10 በዓቲታት ኣቋሪጹ ዝሓልፍ ሃዲድ ባቡር ኣዋሽ-ወልዲያ

መገዲ ባቡር ኣዋሽ ወልዲያ

ምንጪ ስእሊ, AKH Railway Project

መግለጺ ስእሊ, መገዲ ባቡር ኣዋሽ ወልዲያ

ኢትዮጵያ ብድሕሪ ሓደ ክፍለ ዘመን፡ ኣብ 2015 ሃገራዊ ህንጸት መገዲ ባቡር መሊሳ ክትጅምር ከላ፡ እቲ ሓደ መበገሲኡ ኣዋሽ ብምግባር ናብ ሃራ ገበያ ወልዲያ ዝበጽሕ መስመር'ዩ።

ብዙሓት በዓቲታትን ድልድላትን ዝርከብዎ፡ ፕሮጀክት ኣዋሽ-ሃራገበያ/ወልድያ፡ ህንጸቱ ምስተዛዘመ ኣብ ሓደ ጊዜ 26 ባቡራት ከተኣናግድ ዝኽእልን ልዕሊ 4 ሽሕ ሰባትን 27 ሽሕ ቶን ጽዕነትን ዘጓዓዕዝን ከምዝኾነ ይግለጽ።

መበገሲኡ ኣዋሽ ብምግባር ናብ ወልዲያ ሃራ-ገበያ ዝበጽሕ ፕሮጀክት መገዲ ባቡር ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ንውሓቱ 392 ኪሎሜትር ክኸውን ከሎ ኣብ ክልተ ምዕራፍ ብዝተመቐለ ስራሕ ይፍጸም ከምዘሎ ይሕበር።

እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ካብ ኣዋሽ ክሳብ ኮምቦልቻ ዝበጽሕ ኮይኑ 270 ኪሎሜትር ንውሓት ኣለዎ። ካብ ኮምቦልቻ ናብ ሃራ ገበያ (ወልዲያ) ዝወስድ ካልኣይ ምዕራፍ ከኣ 122 ኪሎሜትሮ ይሽፍን።

ህንጸቱ ብኽልተ ምዕራፍ ተመቒሉ ክስራሕ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ንመፈጸሚኡ ዝኸውን በጀት ክርከብ ብዘይምኽኣሉ ከምዝኾነ ኣካያዲ ስራሕ'ቲ ፕሮጀክት ኢንጂነር ዓብዱልከሪም ሞሓመድ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብዚ እዋን ቀዳማይ ምዕራፍ ህንጸት እቲ መገዲ ባቡር 99 ሚኢታዊት ተዛዚሙ ኣገልግሎት ንምጅማር ዘኽእሎ ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣብ ምጽባይ ይርከብ።

እቲ ካልኣይ ምዕራፍ ድማ ደንጉዩ በጀት ስለዝተረኸበሉ ኣብ ቀረባ ህንጸቱ ተጀሚሩ'ሎ። ብዘይካ በጀት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስን ካልኦት ምኽንያትትን እውን ህንጸቱ ከምዝተጓተተ ይግለጽ።

ኣብዚ እዋን ግን ህንጸቱ 82 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ኣካያዲ ስራሕ ኢንጂነር ዓብዱልከሪም ሓቢሩና።

"ብቕልጡፍ ህንጸቱ ብምዝዛም ናብ ኣገልግሎት ንምእታው ይስራሕ'ኳ እንተሃለወ ቀረባ ሓይሊ ኤልክትሪክ ክድንጉይ ከምዝክእል ግን ስክፍታ ኣለና" ይብል እቲ ኣካያዲ ስራሕ።

መገዲ ባቡር ኣዋሽ ወልዲያ

ምንጪ ስእሊ, AKH Railway Project

'ባቡር ፍሬን ስለዘይብሉ ክውድኣና እዩ. . .'

ህንጸት እቲ መገዲ ባቡር ቅድሚ ምጅማሩ እቲ ቀንዲ በዳሂ ዝነበረ ኩነታት ናይቲ ከባቢ ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣ እዩ። ካብ ኣዋሽ ናብ ሃራ ገበያ ዝወስድ ከባቢ ብጎቦታት ዝተሓጸረ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ ዲዛይን ምምሕያሻት ምግባር ኣገዳሲ ከምዝነበረ ኢንጂነር ዓብዱልከሪም የረድእ።

ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝነበረ ግጉይ ኣረዳድኣ'ውን ካልእ ብድሆ ምንባሩ ብምግላጽ "ባቡር ፍሬን ስለዘይብሉ ናብዚ እንተመጺኡ ህዝብና ክውድእ እዩ" ዝብል ግጉይ ኣተሓሳስባ ንምቕያር ነዊሕ ጊዜ ከምዝወሰደ የዘኻኽር።

ዓርሞ ዘይምጥሓስ (ወሰን ምኽባር) ከምኡ'ውን ጉዳይ ካሕሳ ተወሰኽቲ ፈተናታት ኮይኖም'ዮም። እቲ ባቡር ብናይ ሓረስቶት መሬት ዝሓልፍ ብምንባሩ ኣጸጋሚ ኩነታት ከምዝተሓለፈ ኣካያዲ ስራሕ'ቲ ፕሮጀክት ይዛረብ።

ኢ/ር ዓብዱልከሪም ሞሐመድ

ምንጪ ስእሊ, AKH Railway Project

መግለጺ ስእሊ, ኢ/ር ዓብዱልከሪም ሞሐመድ

ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስተኸሰተ እቲ ስራሕ ንዝተወሰነ ጊዜ ተቛሪጹ ስለዝነበረ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ወረዳ ተሁለደሬ ከቢድ ጸገም ኣጋጢሙ ምንባሩ ኢንጂነር ዓብዱልከሪም ይዛረብ።

'ካሕሳ ውሒዱና' ዝብል ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝልዓለ ቅሬታ ነይሩ። ካሕሳ ምስተኸፈለ ጸኒሑ ዝተልዓለ ቅሬታ ብምንባሩ ከኣ ንምፍትሑ ነዊሕ ጊዜ ምውሳዱ ይገልጽ።

ኣብ ቀረባ እዋን ብሚንስተር መጓዓዝያን ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራን ኣቢሉ ውሳነ ምስሓለፈ ከኣ እቲ ጸገም መሊኡ ተፈቲሑ'ሎ።

10 ኪሎሜትር በዓቲታትን 70 ድልድላትን

ኣብቲ ፕሮጀክት ሩባ ንምስጋርን ጎቦ ምስ ጎቦ ንምርኻብን ዘኽእሉ ብዙሓት ድልድላት ተሃኒጾም'ዮም። ኣብቲ ስራሕ ክሳብ 53 ሜትሮ ቁመት ዘለዎም ዓምድታት'ውን ተሰሪሖም ኣለዉ።

ድለድል መገዲ ባቡር ኣዋሽ ወልዲያ

ምንጪ ስእሊ, AKH Railway Project

10 በዓቲታት (ታነላት) ዝርከብዎ ክኸውን ከሎ እቲ ዝነውሓ በዓቲ ካብ ሃራ ገበያ ወልዲያ ቁሩብ ቅድም ኢሉ ይርከብ። 2.3 ኪሎሜትር ንውሓት ድማ ኣለዎ።

ብሓፈሻ ናይቶም 10 በዓቲታት ንውሓት ልዕሊ 10 ኪሎሜትር ከምዝበጽሕ ኢንጂነር ዓብዱልከሪም ንቢቢሲ ሓቢሩ። እዚ ከኣ ህንጸት እቲ መገዲ ባቡር በዳሂን ዝተሓላለኸን ምንባሩ ከምዘርእይ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ወሲኹ ገሊጹ።

ድለድል መገዲ ባቡር ኣዋሽ ወልዲያ

ምንጪ ስእሊ, AKH Railway Project

ኣብቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 70 ድልድላት ተሃኒጾም ኣለዉ። ብሓፈሻ 6 ኪሎሜትር ንውሓት ኣለዎም። እቲ ዝነውሓ ድልድል ካራቆሬ ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ዝርከብ ኮይኑ 1.1 ኪሎሜትር ይነውሕ።

ነቲ ፕሮጀክት ዝሰርሕ ዘሎ ድማ ያፒ መርከዚ ዝተባሃለ ኩባንያ ቱርኪ'ዩ።

ኢትዮጵያውያን ንኡስ ተኾናተርትን ሰብ ሞያን ኣብቲ ስራሕ ኣብ ምስታፍ ይርከቡ። ልዕሊ 6 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕ ከምዝተሳተፉ እውን ይግለጽ።

ቀዳማይ ምዕራፍ ህንጸት ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ጊዜ ከምዝተፈጸመ ዝገልጽ ኢንጂነር ዓብዱልከሪም ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ብዘይምምልኡ ግን ኣገልግሎት ምሃብ ከምዘይጀመረ ሓቢሩ።

ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ነቲ ቀረብ ክዝርግሕ ኣብ ስምምዕ ስለዝተበጽሐ ከኣ ነቲ ስራሕ ኮንትራት ተዋሂቡ'ሎ። እቲ ሓይሊ እንተቐሪቡ ኣገልግሎት ባቡር ብቕልጡፍ ከምዝጅምር'ዩ ኢንጂነር ዓብዱልከሪም ዝዛረብ።

ምዕራፍ ክልተ ግን ኣብ ዝተሓሰበሉ ጊዜ ክዛዘም ብዘይምኽኣሉ እቲ ተቐሚጡ ዝነበረ ገደብ ጊዜ ዳግም ምምሕያሽ ተገይሩሉ'ሎ።

መገዲ ባቡር ኣዋሽ ወልዲያ

ምንጪ ስእሊ, AKH Railway Project

ትሕዝቶታት እቲ መገዲ ባቡር

እቲ ፕሮጀክት ምስተዛዘመ 26 ባቡራት ከተኣናግድ ዓቕሚ ክህልዎ'ዩ። 20 ባቡራት ጽዕነት ዘመላልሳ ኮይነን ዝተረፋ 6 ድማ ሰባት ዘጓዓዕዛ እየን።

ኩለን ባቡራት እንተሰሪሐን መዓልታዊ ልዕሊ 4 ሽሕን 300 ሰብ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወይ ካብ ወልዲያ ናብ ጂቡቲ ከመላልሳ ይኽእላ።

ሓደ ባቡር ክሳብ 1 ሽሕን 350 ቶን ጽዕነት ክጸዓን ይኽእል። ኣብ ሓደ መዓልቲ ኩለን ባቡራት ናብ ስራሕ እንተወፊረን ክሳብ 27 ሽሕ ቶን ኣቕሓ ከጓዓዕዛ ዓቕሚ ኣለወን።

መገዲ ባቡር ኣዋሽ ወልዲያ

ምንጪ ስእሊ, AKH Railways Project

ካብ ኣዋሽ ክሳብ ሃራ ገበያ (ወልዲያ) ኣብ ዘሎ 392 ኪሎሜትር ንውሓት ጥራይ 4 ዋና 6 ነኣሽቱ ጣብያታት ኣለዉ።

እቶም ዋና ጣብያታት ኣብ ኣዋሽ፣ ሸዋ ሮቢት፣ ኮምቦልቻን ሃራ ገበያን ይርከቡ። ጸገም (ብልሽት) ኣብ ዘጋጥምሉ እዋን ኣብ ሓደ ጊዜ ክሳብ 8 ባቡራት ጽገና ክግበረለን ዘኽእል ጋራዥ ኣብ ኮምቦልቻ ተሃኒጹ'ሎ።