ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝተጻሕፈ ደብዳበ ጉዳይ ሓራምዝ እንታይ እዩ?

ሓራምዝ

ምንጪ ስእሊ, HENOK SEYOUM

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዶብ ክልላት ሶማልን ኦሮሚያን ዝርከብ ሓራምዝ ዝነብሩሉ ሕዛእቲ ገለ ክፋሉ ንበዓል ሃብቲ ምሃቡ ዘቘጥዖም ምሁራት ስነሂወታዊ ብዙሕነት፡ ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ደብዳበ ጽሒፎም።

ካብቲ ሕዛእቲ፡ ኣስታት 140 ሄክታር መሬት ተመቒሉ ንሓደ ኣውፋሪ እዩ ተዋሂቡ።

በዚ ዝተቘጥዑ ሰለስተ ምሁራት፡ ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ተፈጥሮ ሃገር ከቢድ በደል ክፍጸም ስቕ ኢሎም ምርኣይ ብዘይምምራፆም ናብ ቀዳማይ ሚንስትር ደብዳበ ከም ዝፀሓፉ ይገልፁ።

ሓደ ካብቶም ግዱሳት ምሁራት ዝዀነ ዶክተር ሃብቴ ጀቤሳ፡ “ኣብዚ እዋን እቲ ፓርክ ካብ ቍጽጽር በዓል መዚ ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ወጻኢ ኰይኑ’ሎ” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“ከም ዜጋታትን ምሁራት ዕቃበ ሂወታዊ ብዙሕነትን፡ ‘እዚ ተግባር ንሃገርና ዝጐድእ እዩ፡ ካብ ረብሓኡ ጉድኣቱ ይምዘን’ ኢና ንብል ዘለና” ብምባል ድማ እቲ ሕዛእቲ እንተበሪሱ ኣብ ቀረባ እዋን መሊሱ ክሓዊ ከም ዘይክእልን ንበረኻነት ከም ዘቃልዕ ሓቢሩ።

ዶክተር ሃብቴ፡ ሳዕቤኑ ኣብ ሓራምዝ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ’ውን ሓደጋ ከም ዘለዎ’ዩ ዝገልጽ።

“’ኣይተብርስዎ፡ እንተብሪስኩምዎ ኣብ 100 ዓመታት እውን ኣይትመልስዎን’ ኢና ንብል ዘለና። እንተበሪሱ ንህዝቢ ሓደገኛ ዝዀነ ደርቂ እዩ ዘስዕብ።”

ባቢለ ፓርክ

ምንጪ ስእሊ, HENOK SEYOUM

ኣብቲ ፓርክ 40 ሽሕ ስድራቤታት ከም ዝሰፈሩን ህላወ እቶም ሓራምዝ ኣብ ሓደጋ እናወደቐ ይኸይድ ከምዘሎን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ኣቢሉ ድማ ንሕርሻ ብዝብል ካብቲ ሕዛእቲ ንኣውፈርቲ ተዋሂቡ።

እዚ ተግባር ንነበርቲ ዘቘጥዐ ኰይኑ፡ ነቶም ሰብ ሃብቲ ኣይነእትውን ኢሎም ዝኸልከሉ ኣባላት ሓለዋ እቲ ሕዛእቲ ምስ ካልኦት ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ናብ ጎንጺ ኣትዮም ነይሮም።

“ብዝገርም ኵነታት እቶም ኣባላት ሓለዋ ጫካ ካብቲ ቦታ ተሰጒጎም እዮም። አባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢና ብዝብሉ ኣካላት ጸጥታ ተወሲዶም ከምዝተወቕዑ እውን ሰሚዕና” ክብል እቲ ዶክተር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ወሲኹ’ውን “እቲ ቦታ ነቶም ኣውፈርቲ መን ከምዝሃቦም ዝፍለጥ ነገር የለን” ኢሉ።

ይዅን’ምበር እቶም ምሁራት ሂወታዊ ብዙሕነት ንዝጻሓፍዎ ደብዳበ መልሲ ኣይረኸቡን።

“እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር በጺሕዎ ድዩ ኣይበጽሖን ዝብል እውን ንፈልጦ ነገር የብልናን።”

ኢትዮጵያ ሓደጋታት ደርቂ ኣብ ዘጋጥማ ዘሎ እዋን ጫካ ሃረርጌ ክበርስ ከም ዘይብሉ’ዩ እቲ በዓል ሞያ ዝዛረብ።

“ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ‘ሓምላይ ውርሻ” ብዝብል ዘካይዶ ወፍሪ ዝጋጮ ስራሕ እዩ” ብምባል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ሰሚዑ’ዩ ኢሉ ከም ዘይሓስብ ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ እቲ እንኮ መዕቆቢ ጸለምቲ ሓራምዝ ዝዀነ ባቢሌ ፓርክ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኢትዮጵያ ዞባ ሃራርጌ ወረዳ ባቢለ ዝርከብ ኰይኑ ኣብ 1962 (ግእዝ) እዩ ተመስሪቱ።

ልዕሊ 30 መጥበውቲ እንስሳታትን 220 ብርቂ ኣዕዋፍን ከም ዘዕቍብ ድማ ይግለጽ።

በዓል መዚ ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ኢትዮጵያ፡ እቲ ተግባር ነቶም ሓራምዝ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ንኣነባብራኦም ዝርብሽን ብምዃኑ፡ ድሕንነት እቲ ፓርክ ንምርግጋጽ ምስ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።