ብጸዓዱ ዝተኸበበ ጸሊም በጊዕ ዘለዎ ጐልፎ ልእልቲ ዲያና ብልዕሊ 1 ሚልዮን ዶላር ተሸይጡ

ልዕልቲ ዲያና

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ኣብ ማእከል ዝተሰርዑ ጸዓዱ ኣባጊዕ ሓደ ጸሊም በጊዕ ዘርኢ ስእሊ ዝሓዘ ጐልፎ ልእልቲ ዲያና ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ብ 1.14 ሚልዮን ዶላር ( 920 ሽሕ ፓውንድ) ተሸይጡ።

እቲ ጨረታ 21 ነሓሰ ዝተኸፈተ ኰይኑ ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ደቒቕ እቲ ዝለዓለ ተጫራቲ 200 ሽሕ ዶላር ኣቕሪቡ ነይሩ።

ነቲ ጨረታ ዘዳለወ ሶዝቢስ ዝተባህለ ትካል፡ እቲ ብ “ጐልፎ በጊዕ” ዝፍለጥ ክዳን ካብ 50 ሽሕ ክሳብ 80 ሽሕ ዶላር ከኸውን ከምዝኽእል ገሚቱ ነይሩ።

እቲ ትካል መንነት ተዓዋቲ እቲ ጨረታ ዕላዊ ኣይገበረን።

እቲ ቅልል ዝበለ ካብ ፈትሊ ዝተሰርሐ ጐልፎ፡ ኣብ ቀረባ ንጨረታ ካብ ዝቐረቡ ንብረታት ናይታ “ ናይ ህዝቢ ልእልቲ” እትፍለጥ ዲያና ዝለዓለ ዋጋ ዘውጸአ እዩ።

ፎርድ ኢስኮርት ዝዓይነታ ብ 806 ሽሕ ዶላር ዝተሸጠት መኪናኣ፡ እታ ናብ ዋጋ እቲ ጐልፎ ዝቐረበት እያ።

ልእልቲ ዲያና ብተደጋጋሚ ኣብ ክሳዳ ኣሲራቶ ዝርአ ዝነበረ መስቀል እውን ኣብ ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ጨረታ ኪም ካርዲያሻን፡ ብሓደ ሕምሲት ዋጋ ናይቲ ጐልፎ - ብ 203 ሽሕ ዶላር ዓዲጋቶ።

ንድፊ ናይቲ ጐልፎ፡ ዲያና ኣብ ውሽጢ እቶም ንጉሳውያን ቤተሰብ ዝነበራ ቦታ ዘመላኽት ከምዝዀነ እዩ ዝግለጽ።

ታሪኽ ፋሽን ዘጽንዑ ሰባት ግን እታ ልእልቲ ዝዀነ መልእኽቲ ንምሕላፍ ከምዘይተኸደነቶ ይዛረቡ።

ቅድሚ ዘበነ ማሕበራዊ ሚድያ፡ እታ ጐልፎ ተኺዲና ዝተሳእለቶም ኣብ ጋዜጣታት ዝተሓተሙ ኣሳእል፡ ነቲ ጎልፎ ዝሰርሐ ‘ዋርም ኤንድ ወንደርፉል’ ኣፍልጦ ክረክብ ከምዝገበሩን ንክኢላታት ንድፊ ከምዘተባበዐን ሶዝቢስ ይገልጽ።

ዲያና ምስ ልኡል ቻርለስ ድሕሪ ምምርዓዋ፡ ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም፡ እቲ ጐልፎ ከምዝተበላሸወን ክዕረ ወይ ክቕየር ዝገልጽን ደብዳበ ናብቲ ኣፍራዪ ጽሒፉ ነይሩ። ብድሕሪኡ ኣብ 1983 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፈረስ እቲ ቅያር ጐልፎ ተኸዲና ተራእያ።

ሶዝቢስ ኣብቲ ጨረታ፡ እቲ ናብ ዋርም ኤንድ ወንደርፉል ዝተጸሓፈን ድሕሪ ምቕያሩ ዝተልኣኸ ናይ የቐንየልና ደብዳበን እውን ናብቲ ጨረታ ኣቕሪቡዎ።