ኤርትራ፡ ሓላፊ ስታፍ ስርሒታትን ስልጠናን ሓይልታት ምክልኻል ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ዓሪፉ

ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል

ምንጪ ስእሊ, DmTsi Hafash/YouTube

ሓላፊ ስታፍ ስርሒታትን ስልጠናን ሰራዊት ኤርትራ ነበር ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ኣብ መበል 71 ዕድመኡ ከምዝዓረፈ ተገሊጹ።

እቲ ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኤርትራ ዝዀነ ጀነራል ብሰንኪ ሕማም ህይወቱ ከምዝሓለፈ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ሓላፊ ስታፍ ስርሒታትን ስልጠናን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ከገልግል ምጽንሑ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

"ገዲም ተጋዳላይ ንናጽነት ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ኣብ መበል 71 ዕድመኡ ብሕማም ዓሪፉ" ክብል እቲ ሚኒስተር ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ጽሒፉ።

ኣብ 1974 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ፡ ኣብ ገድሊ ንናጽነት ዝተሳተፈ ጀነራል ሃይለ "ቻይና" ብዝተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ዘገልገለ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኣብ መወዳእታ 1970ታት ኣብ ክፍሊ ህዝቢ (ጀማሂር) ተመዲቡ ይሰርሕ ምንባሩ ብጾቱ ዝነበሩ ይገልጹ።

ካብ 1984 ክሳብ 1987 ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ብምዃን ተዋጋኢ ሰራዊት ይመርሕ ነይሩ።

ብድሕሪኡ ክሳብ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ከኣ ኣዛዚ ግንባርን ኮርን ብምዃን ኣገልጊሉ።

ኣብ 1990 ጀነራል ሃይለ፡ ነቲ ንወደባዊት ከተማ ባጽዕ ንምቍጽጻር ዝተኻየደ ስርሒት ፈንቅል ላዕለዋይ ኣዛዚ ግንባር ብምዃን ምምርሑ ሓደ ካብቲ ዝፍለጠሉ ቀንዲ ኣበርክትኡ'ዩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post

ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ኣብ 1990፡ ስርሒት ፈንቅል

ምንጪ ስእሊ, Eri-TV

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ሃይለ ኣብ እዋን እቲ ንሱ ዝመርሖ ስርሒት ፈንቅል

ኣብ ሓደ እዋን'ውን፡ ምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ኣብ ትሕቲ ደሓር ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረን ብሰንኪ ዘጋጠሞ መጥቃዕቲ ካብ ሰራሕ ዝተኣልየን ስብሓት ኤፍረም ሰሪሑ ነይሩ።

ካብ 1994 ክሳብ 1998 ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ዝነበረ ጀነራል ሃይለ ብ11 ታሕሳስ 2023 ኣብ ርእሰከተማ ደልሂ ብሕማም ከምዝዓረፈ ተገሊጹ።

ጀነራል ሃይለ፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኰይኑ ሰሪሑ ምንባሩ'ውን ሚኒስተር የማነ ይጠቅስ። ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት'ውን ዝተፈላለየ እዝታትን ዞባዊ ስርሒታትን መሪሑ'ዩ።

ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህግ ዝነበረ ጀነራል ሃይለ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ዝነበረ'ዩ።

እቲ ጀነራል ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉዳትን እዩ።

"ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሓርበኛ ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ኣብ ቀጻሊ ክሕበር'ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ብመስዋእቲ ገዲምን ውፉይን ተጋዳላይ ሜ/ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ቻይና ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራቤቱን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል" ክብል ኣብ ኤሪ-ቲቪ ዝተቓለሐ መግለጺ ይጠቅስ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ናይዚ ዓመት'ውን ብ/ጀነራል ዳኒኤል ኣብርሃ መብራህቱ (ጨዓይ) ብሕማም ከምዝዓረፈ ይዝከር።