ኣብ ኣፍሪቃ 1,400 ሰባት ብበዲዶ ህበይ ተለኺፎም - ውድብ ጥዕና ዓለም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ኣስታት 1,400 ብሕማም በዲዶ ህበይ ዝተለኸፉ ሰባት ምርካበን ከም ዝሓበራ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
ካብዚ እቲ 44 ዝተረጋገጸ’ዩ።
እተን ሃገራት ካሜሩን፣ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ፣ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ላይቤሪያ፣ ናይጄሪያ፣ ኮንጎ ብራዛቪልንን ሴራሊዮንን እየን።
እዚ ቑጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ግና ዝተሓተ ከም ዝኾነ ድማ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።
እቲ ቫይረስ ናብ ሓደሽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ እኳ እንተዘየስፋሕፍሐ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ግን ጂኦግራፊያዊ ሸፈንኡ እናስፍሐ ከም ዝመጽአ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።

ኣብ ከተማታት ናይጄሪያ፡ እቲ ቫይረስ፡ ብቐንዱ ክሳብ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ ይርኣየሉ ካብ ዝነበረ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ተበጊሱ ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ናብ ማእከላይ፣ ምብራቓውን ሰሜናውን ክፋላት እታ ሃገር ከም ዝተዛመተ ይግለጽ።
ውድብ ጥዕና ዓለም “ብዝሓሸ ኩነታት ለውጢ እቲ ሕማም ንምርዳእን ንምርግጋጽን ክትትል ክሕይል ከምኡ’ውን ተወሳኺ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ሓበራዊ ድልውነት ክህሉ” ኣለዎ ኢሉ።
ሕማም በዲዶ ህበይ፡ ንመጀመርታ ግዜ ብ1970 ኣብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝተረኸበ ኰይኑ፡ ካብ ሽዑ ንድሓር ኣብ ገጠራትን ብኣግራብ ዝተሸፈኑ ከባቢታትን ክኽሰት ጸኒሑ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







