ሊቨርፑል ፍልልያ ኣግፊሓ፡ ቶትንሃም ደረጃኣ ኣመሓዪሻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ማእከላይ ሰንጠረዥ ዘለዋ ዓበይቲ ክለባት ቶትንሃምን ማንቸስተር ዩናይትድ ሎሚ ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ዘካየድኦ ግጥም፡ ቶትንሃም ማዲሰን ኣብ 13 ደቒቕ ብዘመዝገባ ሸቶ ተዓዊታ።
ክልቲአን ካብ ናብ ላዕለዎት ዓርባዕተ ናብ ዞባ ምምላስ ዝቐርባ ብምዃነን፡ ኣብ ጸቕጢ ኰይነን ዘካይድኦ ጸወታ እዩ ነይሩ።
ቅድሚ እዚ ጸወታ፡ ንቶትንሃም መሪሓ ምበል 14 ዝነበረት ዩናይትድ ናብ 15 ደረጃ ወሪዳ።
ዩናይትድ፡ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኣሰልጣኒኣ ሩበን ኣሞሪም ካብ ዘካየደቶ 21 ጸወታታት ኣብ 10 ጥራሕ ክትዕወት ክኢላ ኣላ።
እታ ብኣንግ ፖስተኮግሉ እትምራሕ ቶትንሃም ድማ ካብ ዝሓለፈ 8 ጸወታታት ሊግ፡ 4 ነጥቢ ጥራሕ ብምምዝጋብ ኣብ መበል 15 ደረጃ ዝጸንሐት ኰይና፡ ኣብዚ ግጥም'ዚ ብዝረኸበቶ ሰለስተ ነጥቢ ተሓጊዛ ናብ መበል 12 ደረጃ ደዪባ።
ቶትንሃም ኣብዚ ተሕልፎ ዘላ መሪር ዓመተ ስፖርት፡ ንዩናይትድ ክልተ ሳዕ ስዒራታ ነይራ እያ፤ ኣብ ፕረምየር ሊግ 3 ብ 0፣ ኣብ ርብዒ ፍጻመ ካራባኦ ካፕ 4 ብ 3። ኣብዚ ናይ ሰንበት ምሸት ድማ 1 ብ 0።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ርክበን፡ ቶትንሃም ብዩናይትድ ኣይተሳዕረትን፣ ሰለስተ ሳዕ ክትዕወት ከላ፡ ክልተ ግዜ ማዕረ ተፈላልያ።
በዚ ናይ ሎሚ ዓወት፡ ቶትንሃም ኣብ ሓደ ወቕቲ ሰለስተ ሳዕ ንማን ዩናይትድ ዝሰዓረታ ጋንታ ኰይና ኣላ - ድሕሪ'ቲ ቸልሲ ኣብ ዓመተ 2012-13 ሰለስተ ግዜ ዝሰዓረታ።
ቶትንሃም ድሕሪ ሕዳር ንፈለማ ግዜኣ እያ ናይ ፕረምየር ሊግ ዓወት ኣመዚጊባ። ኣብ ዝሓለፈ 28 ጸወታታታ ኣብ ሜዳኣ ሸቶ ከይተመዝገባ ክትወጽእ ድማ እዚ ናይ ሰንበት ንኻልኣይ ግዜኣ እዩ።
ኣሰልጣኒ ቶትንሃም ኣንግ ፖስተኮግሉ ንጋዜጠኛ ስካይ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሎሚ ምዕዋትና ኣገዳሲ እዩ፡" ኢሉ።
ብዛዕባ'ቶም ሰንበት ናብ ጸወታ ዝተመልሱ ተጻወትቱ ጀምስ ማዲሰንን ጉግሊሞ ቪካርዮን ኣመልኪቱ ድማ፡ "ወሓለታት ተጻወትቲ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ተጸጊምና ኢና። እዞም ተጻወትቲ ናብ ጸወታ ተመሊሶም ኣበርክቶ ክገብሩ ምኽኣሎም ድማ ብሉጽ ነገር እዩ፡" ኢሉ።
ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ሩበን ኣሞሪም ብወገኑ፡ "ኣብ መወዳእታ ንሶም ሸቶ ኣመዝጊቦም፣ ንሕና ከምኡ ኣይገበርና። እዚ ኣብ ጸወታ ዓቢይ ፍልልይ ዝፈጥር እዩ። ብዙሕ ዕድላት ፈጢርና ኢና፣ እንተዀነ፡ ንሶም ኣመዝጊቦም ንሕና ኣየመዝገብና፡" ኢሉ።
"ቀዳማይ ስጕምቲ ዕድላት ምፍጣር እዩ። ኣብ ገለ ጸወታታትና ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ንውዕል ግና ዕድላት ኣይንፈጥርን። ኣብዚ ጸወታ'ዚ ግን ዕድላት ፈጢርና ኢና። እንተዀነ፡ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ኣብ ዘየሎዋ ክልተ ጋንታታት ሓንቲ ሸቶ ፍልልይ ትፈጥር እያ፡" ክብል ወሲኹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ዓባይ ክለብ፣ ዓቢይ ጸቕጢ" - ኣሰልጠንቲ ብዛዕባ ንሓድሕዶም ዝተዛረቡዎ
ክልተኦም ኣሰልጠንቲ ኣብቲ ናይ ኣጸዋውታ ፍልስፍናኦም 'ደረቓት' እናተባህሉ ክውቀሱ ጸኒሖም እዮም።
ብዓርቢ ንመግለጺ ቅድመ-ጸወታ ኣብ ዝቐረብሉ፡ ኣሞሪም "ደጋፊ" ናይ ኣሰልጣኒ ቶትንሃም ፖስተኮግሉ ምዃኑ ብምጋልጽ፡ ንፉዕ ኣሰልጣኒ ምዃኑ፡ ንዅዕሶ ብቕኑዕ መንገዲ ክጻወቶ ከም ዝደልን ኣብ ልዕሊኡ "ርህራሀ" ከም ዘለዎን ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ "እንተዀነ፡ ንጸወታታት ኣይንዕወተሉን ኣለና፣ ንኽልተና ዘተኣሳስረና ዘሎ ድማ ይርድኣኒ'ዩ። ጸገምና ተመሳሳሊ እዩ፡" ኢሉ።
"ምስ ኵሉ ኣኽብሮት፡ ኣነ ኣብ ዝዓበየት ክለብ ስለ ዘለኹ ዝዓበየ ጸቕጢ ኣለኒ። ሓደ ኣሰልጣኒ ከኣ ኣብ መትከላቱ ክጸንዕ ኣገዳሲ እዩ፡" ኢሉ።
ኣሰልጣኒ ቶትንሃም ፖስተኮግሉ ብወገኑ፡ እታ ክለብ ንኽልተ ዓመት ኣብ ትሕቲ ኣሞሪም እንተ ጸኒሓ፡ "ዓቢዪ ምዕባለ ከተመዝግብ'ያ፡" ክብል ንኣሞሪም ደገፉ ገሊጹ።
"ኵላትና ብወጽኢት ከም እንፍረድ እርድኣኒ እዩ። እንተዀነ፡ ናይ ማንቸስተር ዩናይትድ ቍሩብ ተወሳኺ ክብደት ኣለዎ፡" ይውስኽ ፖስተኮግሉ።
ተንታኒ ኵዕሶ-እግሪ ኣብ ቢቢሲ ክሪስ ሱተን ዩናይትድ 2 ብ 1 ክትዕወት ክግምት ከሎ፡ ፖል መርሰን ድማ ብኣንጻሩ ቶትንሃም 2 ብ 1 ከም እትዕወት ግምቱ ኣስፊሩ ነይሩ።
ኦፕታ ሱፐርኮምፕዩተር ድማ ቶትንሃም ናይ ምዕዋት ዝለዓለ ተኽእሎ ከም ዘለዋ ገምጊማ ነይራ።
ሊቨርፑል ፍልልያ ካብ ኣርሰናል ናብ 7 ነጥቢ ኣዕብያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መራሒት ፕረምየር ሊግ ሊቨርፑል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር ኤቨርተን ክልተ ነጥቢ ድሕሪ ምኽሳራ፡ ሰንበት ምሸት ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ንውልቭስ ወንደረርስ 2 ብ 1 ረቲዓታ።
ፍልልይ ነጥባ ድማ ካብታ እትስዕባ ኣርሰናል ናብ 7 ክብ ኢሉ።
እዛ ብኣርነ ስሎት እትምራሕ ጋንታ፡ ልዊስ ድያዝ ኣብ መበል 15 ደቒቕ ብዘመዝገባ ሸቶ መርሒነት ክትሕዝ እንከላ፡ መሓመድ ሳላሕ ድማ ኣብ መበል 37 ደቒቕ ብፍጹም ቅላዕ ሸቶ ብምምዝጋብ፡ 2 ብ 0 መሪሓ ናብ ዕረፍቲ ወጺኣ።
እዚ መመሊሱ ዝስውድ ዘሎ ግብጻዊ፡ ናይ ፕረምየር ሊግ ሸቶታቱ 23 በጺሑ ኣሎ።
እታ ኣብ ናብ ዞባ ምምላስ ከይትወርድ እትቃለስ ዘላ ውልቭስ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ንሊቨርፑል ከተሰንብዳ ተራእያ እያ።
ሊቨርፑል ኣብ ካልኣይ እብረ ስልክይ ኢላ ኣብ እትጻወተሉ ዝነበረት እዋን፡ ተጻዋታይ ውልቭስ ማቴዎስ ኩንሃ ኣብ መበል 67 ደቒቕ ሸቶ ኣመዝጊቡ ኣብ ጸቕጢ ኣውዲቑዋ።
ተኸላኻላይ ሊቨርፑል ኣንዲ ሮበርትሰን፡ "ካልኣይ እብረ ስልችው እዩ ነይሩ፣ ኵሉ ሰብ ኣብ ውጥረት ነይሩ። ንዓና ግን ዓቢይ ዓወት'ዩ፡" ኢሉ።
ሓለቓ ጋንታ ሊቨርፑል ቨርጂል ቫንዳይክ ድማ፡ "ንምሉእ 90 ደቓይቕ ክንዕብልል ደስ ምበለና፣ እንተዀነ ፕረምየር ሊግ'ዩ። ውልቭስ ክትቀጽዓካን ሓደገኛ ኵነታት ክትፈጥርን ትኽእል እያ። መኪትናን ምቅላስ ቀጺልናን ሰለስተ ነጥቢ ምውሳድና ባዕሉ ይዛረብ እዩ፡" ኢሉ።
ውልቭስ ብኽልተ ነጥቢ ካብ ዞባ ምምላስ ክብ ኢላ ኣብ መበል 17 ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።
ውጽኢት ቀዳም ዝነበረ ጸወታታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ሰለስተ ካብ ኣጥቃዕታ ብማህረምቲ ዝኸሰረት ኣርሰናል፡ ናብታ ንዘይምምላስ ትቃለስ ዘላ ሌስተር ሲቲ ተጓዒዛ ኣብ መወዳእታ 10 ደቒቕ ብዝረኸበተን ሸቶታት 2 ብ 0 ተዓዊታ።
እታ ንኢታን ንዋነሪን ራሒም ስተርሊንን ብኽንፊ፡ ኣብ ማእከል ድማ ትሮሳድ ኣጥቃዕቲ ሒዛ ዝኣተወት ኣርሰናል ዕላማኡ ዝወቕዐ ፈተነታት ምግባር ክትጽገም ስለ ዝተራእየት፡ ደገፍታ ንቡካዮ ሳካን ካይ ሃቨርትዝን ክናፍቑ ኣገዲዱዎም እዩ።
ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚከል ኣርቴታ፡ ንትሮሳድ ከም ጌጋ ቍጽሪ ትሽዓተ ገይሩ ንምጽዋት ሒዙዎ ዝኣተወ ሜላ ውጽኢት ስለ ዘይረኸበሉ፡ ኣብ መበል 69 ደቒቕ ነቲ ክጽገም ዘምሰየ ራሒም ስተርሊን ኣውጺኡ ንስጳኛዊ ሚከል መሪኖ ኣእትዩዎ።
እቲ ካብ ርያል ሶሰይዳድ ብ32.6 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ኣርሰናል ዝተሰጋገረ መሪኖ፡ ኣብ መበል 81ን 87ን ደቓይቕ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ካብ ጸቕጢ ኣናጊፉዋ።
መሪኖ ድሕሪ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንመጀመርታ ግዜኡ ኣብቲ ቦታ ከም ዝተሰለፈን ጋንትኡ ከዐውት ምኽኣሉ ሓጐስ ከም ዝተሰምዖን ተዛሪቡ።
ኣብቲ ጸወታ፡ ሓንቲ ሓገዝ ንሸቶ ዝገበረን ዝሓሸ ምንቅስቓስ ዘርኣየን ወዲ 17 ዓመት ኢታን ንዋነሪ ድማ ዝበለጸ ተጻዋታይ ናይቲ ግጥሚ ተሰምዩ።
ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር ኒውካስል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ጸወታታት ብኣርሰናልን ርያል ማድሪድን ዝተሳዕረት ማንቸስተር ሲቲ፡ ንኒውካስል ኣብ ሜዳኣ ዓዲማ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም፡ 4 ብ 0 ገፊሕ ዓወት ኣመዝጊባ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ መስኰት ምስግጋር ተጻወትቲ፡ ብ59 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ጀርመናዊት ክለብ ኣይንትራክት ፍራንክፈርት ዝተዓደገ ዑመር ማርሙሽ፡ ንፈለማ እዋኑ ሃትሪክ ሰሪሑ።
ቸልሲ ዓርቢ ምሸት ብብራይተን ድሕሪ ምስዓራ፡ እዛ ብፔፕ ጓርድዮላ እትምራሕ ጋንታ ናብ ላዕለዎት 4 ተመሊሳ ኣላ።
እዚ ሓድሽ ተጻዋታይ ሲቲ ማርሙሽ፡ ኣብ መበል 19 ደቒቕ ቀዳመይቲ ሸቶኦ ኣብ ፕረምየር ሊግ ድሕሪ ምምዝጋቡ፡ ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት 43 ደቒቕ ድማ ክልተ ሸቶታት ወሲኹ።
እታ ቀዳመይቲ ሸቶ ካብ ሓላዊ ልዳት ኤደርሰን ዝመጽአት ነዋሕ ኩዕሶ ኰይና፡ ማርሙሽ ንኪራን ትሪፒየር ሓሊፉ ኵዕሶ ሸንቂሩ ብልጽቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ።
ሓላዊ ልዳት ሲቲ ኤደርሰን፡ ሽዱሽተ ንሸቶ ዝዀና ኳዓሳሱ ብምቕራብ፡ ኣብ ታሪኽ ፕረምየር ሊግ ካብ ሓለውቲ ልዳት ቀዳማይ ኰይኑ ይመርሕ ኣሎ።
ሲቲ ብመንገዲ ጀምስ ማካቲ ኣብ መበል 84 ራብዓይቲ ሸቶ ብምምዝጋብ፡ ኣብ ልዕሊ ኒውካስል ዝጸንሓ ዓብላልነት ቀጺላቶ ኣላ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትማሊ ቀዳም ካብ ዝተኻየዱ ጸወታታት፡ ኤቨርተን ንክሪስታል ፓላስ 2 ብ 0፣ ፉልሃም ንኖቲንግሃም ፎረስት 2 ብ 1፣ ቦርንማውዝ ንሳውዝ ሃምፕተን 3 ብ 1 ክረትዐአን ከለዋ፡ ኣስቶን ቪላ ድማ ምስ ኤፒስዊች 1 ብ 1 ማዕረ ተፈላልያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







