ብሪጣንያ ንገለ ስደተኛታት ኤለክትሮኒክ መፍለዪ ክትገጥመሎም ምዃና ተገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ብኣነኣሽቱ ጀልባታት ወይ ብናይ ፅዕነት መኻይን ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ገለ ሓተትቲ ዕቑባ ኤለክትሮኒክ መፍለዪ ክግጠመሎም ምዃኑ ተሓቢሩ።
ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘካይዶ ዘሎ ፈተነ ን12 ኣዋርሕ ግብራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ መንግስቲ 'ሓደገኛ ወይ ኣገደስቲ' ብዝብሎም መገድታት ዝኣትዉ ስደተኛታት ከምዝስጎጉ ተገሊፁ'ሎ።
ቀዳማይ ሚንስትር ቦሪስ ጆንሰን " ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ክጠፍኡ ከምዘይክእሉ መረጋገፂ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ" ኢሉ።
ተጣበቕቲ ግን እዚ ውጥን ንስደተኛታት ከም ገበነኛ ዝርእይ ከምዝኾነ ብምግላጽ ይነቕፍዎ ኣለዉ።
ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዝተሓሰበ ፈላማይ በረራ ኣብ ናይ መወዳእታ ደቓይቕ ብድሕሪ ምስራዙ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት 'ዩ እዚ ሓድሽ ውጥን [ኤለክትሮኒክ መፍለዪ] ዝዝረበሉ ዘሎ።
ፈላማይ ኤለክትሮኒክ መፍለዪ ዝግጠመሎም ድማ ነቲ በረራ ብዕውት ኩነታት ከይሳኻዕ ዝሞጎቱ ሰባት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ቤት ፅሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ እቲ ኣብ እንግሊዝን ዌልስን ዝጀመረ ምትእትታው ኤለክትሮኒክ መፍለዪ፡ እቶም ሓተትቲ ዕቑባ ጉዳዮም "ክቀላጠፍ ዝሕግዝ ድዩ?" ዝብል ከምዝፃረይ ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ ፈተነ ከምእተጀመረ እንተተሓበረ'ኳ ሚንስትር ጉዳይ ውሽጢ ዓዲ ግን እቲ ኤለክትሮኒክ መፍለዪ ተገጢሙ ብዛዕባ ዝብል ሓበሬታ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።
መፍለዪ ዝግበረሎም ስደተኛታት ኣብ ዝንቀሳቐሱሎም ሰዓታት ገደብ ክግበረሎም ከምኡ ድማ ንዝተወሃቦም መምርሒ ዝጥሕሱ እንተኾይኖም ክእሰሩን ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡን ከምዝኽእሉ ይግለፅ።
ካብ ብሪጣንያ ክወጽኡ ምዃኖም ዝተነገሮም ስደተኛታት ክሃድሙን ንመምርሕታት ኢሚግሬሽን ከየኽብሩን ይኽእሉ እዮም ይብል እቲ ሓድሽ ውጥን።
እቲ ዝግጠም መሳርሒ ኣብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና እቲ ስደተኛ ጉድኣት ከብፅሕ ወይ ስቓይ ክፈጥር ከምኡ ድማ ግዳይ ዘመናዊ ባርነት ዝገብር ከይኸውን ክትትል ከምዝካየደሉ'ዩ ተሓቢሩ።
ኤለክትሮኒካዊ መፍለዪ ከምዝግበረሎም ካብ ሞንጎ ዝግለፁ ስደተኛታት፡ ህፃናት ወይ ነብሶፆራት ከምዘይርከብዎም'ውን ተፈሊጡ።።
እዚ ከምዚ ከሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጥራሕ ብሓሙሽተ ጀላቡ ዝተፅዓኑ 230 ሰባት ንቻነል እንግሊዝ ሰጊሮም ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተዉ ሚንስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ሓቢሩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







