ን14 ዓመታት ኣብ እስራኤል ዝጸንሐ ኤርትራዊ ናብ ሃገሩ ተሰጒጉ

ሰባት ደው ኢሎም

ምንጪ ስእሊ, JPost

ኣብ እስራኤል ን14 ዓመታት ክቕመጥ ዝጸንሐ "ደጋፊ መንግስቲ" ምዃኑ ዝተነግረሉ ሰብ፡ ብሰኑይ 3 ሕዳር ናብ ኤርትራ ከም ዝተሰጐገ ኢዮሩሳሌም ፖስት ሓቢራ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ እስራኤል ዝቕመጡ ኤርትራውያን ድጋፍ እናተገብረሎም ናብ ሩዋንዳ ተመሊሶም እኳ እንተ ነበሩ፡ ናብ ኤርትራ ምስጓግ ግና እዚ ናይ ፈለማ ምዃኑ እዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።

ኣብ 2 መስከረም 2023 ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ተቓወምትን ኣብ ተልኣቪቭ ብዝተላዕለ ግጭት፡ ኣባላት ፖሊስ እስራኤል ዝርከቡዎም ብውሕዱ 150 ሰባት ከም ዝቘሰሉን 11 ሰባት ብጥይት ከም ዝተሃርሙን ማዕከናት ዜና እስራኤል ኣቃሊሐን ነይረን።

ብተወሳኺ፡ ኣብ 24 ነሓሰ 2024 ክልተኦም ኣካላት ኣብ ሓድሕዶም ብዝተፈጥረ ዕግርግር ክልተ ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ብኸቢድ ከም ዝተሃርሙ ተገሊጹ ነይሩ።

እዚ ሓድሕዳዊ ግጭት፡ ነቶም ብዘየተኣማምን ወግዓዊ ፍቓድ ኣብታ ሃገር ክቕመጡ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ኵነታቶም ክብእስ ከም ዝገበሮ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

እዞም ኣብ ሃገሮም ካብ ዝተደቀነ መከራ ሃዲሞም ብዙሕ ዋጋ ከፊሎም ርግኣትን ድሕነትን ደልዮም ኣብ እስራኤል ዝተዓቝቡ ስደተኛታት፡ ምስ ዕለታዊ ናብራን ጽኑዕ ሕጊ ስደተኛታት እስራኤልን እናተቓለሱ እዮም ዝነብሩ።

ካብ ቅድሚ 10 ዓመት ኣትሖዞም ኣብ እስራኤል ዝቕመጡ ኤርትራውያን ቋንቋ ዕብራይስጥ መሊኾም፡ ብስርሖም ኣበርክቶ እናገበሩ ደቈም የዕብዩ እኳ እንተ'ለዉ፡ ብመንግስቲ እስራኤል ከም ስደተኛታት ወግዓዊ ኣፍልጦ ከም ዘይብሎም እዩ ዝግለጽ።

በዚ ድማ ቀጻሊ ኣብ ዘይውሑስን ዘይርጉእን ኵነታት ክነብሩ ተገዲዶም እዮም።

እዚ ኣብ ነሓሰ 2011 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ድሕሪ ምእታው ኣብታ ሃገር ክቕመጥ ዝጸንሐ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ፡ ካብ ሓዳሩ ዝተፋትሐን ኣቦ ሓደ ውሉድ ምዃኑን ተፈሊጡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ሚያዝያ 2025 ጎዞሞ ኣብ ኢዱ ሒዙ እንከሎ ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ብተቘጻጻሪ ሓለዋ ዶብ ጉዳዩ ክስማዕ ተገይሩ። ንስድራኡ ብምፍርራሕ'ውን ተጠርጢሩ ከም ዝነበረ እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።

ድሕሪ መስርሕ ፍርዲ ድማ ኣብ ራምለ ናብ ዝርከብ መዳጐኒ ጊቮን ተሰጋጊሩ።

ኣብ ጊቮን ኣብ ዝጸንሓሉ ደጋፊ ስርዓት ኣስመራ ምዃኑ ስለ ዝተረጋገጸ፡ ንጉዳዩ ኣመልኪቱ ብዝቐረበ ርእይቶ መሰረት ድማ ክስጐግ ተኣዚዙ።

ሰኑይ ሰዓት 9፡00 ቅድሚ-ቐትሪ ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ መስርሕ ምጥራዙ ኣብ ግብሪ ክውዕል ጀሚሩ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝተኻየደ ግጭት፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ "ቀይሕ መስመር፡" ተጣሒሱ ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ንዅሎም እቶም "ዘይሕጋውያን ሰገርቲ፡" ኢሉ ዝገለጾም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ንምብራሮም ዘኽእል ሓድሽ ውጥን ክሕንጸጽ ኣዚዙ ነይሩ።

ይዅን'ምበር፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኤርትራውያን ንምስጓግ ተግባራዊ ኣይኰነን ጸኒሑ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ 2023 ዝተኻየደ ግጭት፡ መንግስቲ ኤርትራ ብምኒስትሪ ዜና ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ተግባር ንሞሳድ ሓዊሱ ብዓበይቲ ትካላት ስለያ ዝምወል ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።

እዚ ደጋፊ መንግስቲ ምዃኑ ዝተነግረሉ ናይ ፈለማ ካብ እስራኤል ናብ ኤርትራ ዝተሰጐ ሰብ፡ ቅድሚ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምዕላቡ ብኣዲስ-ኣበባን ካምፓላን ኣቢሉ ክሓልፍ እዩ።

እንተዀነ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዜጋታቱ ክቕበል ፍቓደኛ ከም ዘይኰነ ክንገረሉ ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ ክህቦ ዝኽእል ግብረ-መልሲ ኣይተፈልጠን ዘሎ።

መርበብ ሓበሬታ ኢምግረሽን እስራኤል ከም ዝሕብሮ፡ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ልዕሊ 15,500 ኤርትራውያን ከም ዘለዉ፣ ብተወሳኺ፡ ልዕሊ 7,000 ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ቈልዑን ኣብ እስራኤል ከም ዘለዉ ይግመት።