ሆስፒታል ዓይደር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን 'ቦቶክስ' ብምጥቃም ዕውት መብጣሕቲ ተኻይዱ

ምንጪ ስእሊ, Hakim
ኣብ ሆስፒታል ዓይደር፡ ክውለድ እንከሎ ኣብ ከባቢ ሕምብርቱ ክፍተት ዝነበሮ ዕሸል፡ "ኣብ ኣፍሪቃ ፈላሚ'ዩ፡" ብዝተባህለ መገዲ መብጣሕቲ ከም ዝተገብረሉ ክኢላ መብጣሕቲ ህጻናት እቲ ሆስፒታል ዶክተር ይርጋለም ተኽለብርሃን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ ከባቢ ሕምብርቲ ዝተፈጥረ ዓቢይ ክፍተት ቦቶክስ (Botulinum toxin) ብምጥቃም ዕውት ናይ ምምላስ መብጣሕቲ ከም ዝተኻየደ እቲ ክኢላ ይሕብር።
እቲ መብጣሕቲ ዘካየደ ክኢላ ዶክተር ይርጋለም፡ ክፍተት ግድግዳ ኸብዲ (omphalocele) ብተፈጥሮ ዝኽሰት ምዃኑ የረድእ።
ኣምፋሎሲል፡ ኣብ እዋን ወሊድ ኣብ ውሽጢ ከብዲ ዝርከቡ ክፍሊ ኣካላት - ማለት መዓናጡ፡ ጸላም ከብዲ ወይ ካልኦት - ብትሕቲ ሕምብርቲ ብዘሎ ነዃል ሽፋን ከብዲ ክወጽኡ እንከለው ማለት እዩ።
እዚ ጸገም፡ ኣብ እዋን ዕብየት ጥንሲ ሽፋን ከብዲ ምሉእ ብምሉእ ከይተዓጽወ ክተርፍ እንከሎ እዩ ዘጋጥም።
ትሕቲ ሕምብርቲ ዝርከብ ክፍሊ ኣካል ከብዲ፡ ግልጺ ብዘይኰነ ኣዝዩ ልስሉስ ቈርበት ወይ ከረጺት ተሸፊኑ፡ ዝተፈላለዩ ውሽጣዊ ኣካላት (መዓንጣ፡ ጕበት፡ ፍሕኛ ሽንቲ፡ ሓሓሊፉ ድማ ጨጐራ) ናብ ደገ ወጺኡ ብግልጺ ዝረኣየሉ ምዃኑ ዶክተር ይርጋለም የረድእ።
እዚ ክፍተት፡ ኣብ ሓደስቲ ዝውለዱ ዕሸላት ዘጋጥም ኰይኑ፡ ብመሰረት መጽናዕቲ ሃገራት ምዕራብ፡ ካብ 5000 ህጻናት ኣብ ሓደ ከምዚ ዓይነት ጸገም ከጋጥም ይኽእል።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክትትል ነፍሰጾር ኣደታት ትሑት ስለ ዝዀነ፡ እዚ ቍጽሪ ሓፍ ክብል ከም ዝኽእል እቲ ክኢላ ወሲኹ የረድእ።
እቲ መብጣሕቲ፡ ቦቱሊነም ቶክሲን (botulinum toxin) ወይ ብሓጺሩ ቦቶክስ ዝተባህለ መድሃኒት ብምጥቃም ከም ዝተኻየደ ብምግላጽ፡ እዚ ድማ እቲ ሕክምና ፍልይ ዝበለ ከም ዝገብሮ ገሊጹ።
ቦቶክስ፡ ብብዝሒ ኣብ ገጽ ንዝፍጠር ምሽምራር ንምውጋድ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ ዶክተር ይርጋለም ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Dr. Yirgalem
ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ ሓሓሊፉ ድሕሪ መብጣሕቲ ክፍተት እንተሃልዩ እቲ መድሃኒት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከም ዝገብራ ብምግላጽ፡ ኣብ ዕሸላት ድማ ኣብ መላእ ዓለም ትሕቲ ዓሰርተ ሕክምናታት መብጣሕቲ ነዚ መድሃኒት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከም ዝተገብረ ጠቒሱ።
"ኣነ ብዘለኒ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ቦቱሊነም ቶክሲን ብምጥቓም ኦምፋልሴል ክዕጾ ከም ዝተገብረ ዘርኢ ጸብጻብ የለን፡" ይብል።
ዶክተር ይርጋለም፡ እቲ መብጣሕቲ ዝገበረሉ ዕሸል ናብ ሕክምና ቅድሚ ምምጽኡ፡ ካብ ሽወደን ዝመጽኡ ክልተ ሰብ ሞያ ሕክምና 'ቦቶክስ' ክፍተት ከብዲ ንምምላእ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕልን ውጽኢታዊ ምዃኑን ከም ዘዋግዑዎ ይዝክር።
ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድማ፡ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዕሸል ናብ ስራሕ ቦታኡ ከም ዝመጽአ ተዛሪቡ።
መጀመርታ ክፍተት ኣብ ዘለዎ ከባቢ ዝቕባእ መድሃኒት (ጂቪ) ከም ዝተጠቐመን ድሕሪኡ ቦቶክስ (botulinum toxin) ብመርፍእ ከም ዝሃቦን ተዛሪቡ።
እቲ ዝቕባእ መድሃኒት፡ እቲ ልስሉስ ከረጺት ዘለዎ ክፍሊ ውሽጣዊ ኣካላት ቀስ ብቐስ እቲ ሽፋን ከብዲ ብቈርበት ክሽፈን ይገብር።
እቲ ቈርበት ግን ስለ ዝሓብጥ፡ መብጣሕቲ ብምግባር ከም ዝዕረይ ዝሓበረ እቲ ዶክተር፡ በቲ ንደገ ዝወፅኡ ኣካላት ሒዙ ዝነበረ ረቂቕ ከረፂት "ኣርተፊሻል ሕምብርቲ" ከምዝተሰርሐሉ ገሊፁ።
ቦቱሊነም ቶክሲን፡ ኣብ ሓደስቲ ዝተወለዱ ዕሸላት ብምጥቃም ዝነበረ ክፍተት ምዕጻው ኣብ ኢትዮጵያ ፈላሚ ምዃኑ ዶክተር ይርጋለም ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Dr. Yirgalem
እቲ ሕክምና ዝተገብረሉ ዕሸል ናብቲ ሆስፒታል ክመጽእ እንከሎ "ምሉእ ፀላም ከብዱ፡ ዓብዪን ንእሽቶን መዓንጣ ኣብ ደገ እዮም ነይሮም። ብጣዕሚ ሰፊሕ ክፍተት እዩ ነይሩ - ሸሞንተ ሰንቲ ሜትር ይበጽሕ" ኢሉ።
ውጽኢታውነት እቲ መድሃኒት ንምዕቃን ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰሙናት ከም ዘድሊ ዝጠቅስ ዶክተር ይርጋለም፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ እቲ ዕሸል ብጐድኒ ዘለው ጭዋዳታት ሽፋን ከብዱ ብጽቡቕ ዓብዮም ነይሮም ኢሉ።
ክፍተት ሽፋን ከብዲ ዘለዎም ህጻናት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ካልኦት ክፍሊ ኣካሎም እውን ክፍተት ከም ዘጋጥሞም ሓቢሩ።
እዚ ክፍተት ዝፍጠረሉ ምኽንያት ምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ ዝብል እቲ ክኢላ፡ ግን ድማ ነዚ ጸገም ተቓላዕቲ ዝገብሩ ምኽንያታት ምህላዎም ኣልዒሉ።
እዚኦም ድማ ሽጋራ ዘትክዅ፡ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩ ወይ ድማ ድሕሪ 40 ዓመት ዝጠንሳ ኣደታት ከምዚ ዓይነት ጸገማት ጥዕና ዘለዎ ቈልዓ ከጋጥሞም ይኽእል። ካብዚ ብዝሰገረ ብሓረግ ዘርኢ'ውን ክመጽእ ይኽእል።
ኣብ እዋን ጥንሲ ግቡእ ክትትል ሕክምና ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ኣገንዚቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







