ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ብዙሓት ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, SRTV
ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግጫው ባቡር ብውሕዱ 15 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 30 ካልኦት ቆሲሎም ከምዘለዉ ሰብመዚ ሓቢሮም።
ኣብቲ ብሰኑይ ለይቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብዙሓት ብኸቢድ ቆሲሎም ናብ ዝተፈላለዩ ሆስፒታላት ተወሲዶም ኣለዉ።
እቲ ሓደጋ ኣብ ሶማሌ ክልል ኣብ እትርከብ ከተማ ሺንሌ'ዩ ኣጋጢሙ።
ሓላፊ ኮሚኪኬሽን እቲ ክልል መሓመድ ኣደም ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እቶም ጉድኣት ወሪዱዎም ዘሎ ግዳያት ናይቲ ሓደጋ ናብ ሆስፒታል ሺንሌ፡ ድሬዳዋን ኣዲስ ኣበባን ተወሲዶም ኣለዉ።
ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ መርመራ ይካየድ'ኳ እንተሎ፡ እታ ባቡር ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለት ምዃና ግን ኣቶ መሓመድ የመልክት።
ቁጽሪ ናይቶም ኣብቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።
እታ ሰብን ንብረትን እትጽዕን ባቡር ካብ ከተማ ደዋሌ ተበጊሳ ናብ ድሬዳዋ እናተጓዓዘት እንከላ'ያ ካብ መስመራ ወጺኣ ምስ ካልእ ደው ኢላ ዝነበረት ባቡር ተጋጭያ።
ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ኣብ ዝዘርግሕዎ ስእልታት፡ ሓያለ ባጎኒታት ተገልቢጦም፡ ገለ ድማ ተጨፍሊቖም ይራኣዩ።
ሓላፊ ናይቲ ወረዳ ጂብሪል ዑመር ንቢቢሲ ቋንቋ ሶማሊ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ዕድመን ዓቕሚን ናይታ ባቡር ክኸውን ከምዝኽእል ይእምት።
"ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ዘይብቑዕ ኩነታት እታ ኣዝያ ኣረጊት ዝኾነት ባቡር፡ ከምኡ'ውን ከቢድ ጽዕነት ክትስከም ዘይምኽኣላን'ዩ ዝመስል። ልዕሊ ዓቕማ ምጽዓና ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ከምዝኾነ ኢና ንኣምን"።
እታ ባቡር፡ ብዘይካ ሰባት፡ ሩዝ፡ ፓስታን ዘይቲ-ብልዒን ዝበሉ ኣቚሑን ጽዒና ከምዝነበረት'ውን እቲ ኮሚሽነር ጠቒሱ።
"ዝበዝሑ ካብቶም ተጓዓዝቲ ናኣሽቱ መንእሰያት ብምንባሮም፡ ዝበዝሑ ካብታ ባቡር ዘሊሎም ክድሕኑ ክኢሎም እዮም" ኢሉ።
ሰራሕተኛታት እታ ባቡር ዝኾና ሓያለ ደቂኣንስትዮ'ውን ካብቶም ዝሞቱ ግዳያት ምዃነን ተፈሊጡ'ሎ።
ኣፈኛ ክልል ሶማሌ ዝኾነ መሓመድ ኣደም ብወገኑ፡ ኩሎም ዝሞቱን ዝቖሰሉን ተጓዓዝቲ ካብታ ባቡር ከምዝተወስዱ ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት እቲ ክልል ሙስጠፌ ዑመር ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ በቲ ሓደጋ ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ ንቤተሰብ ግዳያት ምጽንናዕ ተመንዩ ኣሎ።
ሓደጋ ባቡር ኣብ ኢትዮጵያ ሳሕቲ ዘጋጥም ፍጻመ ኮይኑ፡ እቲ ዝበዝሐ ሓደጋታት ብመካይን ዝፍጸም ምዃኑ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







