዚደንትነት ዘመነ-ስልጣን ሽዱሽተ ዓመት ከምዝኾነ ይድንግግ። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ሓደ ፕረዚደንት ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ እብረ ክምረጽ ኣይክእልን እዩ።
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ስልጣን ከምዘይትቕጽል ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ መቕርባታ’ውን እንከይተረፈ ንኻልኣይ ግዜ ፕረዚደንት ኮይና ከምዘይትቕጽል ንቢቢሲ ኣንፊቶም ነይሮም።
እታ ፕረዚደንት ነበር ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤክስ [ትዊተር] ዝጽሓፈቶ መልእኽቲ ንብዙሓት ኣደናጊሩ ነይሩ።
መደምደምታ ናይቲ መልእኽቲ "ተስፋ ቆሪጻ መውጽኢ መንገዲ" ከምዝስኣነት ብምግላጽ፡ መልሳ ድማ "ስቕታ" ምዃኑ ይገልጽ።
እታ ፕረዚደንት ነበር ዘመነ ስልጣና ተወዲኡ ንካልኣይ እብረ ኣብ ዘይተናወሐሉ ኩነታት፡ እንታይ መሰላትን ጥቕምታትን ክህልዋ እዩ?
ቅድሚ 16 ዓመት መሰልን ተጠቃምነትን መራሕቲ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፣ ኣባላት ቤት ምኽርን ዳያኑን ዝውስን ኣዋጅ ወፂኡ ነይሩ።
"መራሕቲ ሃገርን መንግስትን፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣባላት ባይቶን ዳያኑን ህዝባዊ እምነት ተሰኪሞም ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ስለዝሰርሑ ካብ ስልጣኖም ምስተኣለዩ ካብ ከርፋሕ ናብራን ጉስቁልናን ከምኡ እውን ግዳይ ስግኣት ከይኾኑ ሓለዋን ከለላን ከምዘድልዮም” ኣብ መእተዊ እቲ ኣዋጅ ይዝርዝር።
እቲ ኣዋጅ መሰላትን ተጠቃምነትን ናይቶም ካብ ስልጣኖም ዝተኣልዩ ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንትን ብዝርዝር ዝገልጽ እዩ። ካብ ስልጣኖም ዝተኣለዩ ፕረዚደንት፣ ቀዳማይ ሚኒስትርን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ተመሳሳሊ ረብሓ ይህልዎም።
ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፡ እቲ ካብ ስልጣኑ ዝወረደ ፕረዚደንት ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ዝኽፈል ዝነበረ ወርሓዊ ደሞዝን ኣበልን ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ እውን ኣይቋረጽን እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ደሞዝን ኣበልን ክመሓየሸሉ እንከሎ እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ፕረዚደንት እውን ካብቲ ምትዕርራይ ተጠቃሚ ክኸውን እዩ።
እቲ ኣዋጅ ብተወሳኺ እቲ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ ፕረዚደንት ንባዕሉን ንስድርኡን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ መደቀሲ ክፍልታት ዘለዎ ገዛ ብናይ መንግስቲ ባጀት ከምዝቐርበሉ ይገልጽ። እዚ ድማ ንሰራሕተኛታት ዝኽፈል ደሞዝ’ውን ዘካተተ እዩ።
ካብ ስልጣኖም ዝወረዱ ፕረዚደንታትን ስድራቤቶምን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብናይ መንግስቲ ባጀት ሕክምናዊ ክንክን ይረኽቡ። እቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከከም ኣድላይነቱ ብመንግስቲ ወይ ብውልቂ ትካል ጥዕና ከምዝወሃብ ዝገልጽ እቲ ኣዋጅ፡ እቲ በዓል መሰልን ስድርኡን ዝሕከምሉ ትካል ኣብ ውሽጢ ዓዲ እንተድኣኾይኑ እቲ ኣጎልግሎት ቀዳማይ ደረጃ ክኸውን ከምዘለዎ ይዝርዝር።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ ፕረዚደንት ውልቃዊ ድሕነት ገዛእ ርእሱን ስድርኡን ንምርግጋጽ ሓለውቲ ይምደበሉ። እቲ ክምደብ ዝግበኦ ሓይሊ ፀጥታ ዓይነትን መጠንን ነቲ ፀጥታ ብዝመርሕ ኣካል ከምዝውሰን እቲ ኣዋጅ ይድንግግ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ዝተመስረተ ሓለዋ ሪፓብሊካን፡ ነቶም ካብ ስልጣኑ ዝወረዱ ፕረዚደንት፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ናይ ምሕላው ሓላፍነት’ውን ተዋሂብዎ።
እቲ ኣዋጅ ምስ ፕሮቶኮል ብዝተኣሳሰር ሓላፍነቶም ዘረከቡ ፕረዚደንታት ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮም ሓላፍነታት ዝመጣጠን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዲፕሎማስያዊ ፓስፖርት፣ ኣገልግሎት ቪኣይፒን ክረኽቡ ከምዘለዎም ደንጊጉ’ዩ።
ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር "ሰለስተ ዘበነዎት መካይን ንመጓዓዝያ" ይምደበሉ።
ካብኡ ብተወሳኺ ደሞዝ መራሒ መኪና፡ ነዳዲን ወጻኢታት ጽገናን ብመንግስቲ ከም ዝሽፈን ይድንግግ።
እቲ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ ፕረዚደንት ኣብ መንበሪ ገዝኡ ክልተ ናይ መስመር ቴለፎናትን ሓንቲ ሞባይልን ክህልዎም ምዃኑን፡ ወጻኢታቱ ድማ ብመንግስቲ ዝሽፈን እዩ። እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ምስወረደ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ተዋፊሩ እንተኾይኑ ኣብቲ ዝነብረሉ ከተማ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ከም ዝወሃቦም ኣብቲ ኣዋጅ ተገሊጹ ኣሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ ባዕሎም ዝመረጽዎምን መሃይኦም ብመንግስቲ ዝኽፈልን ጸሓፊን ሓደ ክኢላን ክህልዎም እዩ። ብመሰረት እቲ ኣዋጅ መንግስቲ ንቤት ፅሕፈት ዘድልዩ ኮምፒዩተራት፣ ቴሌፎን፣ ኢንተርኔት፣ ፖስታ ወዘተ ከቕርብ ይግበር።
እቲ ካብ ስልጣኑ ዝወረደ ፕረዚደንት ብሞት ምስ ተፈልየ “ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ሞቱ ብመራኸቢ ብዙሓን ክንገሮ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ኣብ መላእ ሃገር ናይ ሓደ መዓልቲ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ክእወጅ'ዩ" ይብል እቲ ኣዋጅ።

ምንጪ ስእሊ, ebc/screen shot
ናይዚ መሰል ተጠቃሚ ዝኾነ ፕረዚደንት ምስሞቱ እውን እንተኾነ "ንስድራቤቶም ዝወሃብ ኣገልግሎት ኣባይቲ፡ ሕክምናን ውልቃዊ ድሕነትን ኣይቋረጽን'ዩ" ይብል እቲ ኣዋጅ።
ቀዳማይ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ካብ ስልጣኑ ምስወረደ ንኣርባዕተ ዓመት ጥራይ እዩ ዝግብኦ ጥቕሚ ረኺቡ። ብውልቁ ተወዳዲሩ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምስኮነ እዩ ዝረኽቦ ዝነበረ ጥቕማ ጥቕሚ ተቛሪጹዎ።
ዶክተር ነጋሶ ናይ ጡረታ ደሞዙ ኣብ ወርሒ 2295 ብር’ዩ ነይሩ።
ካብ 1987 ዓ.ም ን7 ዓመታት ፕረዚደንት ኮይኑ ዘገልገለ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2011 ዓ.ም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ንዕኡ ስዒቡ ፕረዚደንት ዝኾነ ሓለቓ ምኢቲ ግርማ ወልደ ጊዮርጊስ ንክልተ እብረ ፕረዚደንት ኮይኑ ኣገልጊሉ። ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ድማ ሳልሳይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ከምዘገልገለ ዝዝከር እዩ።
ትማሊ ስልጣና ዘረከበት ፕረዚደንት ነበር ሳህለወርቅ ዘውዴ’ውን እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ናይ ተሰናባቲ ፕረዚደንት ጥቕማ ጥቕሚ ክትረክብ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







